እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ን 'ሓቀኛን ተኣማንን' መሰጋገሪ ፍትሒ ከም ዝሰርሕ ኢሰመኮ ኣፍሊጡ
ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ልሒሙ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ዝቐጸለን ኵናት ዝተፈጸሙ ግህሰታትን ካልኦት ገበናትን ዝምልከት፡ ምሕደራ ፍትሒ መሰጋገሪ እዋን፡ “ሓቀኛ፡ ተኣማንን ግልጽነት ዘለዎን” ክኸውን ኢሰማኮ ከምዝሕግዝ፡ ኮሚሽነር እቲ ትካል ዳንኤል በቀለ (ዶ/ር) ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ ኮሚሽነር፡ ኣብቲ ስምምዕ ሰላም ዝተገለጸ ዓይነት ፍትሒ ተግባራዊ ንክኸውን፡ እቲ ኮሚሽን ቅድሚ ሕጂ እማመ ምኽረ ሓሳብ ከምዘቐመጠ ብምዝኽኻር፡ እዚ ክኸውን ምውሳኑ “ሓቀኛ ስጕምቲ እዩ” ኢሉ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኵናት ዝተፈፀሙ ግህሰታት ተወሳኺ ምርመራ ኣይገብርን ዝበለ ዳንኤል፡ እዚ ተግባራዊ ዝኸውን ንፍትሒ መሰጋገሪ እዋን ብዝመርሕ ኣካል ከምዝዀነ ተዛሪቡ።
እንተዀነ፡ ትካሉ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ትካሎም ምርመራ ንምክያድ ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ሓቢሩ።
“ድሕሪ እቲ ስምምዕ ሰላም፡ ሓፈሻዊ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰልን ኣብ ኣፈጻጽማ እቲ ስምምዕ ሰላም ዝፍፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ወይ ስግኣታት ዝህልዉ እንተዀይኖም፡ ክትትል ንምግባር ትልሚ ኣሎና። ስራሕ ንምጅማር ኣብ ምድላው ኢና ንርከብ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዛዕባ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ግን፡. . . ክትግበር ዝግባእ ግን ስርዓተ ምሕደራ ፍትሒ እዋን ምስግጋር እዩ” ኢሉ።
እዚ ስርዓተ ፍትሒ ውጽኢታዊ ንክኸውን ግን፡ እቲ ኮሚሽን ኣበርክቶ ከምዝገብር ኣረዲኡ።
እቲ ኮሚሽነር፡ እንታይ ዓይነት ፍትሒ እዋን ምስግጋር ክትግበር ኣለዎ ኣብ ዝብል፡ ኢሰመኮ ምስ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን መጽናዕቲ የካይድ ከምዘሎን፡ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ክልላት ከምዝተዘተየሉን ሓቢሩ።
ኣብቲ መጽናዕቲ ተደሪኹ፡ ንኢትዮጵያ ይሰማማዕ ዝበሎ ምኽረ-ሓሳብ ስርዓት ፍትሒ ከምዘቕርብ ድማ ኣአንፊቱ።
እዚ ንኽትግበር፡ ትካሉ ሞያውን ቴክኒካውን ድጋፍ ከምዝገብርን፡ ኣብ ተግባራውነቱ ክትትልን ምርመራን ከምዝገብርን ኣረዲኡ።
እቲ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ መንጐ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መሻርኽቱ ሰራዊት ኤርትራ፡ ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ክልል ኣምሓራ፡ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝተኻየደ ኵናት ንምግታእ፡ ዝሓለፈ ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ፕሪቶርያ ስምምዕ ሰላም ከምዝተኸተመ ይዝከር።
ምሕደራ ፍትሒ እዋን ምስግጋር እንታይ እዩ? ረብሓኡ ኸ?
