ዑደት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ኣመሪካ እንታይ ዝዓለመ'ዩ?

ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተወደበ ጽምብል መበል 49 ዓመት ምስረታ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣመሪካ (ማተሰኣ) ተረኺቡ ምስ ተወለድቲ ተጋሩ ተዘራሪቡ፡፡

ኣቶ ጌታቸው ኣብቲ ብሰንበት ዝተሳለጠ መድረኽ ብዛዕባ ዕማማት ናይቲ ዝመርሖ ዘሎ ጊዝያዊ ምምሕዳርን ወድዓዊ ኩነታት ትግራይን መግለጺ ሂቡ፡፡

እቲ ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ትግራይ ንፈለማ እዋን ናብ ኣመሪካ ዝኸደ ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ‘ስምካ ኣብ ዝርዝር ክልከላ ዝተገበረሎም ስለዘሎ ክትወጽእ ኣይትኽእልን’ ተባሂሉ ደውታ ገጢምዎ ከምዝነበረ ጠቒሱ።

ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየዱ ንጥፈታት ልምዓት ከምኡ እውን ዕብየት ባህልን ቋንቋን ዓብዪ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ዝንገረሉ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣመሪካ፡ ዓመታዊ ፌስቲቫሉ ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ እዩ ከካይድ ቀንዩ፡፡

በቲ ማሕበር ዕድመ ተገይሩሉ ኣብቲ ጽንብል ዝተረኸበ ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ እዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ነጥቢታት ኣልዒሉ፡፡

መሰል ዓርሰ ውሳነ

ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ኣንፈት ቃልሲ ናብ ሰላማዊ መድረኽ ከምዝተለወጠ ዝገለጸ ኣይተ ጌታቸው፡ ኣብ ጉዳይ መሰል ዓርሰ ውሳነ ምድንጋራት ከምዝረኣዩ ብምጥቃስ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይቐርብን ኢሉ፡፡

‘‘ልዕሊ ኩሉ መሰል ዓርሰ ውሳነና ብዝተማለአ መንገዲ ክነረጋግጽ ዘኽእለና ቃልሲ መልክዑ ቀይሩ እንተዘይኮይኑ ደው ዝብለሉ ምኽንያት እውን የለን፡ ደው እውን ስለዘይበለ ኣጠናኺርና ክንቅጽል ዘኽእለና ዕድል ኩልና ክንጥቀም ኢና፡፡’’

‘‘ብብግዚኡ ኣሻሓት እናኸፈልና ብግዚኡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣካሎም እናጎደሉ ዝግበር ምንቅስቓስ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ደው ዝብለሉ ኩነታት እንተሃልዩ ክነናዲ ደሌትናን ባህግናን ብሰላማዊ መገዲ ንምርግጋጽ ዘኽእል ዕድል እንተልዩ ክነናዲ [ኢና]…መሰል ዓርሰ ውሳነ ናብ ዋጋ ዘእቱ ትዕግስቲ ክህሉ ኣይኽእልን።’’

ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ

ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቀዳምነት ካብ ዝህቦም ዕማማት ሓደ ኩነታት ትግራይ ናብ ንቡር ምምላስ ዘኽእል ምንቅስቓስ ምግባር ከምዝኾነ ዝገለጸ ኣይተ ጌታቸው፡ ነዚ ንምፍጻም ግዝኣት ትግራይ ክምለስ ኣለዎ ኢሉ፡፡

‘‘ብዛዕባ ግዝኣት እንትንዛረብ ብዛዕባ መሬት ኣይኮናን እንዛረብ፤ ሕዚ እውን ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኩነታት፡ ብጸላእቲ ምኽንያት ዝበሳበስ ህዝቢ ኣለና፡፡’’

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም፡ ሰራዊት ትግራይ ከበድቲ ኣጽዋራት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘረክቡሉ፡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ወጻእ ዝኾኑ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወጹ ዘገድድ እዩ፡፡

ዋላኳ ሓይልታት ትግራይ ከበድቲ ኣጽዋራት ከምዘረከቡ ዝተገለጸ እንተኾነ፡ ብወገን ትግራይ ክምለስ ትጽቢት ዝግበረሉ ምዕራብ ትግራይን ገለ ክፋል ደቡብ ትግራይን ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ እዩ ዘሎ፡፡

ወተሃደራት ኤርትራ እውን ዛጊድ መሊኦም ካብ ትግራይ ከምዘይወጽኡ፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡

ምምላስ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኣመልኪቱ ‘‘ከምቲ ዝሕሰብ ብቐሊሉ ዝውዳእ ከምዘይኮነ ርእይና ኣለና’’ ዝበለ ኣይተ ጌታቸው ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ስራሕቲ ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጹ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ነቶም ከባቢታት ናይ ምምላስ ሓላፍነት ናይ መንግስቲ ፌደራል ከምዝኾነን ምንቅስቓስ ይገብር ከምዘሎን ተዛሪቡ፡፡

‘‘ናትና ውግእ ክኸውን ኣይኽእልን፤ ብፕሪቶርያ መሰረት መንግስቲ ፌደራል ኩሎም ቦታታት ኣጽርዩ ከረክበና ከምዝግባእ ኢና እንኣምን፡፡ ኣብኡ ተመስሪትና ኢና ናብ ምጒት ኣቲና፡፡ ብመትከል ደረጃ ፌደራል መንግስቲ ሓላፍነቱ ምዃኑ ፈሊጡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ይገብር ኣሎ፡፡ እቲ ተግባራዊ ምንቅስቃስ በቲ ዝድለ ፍጥነት ይኸይድዶ ኣይኸይድን ርግጸኛ ምዃን ኣይከኣልን፡፡

