ኢሎን መስክ፡ ስለምንታይ ኣርማ ትዊተር ካብ ዑፍ ናብ ‘X’ ይቕይሮ ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወናኒ ትዊተር ኢሎን መስክ፡ ነቲ ናይ ትዊተር ብዑፍ ዝፍለጥ ኣርማ ብ"X" ክቕይሮ ከም ዝደሊ ገሊጹ።
ይዅን ‘ምበር ሚስተር መስክ ዘይትግበር ወይ ዕቱብ ዘይኰነ መግለጺታት ናይ ምሃብ ልምዲ እውን ኣለዎ።
ስም ናይቲ ቢዝነስ ናብ ኤክስ ኮርፕ ዝቐየረ ኢሎን መስክ፡ እቲ ምትካእ "ቅድሚ ነዊሕ እዋን ክግበር ነይርዎ" ኢሉ።
ብመሰረት ጸብጻባት፡ እቲ ቢልዮነር ምስ ቻይናዊ ዊቻት ዝመሳሰል "ኤክስ" ዝበሃል "ሱፐር መተግበሪ" ክፈጥር እዩ ዝደሊ።
ንሱ ብሰንበት፡ ኣርማ ትዊተር ክቕይር ይደሊ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ንምልክት ትዊተርን በብቕሩብ ድማ ንዅለን ኣዕዋፍ ከነፋንወን ኢና" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ብድሕሪኡ ድማ ኣብታ መዓልቲ ብቐጥታ፡ ሓደ ‘ግዝያዊ’ ኣርማ ኣብ ረብሓ ከምዝውዕል ገሊጹ።
ሚስተር ማስክ፡ ኣብ ትዊተር ብልጭልጭ ዝብል ምስሊ "ኤክስ" ብምልጣፍ፡ ድሒሩ ኣብ ትዊተር ‘ስፔስስ’ ኣብ ዝገበሮ ናይ ድምጺ ዕላል፡ 'ኣርማ ትዊተር ክቕየር ድዩ?' ተባሂሉ ምስ ተሓተተ "እወ" ኢሉ መሊሱ።
"ርግጽ፡ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ክግበር ነይርዎ" ኢሉ።
ዋና ኣካያዲት ስራሕ እቲ ኩባንያ ሊንዳ ያካሪኖ፡ እቲ ምልክት ምቕያር ‘ጽቡቕ ዕድል’ ዝፈጥር ምዃኑ ጽሒፋ።
"ትዊተር ሓደ ዓቢ ጦብላሕታ ፈጢሩ ኣሎ፤ እንዘራረበሉ መገዲ ቀይርዎ እዩ" ትብል።
"ሕጂ፡ ኤክስ ልዕሊ እዚ ክብ ከብሎ’ዩ።"
ዊቻት ብደረጃ ኣገልግሎቱን ብዝሒ ተጠቀምቱን ሓደ ካብቶም ዓበይቲ መተግበሪታት ናይቲ ዞባ ኰይኑ ዝማዕበለ ናይ መልእኽትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን መድረኽ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቻይና ጥራይ 1.29 ቢልዮን ተጠቀምቲ ከምዘለውዎ ተገሚቱ ነይሩ።
ኣርማ ኣዕዋፍ
ኢሎን መስክ ኣብ ጥቅምቲ 2022 ንትዊተር ካብ ዝገዝእ ንደሓር፡ ስም ንግዲ እቲ ኩባንያ ናብ ‘ኤክስ ኮርፕ’ ቀይርዎ ኣሎ።
መርበብ ሓበሬታ ትዊተር፡ ሰማያዊት ዑፍ ዝገልጽ ኣርማኡ "ኣዝዩ ስሙይ ንብረቶም" ምዃኑ ይገልጽ።
"ስለዚ ኢና ድማ ክሳብ ክንድዚ ንከላኸለሉ ዘለና" ክብል ወሲኹ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ትካል ኣብ ሚያዝያ ነቲ ኣርማ ብናይ ‘ዶጅኮይን’ ከልቢ ተኪእዎ፤ እዚ ድማ ኣብ ዕዳጋ ዋጋ ናይቲ ሚም ሳንቲም ንኽውስኽ ሓጊዙ።
ሚስተር መስክ ድሒሩ ብጕጅለ ኣውፈርቲ ዶጅኮይን ብውሽጣዊ ንግዲ ተኸሲሱ፡ ንሳቶም ድማ ዋጋ ዶጅኮይን ብምዕባይ መኽሰብ ከምዝረኸበ ገሊጾም።
ሚስተር ማስክ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ዝተፈላለዩ ተጠቀምቲ ኣብ መዓልቲ ክንደይ ትዊት ከንብቡ ከም ዝኽእሉ ገደብ ከም ዝህሉ ምስ ኣፍለጠ፡ እቲ ኩባንያ ብተጠቀምትን ዕዳጋታትን ተነቒፉ።
እቲ መዓልታዊ ገደብ፡ ንዕብየት ናይቲ ብሜታ ዝውነን ተወዳደሪ ኣገልግሎት ትሬድስ ሓጊዙ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ልዕሊ 100 ሚልዮን ሰባት መዝጊቡ።
ኣብ ቀረባ እዋን ትዊተር ዘጋጠሞ ካልእ ሕልኽላኽ፡ እቲ ትካል ንሰራሕተኛታት ነበር ብውሑዱ 500 ሚልዮን ዶላር፡ ክፍሊት ዕዳ ከምዘለዎ ዝገልጽ ብሰሉስ ዝቐረበ ክሲ እዩ።
ሚስተር መስክ ካብ ዝገዝኦ ንደሓር፡ እቲ ኩባንያ ልዕሊ ፍርቂ ሓይሊ ሰራሕተኛታቱ ነክዩ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







