ቻይና፡ ንፍርያት ኣፍሪቃ ካብ ቀረጽ ናጻ ክትገብር ምውሳና ንንግዳዊ ሽርክናኣ ዘዕቢ ድዩ?

ፕረዚደንት ቻይና ሺ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ቻይና ምስኣ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ካብ ዘለወን 53 ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ሃገራ ንዝኣቱ ንብረት ክተከፍሎ ዝጸንሐት ቀረጽ ምሉእ ብምሉእ ከተቋርጾ ድልውቲ ምዃና ገሊጻ።

እዚ ኣብ ኣኼባ ምትሕብባር ቻይናን ኣፍሪቃን ዝተገልጸ ስጕምቲ'ዚ፡ እታ ኣህጉር ኣብ ልዕሊ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ፍርያታ ወሰኽ ቀረጽ ተሰሊዑሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ።

ቻይና ዝዓበየት ንግዳዊ መሻርኽቲ ኣፍሪቃ እያ። ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ድማ መሪሕ ኰይና ክትቅጽል ተራእያ።

ኣፍሪቃ፡ ኣብ 2023 ኣስታት 170 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣቝሑት ናብታ እስያዊት ሃገር ሰዲዳ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽቡ ምኒስተራት ኣብ ዘውጽኡዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ገለ ሃገራት በይናዊ ስጕምቲ ብምውሳድ፡ "ነቲ ዝጸንሐ ቍጠባውን ንግዳውን ኣህጉራዊ ስርዓት ንምዝራግ ንዝግብርኦ [ጻዕርታት]፡" ወቒሶም።

ኣመሪካ ንንግዳዊ ዘይምርድዳእ ኣብ "ማዕርነት፡ ምክብባርን ሓባራዊ ረብሓን" ተመርኲሳ ክትፈትሖ ጸዊዖም።

እዚ ስጕምቲ'ዚ ተግባራዊ እንተዀይኑ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት "ትሑት ምዕባለ ንዘለወን" 33 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተገብረ ምእላይ ቀረጽ ክኸውን እዩ።

እቲ ሓድሽ ዝርዝር ነተን ምስ ቻይና ልዑል ንግዳዊ ርክብ ዝጸንሐን ከም ደቡብ ኣፍሪቃን ናይጀርያን ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ቻይና እዚ ውሳነ'ዚ መኣስ ግብራዊ ከም ዝኸውን ኣይገለጸትን።

እዛ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃን ሞዛምቢክን እትዳወብ ባሕሪ ኣልቦ ኤስዋቲኒ ግን ንታይዋን ከም ሃገር ኣፍልጦ ስለ ዝሃበታ፡ ኣብ ዝርዝር ናጻ ቀረጽ ኣይኣተወትን።

ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ቻይና ካብ ኣፍሪቃ ሓያሎ ንጥረ-ነገራት እያ እተእቱ - ብፍላይ ካብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ጊኒን።

ኣብ ሚያዝያ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ዝኣቱ ንብረት ልዑል ቀረጽ ከም ዝገብር ብምእዋጅ፡ ኣብ መንጐ መሻርኽቲ ንግዲ ኣመሪካ ስንባደ ፈጢሩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ንሌሶቶ 50 ሚእታዊት፡ ንደቡብ ኣፍሪቃ 30 ሚእታዊት፡ ንናይጀርያ 14 ሚእታዊት ሰሊዑለን እዩ።

እቲ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጕምቲ፡ ክሳዕ ዝመጽእ ወርሒ ንግዜኡ ደው ኢሉ ከም ዘሎ ጸሓፊ ግምጃ ኣመሪካ ስኮት ቤሰንት ዝገለጸ ኰይኑ፡ እተን "ብጽቡቕ መንፈስ" ይዛተያ ከም ዘለዋ ዝገለጹወን ሃገራት ግን ክናውሓለን ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ኣብ 2024 ኣመሪካ 39.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣቑሑት ካብ ኣፍሪቃ ኣእትያ። ገለ ካብኡ፡ ብመሰረት እቲ ብሕጊ ዕብየትን ዕድላትን ኣፍሪቃ (ኣጎዋ) ዝፍለጥ ስምምዕ ባዶ ቀረጽ ዝኣተወ ኰይኑ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ሓድሽ ቀረጽ ምንባር እንተ ቀጺሉ ግን ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ ይመስል።