እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ድሮናት ብብዝሒ ይፈርያ ኣለዋ - ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ እዋን ወተሃደራዊ ስርሒታት "ንዕስለ ፀላኢ" ዒላማ ዝገብራ "ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብብዝሒ ይስርሓ፡" ከም ዘለዋ ገሊፁ።
ሓይሊ ኣየር ምክልኻል ሰራዊት እታ ሃገር፡ ምምሕዳር መረብ ደሕንነት ሓበሬታ (ኢንሳ)፡ ከምኡ'ውን ኣገልግሎት ሃገራዊ ደሕንነትን ሓበሬታ (ኒስ)፡ ነተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) የፍርዩ ከም ዘለዉ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣፍሊጡ።
ብሓሙስ 29 ነሓሰ 2017 (ኣቈፃፅራ ግእዝ) ምስ ሰበስልጣን ዘፈር ቍጠባ ብምዃን "ኤሮኣባይ" (AEROABAY) ኣብ ዝበሃል ትካል መፍረዪ ድሮናት ምብፃሕ ኣብ ዘካየደሉ እዩ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ነዚ ተዛሪቡ።
ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መረብ ደሕንነት ሓበሬታ (ኢንሳ) ከም ዝርከብ ዝተገልፀ እዚ ትካል፡ ሰለስተ ዓይነት ድሮናት የፍሪ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ኣቢይ ኣሕመድ፡ እነፍርየን (ድሮናት) ኣብ ድሩት ቦታ ዝተሓፀራ ዘይኰናስ፡ ንንግዳዊ ዕላማ፡ ንፅኑዕ ክትትል፡ ንኦፕረይሽን (ወተሃደራዊ ልኡኽ) ዝውዕላ ኣዝየን ብዙሓት ድሮናት ነፈሪ ኣለና፡" ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ብቐዳምነት ዝገለፆ፡ እቲ ኣብ "ኤሮኣባይ" ዝፈሪ "ኣጥፊኡ ዝጠፍእ" ዝበሎ ዓይነት ድሮን እዩ።
እዘን ዓይነታት ድሮን፡ "ንርእሰን ኣጥፊአን ንዒላማ ዘጥፍኣ" ከም ዝዀና ድማ ኣረዲኡ።
እዘን ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ዝተባህላ ድሮናት ኣብ እዋን ብ "swarm (ብልዑል ቍፅሪ) ኣብ ዝካየድ ውግእ ኣብ ረብሓ ከም ዝውዕላ ድማ ገሊፁ።
"ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝስማዕ" ዝበሎ ልምዲ ብምጥቃስ ከኣ እዘን ድሮናት "ንዕስለ ፀላኢ ዘጥፍኣ" ከም ዝዀና ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ፡ እተን ድሮናት ዝሽከምኦ ተባራዓይ ወይ ተፈንጃሪ ኣፅዋር (payloads) ከም ዘሎ እውን ገሊፁ።
ኣቢይ ዝገለፀን ካልኦት ዓይነት ድሮን ድማ ንፅኑዕ ክትትል ዝውዕላ ግዝፈን "ንእስ ዝበላ" እየን።
እዘን ድሮናት "ኣብ ጁባ፡ ኢድን ቦርሳን ዝተሓዛ" ከም ዝዀናን ዝዕጠቕኦ "ንኣሽቶ ዩኒታት፡ ከባቢአን ንምክትታል" ከም ዝጥቀማሉ ተዛሪቡ።
"ንግዳዊ ዕላማ" ዝውዕላ ድሮናት'ውን ይፈርያ ከም ዘለዋ ዝሓበረ እቲ ቀዳማይ ምኒስትር፡ ቅድሚ ሕዚ ሓደ ግዜ ኣብ ምርኢት ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስን ናይ ኢንሳ ኮንፈረንስን ቀሪበን ከም ዝነበራ ብምግላፅ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ዝተኻየደ ምርኢት ድሮናት ኣዘኻኺሩ።
"ሕዚ'ውን ኣብ ቀረባ እዋን ንዝህልወና መደብ ዓቢ ምርኢት ተዳልየን ኣለዋ። ንንግዳዊ ዕላማ'ዩ፡" ብምባል፡ እዚ ምርኢት ዝቐርበሉ ስርዓት "ብሓደ ግዜ ን3,000 ድሮናት (UAVs) ምዝራብ ዘኽእል" ከም ዝዀነ ድማ ተዛሪቡ።
ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ "ቅድሚ ሒደት ዓመታት" ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ "ናይ ምዕዳግ ብድሆ" ከም ዝነበራ ድማ ጠቒሱ። "ዓዲግና ክንጥቀም ድሕሪ ምኽኣልና (ኢትዮጵያ) ብዝተፈላለየ ብርኪ ክተፍሪ ትኽእል ሃገር ኰይና፡" ብምባል፡ እዘን ዓይነታት ድሮን "ኣብ ብዙሕ ቦታታት ይፈርያ" ከም ዘለዋ ገሊፁ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ "ንህላወ ኢትዮጵያ፡ ንልኡላውነት ኢትዮጵያ ዝፈታተን ሓደጋ ምስ ዝመፅእ፡ ነዚ ቴክኖሎጂ ተጠቒምና ዝጀመርናዮ ብልፅግና ንምውሓስ ኣብ ረብሓ እነውዕሎ መሳርሒ እዩ፡" ብምባል ኣረዲኡ።
ናይ ሓንቲ ሃገር፡ "ጠቕላላ ጕዕዞ ቍጠባ፡ መስመር እናሓዘ ምስ ዝኸይድ፡" ብቐጻሊ ክሕሰበሉ ዝግባእ ጉዳይ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ከም ዝዀነ ገሊፁ።
"ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ኣብ ዕብየት ቍጠባ፡ ወተሃደራዊ ዓቕሚ... ዋላ'ኳ መዓረ እንተ ዘይዀና፡ ብቕደም ሰዓብ ሓቢረን ምዕባይ እንተ ዘይኽኢለን፡ እቲ ቍጠባ ብሰንኪ ምንኣስ ዓቕሚ ክብላዕ (ክጠፍእ) ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ።
ኣብ ዘፈር ቍጠባ ዝተጀመሩ ጕዕዞታት፡ "ብወተሃደራዊ ዓቕሚ ምድጋፍ" ከም ዘድሊ ተዛሪቡ።
ኣቢይ ኣሕመድ፡ "ብሕርሻ ዘምፃእናዮ ውፅኢት፡ ብመዓድን ዘምፃእናዮ ውፅኢት፡ ብኸምዚ ዓይነት ዓቕሚ እንተ ዘይተደጊፉ፡ ብዙሕ ባንዳን ጓናን ኣብ ዘለዎ ከባቢ ዓቕሚ ኣገዳሲ እዩ። ዓቕሚ እንተ ዘይሃልዩ፡ ውሑስ ምግባር (እቶም ውፅኢታት) ከፀግም'ዩ፡" ኢሉ።