‘‘ኣብ ካልኦት ከባቢታት ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተጣየሹ ናይ ኣምሓራ ምምሕዳራት ክፈርሱ፡ሰራዊት ፌደራል ካብ ፌደራል መንግስቲ ሓላፍነት ተቐቢሉ ኣሎ፡፡ በቲ ዝድለ ፍጥነት ይኸይድዶ ኣሎ ካልእ ጉዳይ እዩ፡፡ ብናትና እምነት ግን ነዚ ካብ ምፍጻም ወጻኢ ካልእ መማረጺ ክህሉ ኣይኽእልን፡፡’’

ምፍልላይ ፓርትን መንግስትን

ኣይተ ጌታቸው፡ ኣብ ትግራይ ዝተረጋገዐን ዲሞክራስያውን ፖለቲካ ክህሉ፡ ምፍልላይ ፓርትን መንግስትን ካልእ እቲ ጊዝያዊ መንግስቲ ዝሓዞ ዕማም ከምዝኾነ ኣብቲ መድረኽ ተዛሪቡ፡፡

ኮይኑ ግና ዛጊድ ዘዐግብ ምንቅስቓስ ከምዘይተገብረን፡ ንሱ እውን ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ናብቲ ምንቅስቓስ ንምሕዋስ ሓላፍነቱ ከምዘይተዋጸአን ገሊጹ፡፡

‘‘ኣብ ዳያስፖራ ይሃሉ፡ ኣብ ዓዲ ውሽጢ ይሃሉ፡ ዝኾነ ይኹን ኣብ ናይ ትግራይ መሰረታዊ ረብሓ ሙሉእ እምነት ዘለዎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ክሓብር ፡ ነጻ ኮይኑ ክንቀሳቐስ፡ ኣብ ቀጻሊ ጊዝያዊ መንግስቲ ስርሑ ወዲኡ መረጻ ኣብ ዝግበረሉ ሰዓት ድማ ነጻን ግልጽን ብዝኾነ መንገዲ ሓሳባቱ ሸይጡ ክምረጽ ክመርጽ ዝኽእለሉ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ቁርጸኛታት ኢና፡፡’’

ጉዳይ ተሓታትነት

ብመሰረት እቲ ንክልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኵናት ደው ንምባል ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ብኩሎም ወገናት ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ብመሰጋገሪ ፍትሒ መዕለቢ ክረኽቡ እዮም፡፡

ብካልእ ወገን ብመንጽር ስፍሓት እቶም ዝቐርቡ ክስታት ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ነቲ ምጽራይ ዘይሻራዊ ዓለም ለኻዊ ኣካል ከካይዶ ከምዝግባእ ብዙሓት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም፡፡

ብፍላይ ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ጉዳይ ፍትሒ ሸለል ክበሃልን ተደፋፊኑ ክትርፍን ይኽእል ዝብል ስግኣታት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ፡፡

ኣቶ ጌታቸው ግና ጉዳይ ተሓታትነት ደው ዝብል ከምዘይኮነ ኣብ መድረኽ ማተሰኣ ኣረጊጹ፡፡

‘‘ናይ ተሓታትነት ጉዳይ ዝኾነ ይኹን ሰብ ተሰማሚዑ ናብ ድሕሪት ክመልሶ ዝኽእል የለን፡፡ ካብ ኢድና ወጺኡ እዩ፡፡ ተሓታትነት ካብ ምርግጋጽ ወጻኢ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ናብ ድሕሪት ዝምለስ ነገር የለን’’ ኢሉ።

ጉዳይ ምቁራጽ ሰብኣዊ ሓገዝ

ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ክበጽሕ ተባሂሉ ዝመጸ ረድኤት ምጥፍፍኡ ስዒቡ፡ ትካል ልምዓት ኣመሪካ ዩኤስኣይዲን ውድብ ምግቢ ዓለምን ሰብኣዊ ሓገዝ ምክፍፋል ደው ከምዘበሉ ዝዝከር እዩ፡፡

ብሰንኪ እዚ ኣብ ትግራይ ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከምዘለዉ ጸብጻባት እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር የመልክቱ፡፡

ኣብ ትግራይ ዘረፋ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተፈጸመ ዝገለጸ ኣይተ ጌታቸው፡ ኣብ ጻንሒቱ ውሳነኦም ክቕይሩ ንምግባር ምስ ሰብመዚ ዩኤስኣይዲ ከምዝዘራረብ ኣፍሊጡ፡፡

‘‘ህዝቢ እናጠመየ ዝሰርቁ ጸላእቲ ነይሮምና፤ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ብዙሕ ጉሒላ እውን ብዝተወሰነ ደረጃ ኣብ ስርቂ ስለዝሳተፈ፡ መርሚርና ኣጻሪና ክቕጻዕ ዝግበኦ ከምንቐጽዕ ስለዘረጋገጽና፤ ድሕሪ ሕዚ ኣብ እኽሊ ምዕዳል ዝኾነ ይኹን ናይ መንግስቲ ሹም ክኣቱ የብሉን ዝብል ቅዋም ስለዝሓዝና ዝሓሸ ርክብ ጀሚርና ኣለና፡፡ ዝተጎድአ ህዝብናን ተፈናቐልትን ኣብ ዝሓጸረ ግዘ ሓገዝ ክረኽቡ ንጽዕር ኣለና፡፡’’

ኣይተ ጌታቸው፡ ስድራ ኣብቲ ኲናት ዝተሰውኡ ተጋደልቲ ንምርዳእ እውን ስራሕቲ ከምዝተወድኡን ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝፍጸምን ኣብቲ መድረኽ ተዛሪቡ፡፡