ጨንፈር ኣልቓዒዳ ኣፍሪቃ ብኸመይን ስለምንታይን'ዩ እናሓየለ ዝመጽእ ዘሎ?

ወተሃደር ካብ ሰራዊት ማሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መላእ ቡርኪናፋሶ፡ ማሊን ኒጀርን ዝሰፍሐ ዘሎ ጅሃዳዊ ዓመጽ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ዞባ ሳሕል ምርግጋእ ከይስእን ኣመና ኣሰካፊ እናገበሮ ይመጽእ ኣሎ።

ምስ ኣልቓዒዳ ዝተኣሳሰር ሓደ ጕጅለ ንመብዛሕትኡ ናይዚ መጥቃዕቲታት ሓላፍነት ይወስድ ኣሎ፣ እዚ ጃንዳ ግን መን እዩ? እንታይከ ይደሊ?

ጀኒም መን እዩ?

ጀማዓት ኑስራት ኣል-ኢስላም ዋል-ሙስሊሚን (JNIM) ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ጥራይ ሓደ ካብቶም ቀተልቲ ጅሃዳውያን ጕጅለታት ኣፍሪቃ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ማሊ ዝተመስረተ ጀኒም፡ ሕጂ ኣብ መላእ ሳሕል - ካብ ምዕራባዊ ገማግም ኣፍሪቃ ናብ ምብራቕ - ኣብ መላእ ኣህጉር ኣብ 10 ሃገራት ዘጠቓለለ ሰፊሕ ዞባ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

እዚ ጕጅለ'ዚ፡ ኣብ መንጎ መጋቢት 2017ን መስከረም 2023ን ኣብ መላእ ማእከላይ ሳሕል ዝተፈጸመ ዓመጽ፡ ልዕሊ ፍርቂ ባዕሉ ተሓታቲ ምዃኑ ይግመት።

ኢንስቲትዩት ስነቝጠባ ኣብ ዘሕተሞ ናይ 2025 ዓለምለኻዊ መዐቀኒ ግብረሽበራ፡ ኣብ 2024 ኣብ ዓለም ካብ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲታት፡ እቲ 19 ሚእታዊት ኣብ ዞባ ሳሕል ከም ዘጋጠመ ገሊጹ።

ክንደይ ዕጡቓት ኣካል ጀኒም ምዃኖም ብልክዕ ምፍላጥ ኣጸጋሚ እኳ እንተዀነ፡ ኣሽሓት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ግን ክኢላታት ይሕብሩ። መብዛሕትኦም ከኣ መንእሰያትን ደቂ-ተባዕትዮን እዮም።

ዕጡቓት ኣብ ከተማ ጁቦ - ቡርኪናፋሶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዕጡቓት ኣብ ከተማ ጁቦ - ቡርኪናፋሶ

ጀኒም ብኸመይ ተመስሪቱ ድላዩኸ እንታይ እዩ?

ጀኒም ከም ውህደት ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ሳሕልን ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ እስላማውያን ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብ 2017 እዩ ተመስሪቱ። እቶም ጕጅለታት ድማ ኣንሳር ዳይን፡ ካቲባት ማቺና፡ ኣል-ሙራቢቱንን ጨንፈር ሰሃራ ኣልቓዒዳ ኣብ እስላማዊ መግረብን ይበሃሉ።

እቲ ጕጅለ ብኢያድ ኣግ ጋሊ ዝተባህለ ናይ ማሊ ዲፕሎማት ነበር እዩ ዝምራሕ። ዓሌቱ ካብቶም ዝበዝሑ ኣስላም ምዃኖም ዝንገረሎም ብሄረ ቱዋረግ እዩ።

ኣብ 2012፡ ኣብ ሰሜን ማሊ ናጻ ሃገር ንምምስራት ኣንጻር መንግስቲ ማሊ ናዕቢ ተወለድቲ ትዋርግ መሪሑ ነይሩ። ምክትሉ ድማ ኣማዱ ኩፋ ዝበሃል ኰይኑ፡ ካብ ማሕበረሰብ ፉላኒ ይውለድ።

እዚ ምእኩል መሪሕነት'ዚ፡ ነቲ 'ካቲባት' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ መላእ ሳሕል ዝዝርጋሕ ውሽጣዊ ጨናፍር ጀኒም ንምምራሕ ከም ዝሕግዝ ተንተንቲ ይገልጹ።

ጀኒም ብመንገዲ እቲ ኣ'ዛላቓ ዝተባህለ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጕጅለኡ ኣቢሉ ኣብ ቺርፕዋየርን ተሌግራምን ጽሑፋትን ቪድዮታትን ይዝርግሕ።