ሃገራት ካብ ኵናትን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ናብ ሰላማዊ ኵነታት ኣብ ዝምለሳሉ፡ ኣብ እዋን ኵናት ዝተፈፀሙ ገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብኸመይ ይረኣዩ? ዝብል ጕዳይ ኵሉ ግዘ ሕቶ ኰይኑ ዝለዓል እዩ ይብል ኮሚሽነር ዳንኤል።
እዞም ግህሰታትን ገበናትን፡ ብዙሓትን ዝተሓላለኹን ስለዝዀኑ፡ ኣብ ስሩዕ ስርዓተ ፍትሒ ንምርኣይ ኣፀጋሚ ይኸውን።
ስለዚ፡ እዚ ፀገም ንምፍታሕ፡ ሃገራት ካብ ኵናት ናብ ሰላም ኣብ ዝሰጋገራሉ፡ ምሕደራ ፍትሒ ተግባራዊ ከምዝገብራ ይዛረብ።
እዚ ስርዓተ ፍትሒ ኣርባዕተ ቀንዲ ዕላማታት ይሕዝ።
እቲ ቀዳማይ ጉዳይ፡ ንሓቂ ምድላይን ምፍላጥን እዩ። እቲ ኮሚሽነር፡ ኣብ እዋን ጐንጺ “ዝተማልአ ሓቂ” ስለዘይፍለጥ፡ ኣበይ ቦታ እንታይ ተፈጢሩ ዝብል ምጽራይን ምርግጋጽን ቀንዲ ዕማም እዩ ይብል።
ዳግመ-ምጥያስ ዝተጐድኡ ሰባት እቲ ካልኣይ ዕላማ ኰይኑ፡ ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ተሓታትነት ገበንን ድማ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝቕመጥ እዩ።
እታ ሃገር ኣብ ተመሳሳሊ ጸገም ከይትወድቕ እንታይ ዓይነት ለውጥን ምምሕያሽን የድሊ ዝብል ምምርማር ከኣ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ይቕመጥ።
እዚ ብዙሕ ግዜ ንሕገ-መንግስቲ፡ ኣብ ሕጊታት ወይ ፖሊሲታት ለውጢ ብምግባር ጠንቂ እቲ ጸገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዝግበር እዩ ይብል ኮሚሽነር ዳንኤል።
ኣብ ኢትዮጵያ ከምዚ ዝበለ ስርዓተ ፍትሒ ንክዝርጋሕ ኣብ ሰነድ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምስፋሩ ዝድነቕ እዩ ዝብል እቲ ኮሚሽነር፡ “ሕጂ ተግባራዊ ክኸውን እንደልዮ፡ ብመሰረት እቲ ዝሃብናዮ ምኽረ ሓሳብን ዓለምለኻዊ ደረጃታት ብዝሓለወን መልክዑ፡ ነጻን ዘይሻራውን ፍትሒ እዋን ምስግጋር ንኽቐውምን ንኽትግበርን እዩ” ኢሉ።
ንሱ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ነዚ ተግባር ዝዓምም ኣካል፡ ርእሱ ክኢሉ ብዝቐውም ትካል ዝምራሕ ኰይኑ፡ ኣብ ዝተወሰኑ ሃገራት ኣብ ስራሕ ካብ ዘለዉ ትካላት ብዝተዋጽኡ ኣካላት ተወዲቦም ከፈጽምዎ ይኽእሉ እዮም ክብል ኣአንፊቱ።
እዚ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኵናት፡ እዚ ስርዓተ-ፍትሒ ክትግበር ምኽንያት’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ኵሎም ከባቢታት እታ ሃገር ክትግበር ዝግባእ እዩ ዝብል ኮሚሽነር ዳንኤል፡ እዚ ዓይነት ስርዓት ከይተተግበረ ስለዝጸንሐ፡ “ምናልባት ብተደጋጋሚ ጐንጺታት ከጋጥምን መጠነ ሰፊሕ ግህሰታትን ክፍጸምን ንርኢ ዘለና” ክብል ተዛሪቡ።
እዚ ተግባር ብደረጃ ሃገር ተግባዊ ክኸውን ይግባእ ዝብል መርገጽ ድማ ኣለዎ።
ኮሚሽነር ዳንኤል፡ ኢሰመኮ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት እቲ ኵናት ደው ንኽብልን ኣብ ስምምዕ ክብጻሕን፡ “ናይ ባዕሉ ግደ ብምግባር ጠቓሚ ስራሕ ክንሰርሕ ጸኒሕና” ብምባል ካብዚ ንላዕሊ ክንሰርሕ ከምዝግበኣና እውን እርዳእ እየ ክብል ተዛሪቡ።