እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
700 ሰራሕተኛታት ኤርባስ ኣደዳ ተምላስን ውጽኣትን ከምዝኾኑ ተገሊጹ
ልዕሊ 700 ሰራሕተኛታት ኤርባስ ኣትላንቲክ ድሕሪ እቲ ትካል ዝኣንገዶ ናይ ልደት ድራር ከም ዝሓመሙ ይእመን ክብሉ ሰብመዚ ጥዕና ፈረንሳይ ገሊጾም።
ኣብ ምዕራባዊ ፈረንሳይ ተመዲቦም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት እቲ ኩባንያ፡ ብተምላስን ውጽኣትን ከምዝተሃሰዩ ትካል ጥዕና ኤ.ኣር.ኤስ ሓቢሩ።
ኣብቲ ቅድሚ ልደት ናብ ኣሰንባዲ ኩነታት ዝተቐየረ ድግስ፡ ኣብ ዝርዝር ምግቢ እንታይ ከምዝነበረ ንጹር ኣይኮነን።
ኤርባስ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።
ኤርባስ ኣትላንቲክ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ኣፍራይ ነፈርቲ ኤርባስ ኮይኑ፡ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት 15 ሽሕ ሰባት ይቖጽር።
ኤ.ኣር.ኤስ፡ ሰባት ንኽሓሙ ምኽንያት ዝኾነ ዓይነታት ምግቢ ብልክዕ እንታይ ከምዝነበረ ዝርዝር ሓበሬታ’ኳ እንተዘይሃበ፡ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ግና "ክሊኒካዊ ምልክታት ተምላስን ውጽኣትን" ከምዘርኣዩ ገሊጹ።
ምንጪ ናይቲ ጃምላዊ ምስማም ምግቢ ንምፍላጥ መርመራ ይጅምር ከምዘሎ፡ እቲ ትካል ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ኤርባስ 134 ሽሕ ሰባት ዝቖጽር ኰይኑ፡ ኣብ ኢንዱስትሪታት ነፈርቲ፣ ሄሊኮፕተር፣ ምክልኻል፣ ህዋን ጸጥታን ፍርያትን ኣገልግሎታትን ይህብ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ፈረንሳይ ኣብ ዘጋጠመ ፍሉይ ፍጻመ፡ ኣብ ቦርዶ ኣብ ዝርከብ ቤት ምግቢ በቲ ሳሕቲ ዝረአ ብመግቢ ዝመሓላለፍ ሕማም ቦቱሊዝም ድሕሪ ምልካፉ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ሓሚሞም፡ ሓደ ዜጋ ግሪኽ ድማ ሞይቱ።