እቲ ጕጅለ ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ መንግስታት ዓልዩ ብዓቓባዊ እስላማዊ ምሕደራ ክቕይሮም ከም ዝደሊ ይዛረብ። ቅድሚ ሕጂ'ውን ወተሃደራት ወጻኢ ካብ ማሊ ክወጽኡ ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ።

ዝንቀሳቐስሉ ቦታታት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጀኒም ኣብ ማእከላይ ማሊ ክንቀሳቐስ ዝጀመሩ ኰይኑ፡ ዝርግሐኡ ብቕልጡፍ ብምስፋሕ፡ ኣብ ሃገራት ቡርኪናፋሶ፡ ቶጎ፡ ቤኒን፡ ኒጀርን ኣይቮሪኮስትን ንዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ሓላፍነት ወሲድሎም። ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ኣብ መላእ ማሊ፡ ኣብ 11 ካብ 13 ዞባታት ቡርኪናፋሶ ዕማማቱ ይፍጽም ከም ዘሎ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኣንጻር ስግረ-ሃገራዊ ዝተወደበ ገበን (GI-TOC) ሓቢሩ።

ቡርኪናፋሶ ማእከል ንጥፈታት ናይቲ ጕጅለ ኰይና ትርከብ። ብኣብዝሓ ድማ ኣብ ሰሜናውን ምብራቓውን ዶባት ይንቀሳቐስ።

ካብ ጥሪ ክሳዕ ግንቦት ናይ ዓመተ 2025፡ ጀኒም ንልዕሊ 240 ብውልቂ ዝተኻየዱ መጥቃዕትታት ሓላፍነት ወሲዱ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2024 ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝነበረ ቍጽሪ፡ ዕጽፊ ምዃኑ ቢቢሲ ዘረጋገጾ መረዳእታ ይሕብር።

ጀኒም ንሰፊሕ ከባቢታት ማሊን ቡርኪናፋሶን ህላወኡ ከም ዝፍለጠን ገይሩ ኣሎ። ኣባላት እቲ ጕጅለ ካብ ዓድታት - ብዘካት ዝፍለጥ ኣገባብ - 'ግብሪ' ይእክቡ፣ ጽኑዕ ሕጊ ኣከዳድና የተግብሩን እገዳ የንብሩን።

ላዕለወይቲ ተንታኒት ዓለማዊ ትካል ምኽሪ ምክልኻል ስግኣት ቤቨርሊ ኦቺንግ፡ ሰባት ካብቲ ከባቢ ክወጽኡን ክኣትዉን ከለዉ፡ ክኸፍሉ ይግደዱ ከም ዘለዉ ትገልጽ።

እዚ ዓይነት ትእዛዝ'ዚ፡ ምስ ልምዲ እስልምና ናይቲ ከባቢ ክጋጮ ከም ዝኽእል ኣብ ማእከል መጽናዕቲ ግጭት ላዕለዋይ ተመራማሪ ይቫን ጉይቻውዋ ይሕብር።

"እዞም ኣገባባት'ዚኦም ካብቶም ልምዳውያን ዝተፈልዩ ምዃኖም ንጹር እዩ፣ ብርግጽ ድማ ዝፍተዉ ኣይኰኑ፡" ይብል። "እንተዀነ፡ ክቕበሉዎ ድዮም ክነጽጉዎ ኣብቲ መንግስቲ ከቕርቦ ዝኽእል ኣማራጺ እዩ ዝምርኰስ። በቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መንግስቲ ክገብሮ ዝጸንሐ ሓያሎ ተስፋ ምቝራጽ ተራእዩ እዩ፡" ይውስኽ።

ጀኒም ዝንቀሳቐሰሉ ቦታታት

መጥቃዕቲታት ጀኒም ይውስኽ ኣሎ ድዩ?

እቲ ጕጅለ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ማሊን ኒጀርን ልዕሊ 3000 መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ኦቺየንግ እቶም ጕጅለታት ዝለዓለ ህውከት ንምፍጣር ዝተፈላለየ ሜላታት ከም ዝጥቀሙ ትገልጽ። "ኣብ ቀንዲ ጽርግያታት ነታጒ ይተኽሉ፣ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ዓቕሚ ተዅሲ ድማ ኣለዎም።"

