ክልል ኣምሓራ፡ ልዕሊ 20 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ - ከተማ ኣዲስ ቅዳም፡ ሓይልታት መንግስቲ ገዛ ንገዛን ኣብ መንገዲን ብዙሓት ሰባት ከም ዝቐተሉ ነበርትን ስድራ ግዳያትን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን [ሰንበት 17 ጥቅምቲ 2017 ኣ.ግ] ኣብታ ካብ ባህርዳር 104 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ንዝተወለዐ ውግእ ስዒቡ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ህጻናት ዝርከብዎም 23 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ።

ሓላፊ ሰላምን ድሕንነትን ምምሕዳር እቲ ከባቢ ግን እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ከምዝተፈጸመ ብምርግጋጽ፡ ንጹሃት ሰባት ተቐቲሎም ንዝብል ግን ነጺጉ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖን ይምርምሮ ከም ዘሎን ሓቢሩ።

እንተዀነ፡ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ድዩ ኣይተፈጸመን ክሳብ ሕጂ ከም ዘየረጋገጸን ብዝሒ ግዳያት ከም ዘይፈለጠን ንቢቢሲ ገሊጹ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ሓበሬታ ንምርካብ ንመዓልታት'ኳ እንተፈተነ ብዙሓት ነበርቲ ብሰንኪ ፍርሕን ሓዘንን ብዛዕባ እቲ ኩነታት ክዛረቡ ኣይከኣሉን።

ገለ ነበርቲ ግን እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተኹሲ ብሰንበት 17 ጥቅምቲ ንጉሆ ከባቢ ሰዓት 2፡00 (08፡00) ኣብ ከተማ ኣዲስ ቅዳም ከም ዝጀመረ ተዛሪቦም።

ሓይልታት ፋኖ ክሳብ ከባቢ ሰዓት 5፡00 ቅድሚ ቀትሪ "ንመብዛሕትኡ ክፋላት" እታ ከተማ ከም ዝተቘጻጸሩ ዝገለጹ ነበርቲ፡ እቲ ምልውዋጥ ተኹሲ ክሳብ ሰዓት 10፡00 ድሕሪ ቀትሪ ከም ዝቐጸለ ኣረዲኦም።

“[እቲ ተኹሲ] ካብቲ ኳኩራ መውጫ ዝበሃል ከባቢ እዩ ጀሚሩ። ሽዑ ዕጡቓት ፋኖ ናብ ማእከል ከተማ እናደፍአ መጺኡ። ካልእ ሓይሊ መንግስቲ ምስ መጽአ ከኣ ለቒቑ። ኣብ መንጎ እዚ ነይሩ ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ዝተቐተሉ" ይብል ሓደ ነባሪ።

"[እቶም ወተሃደራት] ክወጽኡ ከለዉ ድማ ኣብ ማእከል ከተማ ኣብ ኣስፋልት ንዝረኸብዎም ሲቪላት ይቐትሉ ነይሮም" ክብል ካልእ ነባሪ መስኪሩ። ነቲ ቅትለት’ውን "ሕነ ምፍዳይ ዝመስል" ክብሉ ገሊጽዎ።

እቲ ዝበዝሐ ቅትለት ኣብ 'ታግታን ደለከስን’ ዝተባህሉ ከባቢታት ከም ዝተፈጸመ ዝገለጸ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ፤ ኣብቲ መጥቃዕቲ መናእሰይን ሽማግለታትን ከም ዝተቐትሉ ጠቒሱ።

ካልእ ነባሪ ድማ እቲ ቅትለት "ብሰለስተ መንገዲ" ከም ዝተፈጸመ ብምሕባር፤ ብዘይካ እቶም ኣብ ገዛን ኣብ መንገድን ዝተቐትሉ፡ ኣብ ዝራእቶም ዝተቐተሉ ሓረስቶት ነይሮም ኢሉ።

ኣብ መንጐ ክልቲኦም ሓይልታት ጎንጺ ከምዝነበረ ዘረጋገጸ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ንጹሃት ሰባት ከም ዝተቐትሉ ንዝቐረበ ክሲ ግን ነጺጉ።

ሓላፊ ክፍሊ ሰላምን ጸጥታን ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ኣቶ ጌታቸው ቢሻው፡ "ዝተቐትለ ሲቪል ሰብ የለን" ብምባል ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጠቑ ሰባት “ጥይት ኣይትኵስን” ክብል መጒቱ።

"ፕሮፖጋንዳ ጸላኢ" ክብል ነቲ ክስታት ዝነጸገ እቲ በዓል ስልጣን ነቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ “ካብ ሓቂ ዝረሓቐ” ኢልዎ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ዝቐጸለ ጐንፂ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ጸገም ከም ዝፈጠረ ነበርትን ሰበ-ስልጣንን ይገልጹ።

ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ብዝፍጽምዎም መጥቃዕቲታት ውሑዳት ዘይበሃሉ ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ይዀኑ ከም ዘለዉ ተጣበቕቲ መሰላት ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኣምነስቲኸ እንታይ ኢሉ?

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ‘ብኣሽሓት’ ዝቑጸሩ ነበርቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ከተማታት ዳንግላ፡ ኮምቦልቻን ሾዋ ሮቢትን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ወረዳ ኪልጋ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ግዝያዊ ማእከላት 'ተዳጒኖም' ከምዝርከቡ ኣቃሊዑ ኣሎ።

ኣምነስቲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊ፣ ዞባውን ዓለማው ግዴታታት ሰብኣዊ መሰላት “ዕሽሽ ብምባል ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኣትዩ ኣሎ" ክብል'ውን ከሲሱ።

እቲ ዓለም ለኸ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ካብ ዝሓለፈ መስከረም ጀሚሩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ክካየድ ዝፀንሐ ብሃበ ተረኽበ ማእሰርቲ ዝምልከት፡ ትማሊ ረቡዕ 6 ሕዳር ኣብ ዘውፀኦ ሓድሽ ፀብፃብ እዩ ከምኡ ኢሉ።

እቲ ትካል፡ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ብሃበ-ተረኽበ ማእሰርትን ኣተሓሕዛ እሱራትን ብዝምልከት፡ ካብተን ግዝያዊ መደጐኒ ማእከላት ዝወጹ ሰባትን ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ኣካላትን ከምዘዘራረበ ጠቒሱ።