'ተስፋ ዝነበሮም ኣትሌታት ኢና [ብኲናት] ስኢንና' - ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ትግራይ

ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ልዕሊ 70 ኣትሌታት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ እቲ ክልል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብዘይካ እቶም ኣትሌታት፡ ኣሰልጠንትን ዳኛታትን ኣትሌቲክስ ከምዝተቐተሉ ፕረዚደንት እቲ ፌደሬሽን ኣይተ ኪዳነ ገብረእግዚኣብሄር ተዛሪቡ።

“ካብ ማሕበራት ኣትሌታት፣ ዳኛታትን ኣሰልጠንትን ፀብፃብ ቀሪቡልና። ናይ ኩሎም ስም ዝርዝር ድማ ሂቦምና። ነዛ ሃገር ተስፋ ዝኾኑ 76 ኣትሌታት ተቐቲሎም። ብዘይክኦም ክልተ ዳኛታትን ክልተ ኣሰልጠንትን እውን ከምዝሞቱ ፈሊጥና” ኢሉ።

መብዛሕቲኦም ኣብ ክልላዊ፣ ሃገራዊን ዓለምለኻውን ውድድራት ክሳተፉ ተስፋ ዝነበሮም መናእሰይ ከምዝነበሩ ብምሕባር፡ ሓንቲ ካብኦም ሳራ ጎይቶም ዝተብሃለት ኣብ ዓድዋ ዝተቐተለት ኣትሌት ምዃና ጠቒሱ።

“ብደረጃ ትካል ክረአ ከሎ ድማ ዳርጋ ኩሉ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መሰረተ ልምዓት ኣትሌቲክስ ዓንዩ እዩ። ሓደ ካብኦም እቲ ኣብ ማይጨው ዝርከብ ማእኸል ኣትሌቲክስ ማይጨው ኮይኑ ልዕሊ 30 ሚልዮን ብር ዝግመት ዕንወት ንብረት በፂሕዎ’ሎ። ህንፃታቱ ድማ ብሰንኪ ድምፂ ከበድቲ ኣፅዋር ነቒዑ’ሎ” ክብል ኣረዲኡ።

መብዛሕቲኦም ካብቶም ግዳያት ኲናት ዝኾኑ ማሕበረሰብ ኣትሌቲክስ ትግራይ ሲቪል ኮይኖም ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ዝገለፀ እቲ ፕረዚደንት “ምናልባት ግን ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ናይ ጥፍኣት ኲናት ስዒቡ ተዓጢቖም ናብ ቃልሲ ዝተፀምበሩ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ብሓፈሻ ግን ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝሰኣንናዮም ኣትሌታትና እዮም” ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ሞት ኣትሌታትን ዝበፅሐ ዕንወት መሰረተ ልምዓት ኣትሌቲክስን ኣብ ትግራይ ከቢድ ጉድለት ንጥፈታት ኣትሌቲክስ ከምዝሰዓበ ኣይተ ኪዳነ ሓቢሩ።

“ሎሚ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ስም ሃገሮም ዘፀውዑ ዘለዉ ኣትሌታት እንተሪኢኻ፡ እቶም ቅድሚ ኲናት ካብ ትግራይ ወፂኦም ዝፀንሑ እዮም። ትግራይ ፅቡቕ ተስፋ ዝነበሮም ኣትሌታት ነይሮምዋ። ቅድሚ ዝተወሰነ እዋን ኣትሌታት ንምርካብ ውድድራት ኣካይድና ነይርና፤ ግን ድማ ክንድቲ ዝድለ ክንረክብ ኣይከኣልናን። ነቶም ተስፋ ዝነበሮም ኢና ስኢንናዮም” ክብል ገሊፁ።

ኣብ ዓለማዊ ውድድራት ውፅኢታውያን ካብ ዝዀኑ ተጋሩ ኣትሌታት፡ ከም በዓል ጉዳፍ ፀጋይ፣ ለተሰንበት ግደይ፣ ጎይተቶም ገብረስላሰ፣ ሓጎስ ገብረህይወትን በሪሁ ኣረጋውን ይጥቀሱ።