እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ልዕሊ ጀላቡ ቬነዙወላ መጥቃዕቲ ኣዚዛ
ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ'ታ ዕጸ ፋርስ ሒዛ ዝተባህለት ጃልባ ቬነዙወላ ካልኣይ ዙርያ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክካየድ ከም ዝኣዘዘ ዋይት ሃውስ ኣረጋጊጹ።
ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሊቪት ብሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ኣድሚራል (ፍራንክ) ብራድሊ ብመሰረት ስልጣኑን ሕግን እዩ ሰሪሑ፡" ኢላ።
ሊቪት፡ ሚኒስተር ምክልኻል ፒት ሄግሰት ነቲ መጥቃዕቲታት ክፍጸም ፍቓድ ከም ዝሃበ ኣረጋጊጻ።
"ኹሉ ሰብ ክቐትል" ግን ትእዛዝ ከም ዘይሃበ ጸብጻብ ዋሽንግተን ፖስት ኣመልኪቱ።
እቲ ካልኣይ መጥቃዕቲ፡ ክልተ ሰባት ካብቲ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ ድሒኖም ኣብታ ትነድድ ዝነበረት መርከብ ተጣቢቖም ድሕሪ ምጽናሕ ከም ዝተፈጸመ ይንገር።
ኣባላት ባይቶ ሪፓብሊካንን ዲሞክራትን ብዛዕባ እቲ ጸብጻብ ስክፍታኦም ብምግላጽ፡ ኮንግረስ ነቲ መጥቃዕቲታት ክግምግሞ ምዃኑ ኣፍሊጦም።
ሊቪት፡ ኣብቲ ብሰኑይ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ጸሓፊ ሄግሰትን ብፕረዚደንት ዝተመዘዙ ናርኮ-ሽበራውያን ጉጅለታት ብመሰረት ሕጊ ኲናት፡ ዒላማ ከም ዝዀኑ ብንጹር ገሊጾም'ዮም" ኢላ።
ካብቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ካብ ሞት ከም ዝደሓኑ ኮነ እቲ ካልኣይ መጥቃዕቲ ንዕኦም ንምቕታል ዝዓለመ ምንባሩ ግን ኣየረጋገጸትን።
ሄግሰት፡ ኣብቲ ብ2 መስከረም ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኹሎም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ሰባት ክቕተሉ መምርሒ ከም ዝሃበ ዝገልጽ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ምስ ወጽአ፡ ብዛዕባ ሕጋውነት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብ ካሪብያን ዝርከባ ጀላቡ ዕጸፋርስ ዝበሃላ ስክፍታታት ፈጢሩ'ዩ።
ሄግሰት ኣብቲ ጸብጻብ ንዝቐረበ ክስታት ብምንጻግ "ዝተፈብረኸ፡ ቍጥዐ ዝፈጥርን ዘሰክፍን፡" ክብል ገሊጽዎ።
ብሰኑይ ኣድሚራል ብራድሊ "ኣመሪካዊ ጅግና'ዩ፡ ሓቀኛ ሞያዊ'ዩ፡ 100 ምኢታዊት ደገፈይ'ውን ኣለዎ፡" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
"ኣብ ጎድኑን ዝወሰዶ ውሳኔታትን ደው ኢለ ኣለኹ፤ ኣብ ተልእኾ 2 መስከረምን ካብኡ ንደሓርን ካልእን" ክብል ሓቢሩ።
ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ካሪብያን ወተሃደራዊ ህላወኣ ብምስፋሕ ኣብ ልዕሊ ብምስግጋር ዕጸፋርስ ዝጥርጠራ ጀላቡ ኣብ ዓለምለኻውያን ማያት ቬነዙወላን ኮሎምብያን ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ኣካይዳ።
እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ትራምፕ ጸረ ዕጸፋርስ ዝብሎ ስርሒት እዩ።
ካብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ በቲ መጥቃዕቲታት ልዕሊ 80 ሰባት ተቐቲሎም።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዋ ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ ዝጸዓና ጀላቡ ብምዕናው ርእሰ ምክልኻል ይገብር ከም ዘሎ ይገልጽ።
እቲ መጥቃዕቲ ምስ ቬነዙወላ ዝነበረ ወጥሪ እውን ብዓቢኡ ኣጋዲዱዎ ኣሎ።
ትራምፕ ብተደጋጋሚ ናብታ ሃገር፡ ኣጋር ሰራዊት ኣመሪካ ንምውፋር ኣብ ግምት ከም ዘእተወ ገሊጹ'ሎ። እዚ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ ምጽራይ ክውስኽ ገይሮም እዮም።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኮሚተ ዕጡቕ ኣገልግሎት ሰኔት፡ ምስቲ መጥቃዕቲታት ዝተኣሳሰር "ሓቅታት ንምውሳን ብርቱዕ ክትትል ከካይድ'ዩ፡" ኢሉ።
ኣቦ መንበር ናይቲ ኮሚቴ ሪፓብሊካን ሰነተር ሮጀር ዊከር ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ኣባላት ባይቶ ነቲ "ሓላፊ ናይቲ ስርሒት ዝነበረ ኣድሚራል" ቃለ መሕትት ክገብሩ መደብ ከም ዘለዎም ገሊጹ።
ወሲኹ ድማ፡ "እቲ ትእዛዛት እንታይ ምዃኑ ንምርኣይ፡ ናይ ድምጽን ቪድዮን ቅዳሓት፡" ይደሊ ምህላው ሓቢሩ።
ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝርከብ ኮሚተ ዕጡቕ ኣገልግሎት፡ "ምሉእ ጸብጻብ ናይቲ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ዘሎ ስርሒት ንምእካብ ክልተኣዊ ስጉምቲ፡" ከም ዝመርሕ'ውን ገሊጹ።
