ሕብረት ኣፍሪቃ፡ እዚ ዘሎ ንኣፍሪቃ ዘንእስ ካርታ በቲ ልክዕ ዓቐኑ ክቕየር ውሳነ ኣሕሊፉ

ምንጪ ስእሊ, map-projections
ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ካብ መበል 16 ክፍለ-ዘመን ኣትሒዙ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዝጸንሐ ንኣፍሪቃ ካብቲ ልክዕ ዓቐና ኣዝዩ ኣንኢሱ ዘርኢ ካርታ ክእረም ክካየድ ንዝጸንሐ ጐስጓስ ዝድግፍ ውሳነ ኣሕሊፉ።
እቲ 'ካርታ መርካተር' ተባሂሉ ዝፍለጥ ከም ሰሜን ኣመሪካን ግሪንላንድን ንዝኣመሰሉ ከባቢታት ብምዕባይ፡ ንኣፍሪቃን ደቡብ-ኣመሪካን ንኣሽቱ ኣምሲሉ ዘርኢ እዩ።
እዚ ግጉይ ካርታ ዛጊት ብዙሓት መንግስታት፡ ኣህጉራውያን ትካላት፡ ኣብያተ ትምህርትን ናይ ቴክኖሎጂ ኩባንያታትን ይጥቀማሉ።
ግጉል ማፕ ኣብ 2018 ካብ ካርታ መርካተር ናብ 3D globe እኳ እንተ ቀየረ፡ ነቲ ናይ መርካተር ግን ጠቕሊሉ ኣይኣለዮን።
ምክትል ኣደ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሰልማ ማሊካ ሃዳዲ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ካርታ ጥራይ ክመስል ይኽእል'ዩ፣ ኣብ ሓዊ ግን ከምኡ ጥራይ ኣይኰነን፡" ኢላ።
ቀጺላ፡ ኣፍሪቃ ብስፍሓታ ካብ ዓለም ካልኣይቲ ኣህጉርን 1.4 ቢልዮን ህዝቢ ዝነብራን ክንሳ፡ ካርታ መርካተር ግን ንኣፍሪቃ "ጽግዕተኛ ወይ ዘይኣገዳሲት ከም ትመስል ገይሩዋ፡" ኢላ። ካብኡ ቀጺሉ፡ እዚ ጸማም ሓደ ደርፉ ዝዓይነቱ ኣመለኻኽታ፡ ንመራኸቢ ብዙሓን፡ ትምህርቲን ፖሊሲስታት ከም ዝጸልዎም ገሊጻ።
'ካርታ መርካተር' ኣብ 1569 ብክኢላ ካርታ ጀራርድስ መርካተር ዝተሳእለ ኰይኑ፡ መላእ ዓለም ንምጓዓዝ ክሕግዝ ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ።
ምቕያር ካርታ ንምንታይ የገድስ?
ነቲ ልሙድ ካርታ ነቐፌታን ቅሬታን ክቐርበሉ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኰነን። ኣብዚ እዋን ግን ብትካላት Africa No Filter ከምኡ'ውን Speak Up Africa '#እቲ ካርታ ይተኣረም' ብዝብል ብዘለዓዓሉዎ ጐስጓስ ዳግማይ ክበራበር ደሪኹ ኣሎ።
እዚ ጐስጓስ'ዚ፡ ከም ባንክ ዓለምን ሕቡራት ሃገራትን ዝኣመሰሉ ትካላት፡ ነቲ ሓቐኛ ስፍሓት ሃገራት ዘርኢ 'Equal Earth projection' ዝበሃል ካርታ ክጥቀሙ ይጠልብ።
እዚ ኣብ 2008 ዝተነድፈ ካርታ'ዚ፡ ነቲ 30.37 ሚልዮን ትርብዒት ኪሎሜትር ስፍሓት ኣፍሪቃ ብልክዕ ዘርኢ ምዃኑ ሕብረት ኣፍሪቃ ይገልጽ።
ቀጺሉ፡ እዚ ካርታ "ንስፍሓት፡ ሓይልን ማእከልነትን" ኣፍሪቃ ዘመልክት ምዃኑ ይውስኽ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ክካየድ ዝጸንሐ ጐስጓስ ክድግፎ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ። እቲ ሕብረት፡ ንፖለቲካውን ቍጠባውን ምዕባለ ኣፍሪቃ ዓቢይ ሓይሊ ከም ምዃኑ መጠን ድማ ጽልዋኡ ውጽኢታዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።
ሰልማ ሃዳዲ፡ ሰባት በቲ ነታ ኣህጉር ዝወረዳ መግዛእትን ባርነትን ዝያዳ ካሕሳ ክወሃቦም ኣብ ዝጽውዑሉ ዘለዉ እዋን፡ እቲ ጐስጓስ ምስቲ ሕብረት ኣፍሪቃ "ኣፍሪቃ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ናብ ግቡእ ቦታኣ ምምላስ፡" ዝብል ዝተቐመጠ ዕላማ ዝሰማማዕ ምዃኑ ትሕብር።
ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ካርታ ብሰፊሕ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ክሰርሕን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ብዛዕባ ዝወስድኦ ሓባራዊ ስጕምትታት ክዘራረብን ምዃኑ'ውን ገሊጹ።
"ኣብ ዓለም ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ግጉይ ሓበሬታ"
'ኣፍሪቃ ኖ ፊልተር' ንዝብል ትካል እትመርሕ ደራሲት ሞኪ፡ ካርታ መርካተር "ዓቢይ ጌጋ እዩ" ትብል'ሞ፡ "ኣብ ዓለም ንዝነውሐ ግዜ ዝጸንሐ ግጉይ ሓበሬታን ናይ ምግጋይ ወፍርን ስለ ዝዀነ፡ ደው ክብል ኣለዎ፡" ትብል።
ምስ ካልኣይታ ኰይና ንትካል 'ስፒክ ኣፕ ኣፍሪቃ' ዝመስረተት ፋራ ንድያየ ድማ ካርታ መርካተር፡ ኣፍሪቃውያን ንገዛእ-ርእሶምን ሓበኖምን ብኸመይ ከም ዝርእዩዎ፡ ብፍላይ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ንዝመሃሩዎ ቈልዑ ይጸልዎም እዩ ትብል።
"እቲ Equal Earth projection ዝበሃል ካርታ ኣብ ኵለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ስርዓተ-ትምህርተን ክተኣታቶ ንሰርሕ ኣለና፡" ኢላ። ዓለማውያን ትካላት'ውን ክጥቀማሉ ዘለዋ ተስፋ ትገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