"ብተወሳኺ፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ንዝርከቡ ሓይልታት ጸጥታ ዒላማ ብምግባር፡ ብዙሕ ኣጽዋር ካብኡ ይምንዝዑ። እቲ ሕብረተሰብ ምስ መንግስቲ ተሓባቢሩ ኢሎም ኣብ ዝገመትሉ ኣጋጣሚታት'ውን ንሰላማውያን ሰባት ኣጥቂዖም እዮም፡" ትውስኽ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ መጥቃዕትታት ዛይዱን ጭካነ ዝተመልኦን ኰይኑ ኣሎ። እቲ ጕጅለ፡ ኣብ ከተማ ቡሌሲ - ማሊ ኣብ ሰነ ናይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ። ኣብቲ ኣጋጣሚ 30 ወተሃደራት ከም ዝተቐትሉ ምንጭታት ሮይተርስ ሓቢሮም።

ሮይተርስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ካብ መጀመርታ ግንቦት ጀሚሩ ኣብ መላእ ማሊ፡ ኒጀርን ቡርኪናፋሶን ፋሕ ኢለን ኣብ ዝርከባ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ከተማታትን፡ ልዕሊ 400 ወተሃደራት በዚ ጕጅለ'ዚ ከም ዝተቐትሉ ይግመት። እዚ ድማ ነቲ ዛጊት ብተኸታታሊ ዕልዋታት ምርግጋእ ስኢኑ ዘሎ ዞባ ተወሳኺ ስንባደ ዝፈጥር እዩ።

"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ገና ክሳዕ ሕጂ ኣይተሰምዐን፡" ይብል ጓይቻውዋ። "ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ንጥፈታቶም ኣዝዮም ኣሐይሎም እዮም።"

ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ኒጀርን ማሊን ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ፡ ውሑዳት ጋዜጣታትን ፈነወታትን ከምኡ'ውን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓን ዝያዳ ቍጽጽር ከም ዝህሉዎ ገይሩ'ዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ እቲ ብዕጡቓት ጕጅለታት ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ሰፊሕ ሸፈነ ከይረክብ ገይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ 2023 ኣብ ኒጀር፡ ኣብ 2022 ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ኣብ 2020 ድማ ኣብ ማሊ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ።

ኣብ ቡርኪናፋሶ ከተማ ጅቦ፡ ዕጡቓት ንወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ዘቃጸልሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቡርኪናፋሶ ከተማ ጅቦ፡ ዕጡቓት ንወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ዘቃጸልሉ

ጀኒም ምወላ ካበይ ይረክብ?

ጀኒም ብዝተፈላለዩ ብዙሕ መንገድታት ገንዘብ ይረክብ። ቅድሚ ሕጂ፡ ገንዘብ ንምርካብ ወጻእተኛታት ብምጭዋይ ጅሆ ይሕዝ፣ ብገለ መስመራት ንዝሓልፍ ማዕድናትን ጥሪትን ከኣ ገንዘብ የኽፍል ነይሩ።

ሓደ ተንታኒ ካብ ጂኣይ-ቶክ (GI-TOC) ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣሓ ምዝማት ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ጀኒም እዩ፡" ይብል። እቲ ክኢላ ንድሕነቶም ኣብ ሓደጋ ንዘይምእታው ስሙ ክግለጽ ኣይደለየን። "ማሊ ብዙሓት ከብቲ ናብ ወጻኢ ትሰድድ ስለ ዝዀነት፡ እቲ ጕጅለ ኣሓ ሰሪቑ ክሸይጥ ቀሊል እዩ።"

ብጂኣይ-ቶክ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ኣብ ሓደ ኣውራጃ ጥራሕ፡ ጀኒም ኣስታት 768,000 ዶላር ኣታዊ ረኺቡ። ካብዚ ኣሃዝ ብምብጋስ ጀኒም ካብ ስርቂ ከብቲ ሚልዮናት ይረክብ ክኸውን ይኽእል እዩ።

"ዕደና ወርቂ ካልእ ዓቢይ ምንጪ ኣታዊኡ እዩ። ካብ-ናብ ግዝኣቶም ንዝኣትዉን ዝወጽኡን ሰባት'ውን ግብሪ የኽፍል።"

ኣዛዚ ኣመሪካ-ኣፍሪቃ ጀነራል ማይክል ላንግሊ ዝሓለፈ ሰሙን ንጋዜጠኛታት ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ዕላማታት ጀኒም ንገማግም ባሕሪ ምቍጽጻር ምዃኑ ከም ዝኣምን፣ ንስርሒታቶም ድማ ካብ ኮንትራባንድ፡ ዘይሕጋዊ ምስግባር ደቂሰብን ንግዲ ኣጽዋርን ብዝረኽቡዎ ኣታዊታት ከም ዝፍጽምዎ ገሊጹ።