ኣቦ መንበር ናይቲ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም ወተሃደራዊ መኮንናት ኣመሪካ ዝሓቖፈ ሓባራዊ ሓለፍቲ ስታፍ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ምስ ክልቲኡ ኮሚቴታት ዕጡቕ ኣገልግሎት ባይቶን ሰኔትን ተራኺቡ።
እቲ ዘተ ኣብ ዙርያ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ስርሒታትን "ዕላማን ሕጋውነትን ተልእኾታት ዘይሕጋዊ መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምትእጕጓል" ዘማእከለ ከም ዝነበረ እቲ ጉጅለ ገሊጹ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ብዙሓት ክኢላታት፡ እቲ ካልኣይ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ብህይወት ዝተረፉ ዝተባህሉ ሰባት ዝፍጸም እንተዀይኑ፡ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ቅቡል ክኸዉን ከም ዘይኽእል ይገልጹ።
እቶም ዝደሓኑ ንባሕረኛታት፡ ወይ ድማ ነቶም ውግእ ክቕጽሉ ዘይክእሉ ወተሃደራት ዝወሃብ መከላኸሊታት ክግበረሎም ይኽእል እዩ።
ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ካሪብያን ዝገብሮ ስርሒታት ምስቶም ኣሰጋገርቲ ዕጸፋርስ እዮም ዝበሃሉ ዘይኣህጉራዊ ዕጥቃዊ ግጭት ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕጥቃዊ ግጭታት ምውፋር ዝምልከት ሕጋጋት - ከምቲ ኣብ ውዕላት ጀነቫ ዝተቐመጠ - ንውጉኣት ተሳተፍቲ ዒላማ ምግባር ዝኽልክል ኰይኑ፡ እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ክንድኡ ክእሰሩን ናብዮት ክግበረሎምን ኣለዎም ይብል።
ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብብዝሒ ብምጥቃሙ ነቐፌታታት ይለዓል ነይሩ።
እዚ "ደብል ታፕ" - "double tap"- ተባሂሉ ዝፍለጥ ተግባር፡ ሓሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ክሳራ ዘስዕብ እዩ።
ብሰንበት ሃገራዊ ባይቶ ቬነዙወላ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጀላቡ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲታት ኰኒኑ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ብ2 መስከረም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ጽኑዕን ዕሙቕ ዝበለን መርመራ" ከካይድ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
መንግስቲ ቬነዙወላ ኣመሪካ ነቲ መንግስቲ ንምውዳቕ ዝዓለመ ወጥሪ ኣብቲ ዞባ ኣለዓዒላ ኣላ ክብል ከሲሱ።
ዓቃቢ ሕጊ ቬንዙዌላ ታረክ ዊልያም ሳብ ምስ ቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ትራምፕ ዘቕርቦም ዘለው ክስታት፡ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ እታ ሃገር ካብ ዝነበረ "ዓቢ ቅንኢ" ዝምንጩ ምዃኑ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ "እቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ሓምለ ጀሚሩ ዝረኣናዮ መርዛም ሃዋህው ንምጽራይ" ኣብ መንጐ መንግስታት ኣመሪካን ቬነዙወላን ቀጥታዊ ዘተ ክካየድ ጸዊዑ።
ብሰንበት ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ቬነዙወላ ኒኮላስ ማዱሮ ሓጺር ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ከም ዝገበረን ኣብኡ ድማ ካብ ስልጣኑ ክወርድን ምስ ስድርኡ ካብ ቬነዙወላ ክወጽእን ጸቕጢ ከም ዝገበረሉ ኣረጋጊጹ።
ብመሰረት ጸብጻባት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተገብረ ዝርርብ ቴሌፎን፡ ትራምፕ ንማዱሮ ናብ ዝመረጾ ቦታ ክኸይድ ከም ዝኽእል እኳ እንተገለጸ፡ እዚ ብቕልጡፍ ክብገስ እንተተሰማሚዑ ጥራይ ክኸዉን ከም ዘለዎ ተገሊጹ ነይሩ።
ማዱሮ ድሕሪ ምእባዩ ግን፡ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ልዕሊ ቬነዙወላ ዘሎ ክሊ ኣየር "ብምሉኡ ክዕጾ፡" ከም ዘለዎ ጽሒፉ።
ማዱሮ ንላዕለዎት ተሓጋገዝቱ ይቕረታ ክግበረሎም፤ ካብ ስልጣን ምስ ወረደ ድማ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ምቍጽጻር ክቕጽል ክፍቀደሉ ሓቲቱ።
ትራምፕ ንኽልቲኡ ጠለባት ከም ዝነጸጐ ዘ ሚያሚ ፖስትን ሮይተርስን ሓቢሮም፤ ቢቢሲ ነዚ ኣየረጋገጾን።
ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ማዱሮ ንባዕሉ ኣካል ናይቲ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ዝነጥፉ ላዕለዎት ሰበስልጣን ወተሃደራውን ጸጥታውን ቬነዙወላ ዝርከቡዎ "ካርተል ኦፍ ዘ ሳንስ" ዝበሃል "ሽበራዊ" ትካል ምዃኑ ይኸሱ።
ማዱሮ ነቲ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ።