ስለምንታይ ማሊ ዓቃብ ሰላም ክወጹላ ሓቲታ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማሊ፡ ነቶም ን እሳላማዊ ምንስቓስ ንምቅላስ ብዝብል ኣብታ ሃገር ን10 ዓመት ዝጸንሑ ልዕሊ 12 ሽሕ ወተሃደራት ዓቃብ ሰላም፡ ካብ ሃገራ ክወጽኡ፡ ብዓርቢ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘፍለጠት ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ማሊ ስልጣን ድሕሪ ምቍጽጻሮምን ካብ ወተሃደራዊ ጉጅለ ቫግነር ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዎም፡ ፈረንሳ ሓይልታታ ስሒባ እያ።
ስለምንታይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓቃቢ ሰላም ናብ ማሊ ልኢኹ?
ኣብ 2013፡ ተገንጸልቲ እስላማውያን ዕጡቓትን ተጠርኒፎም ንሰሜናዊ ማሊ ክፋል ዝተፈለየት ሃገር ክፈጥሩ ኣብ ዝተንቀሳቐሱሉ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተልእኾኡ ጀሚሩ።
ነቲ ምልዕዓል ንምቁራጽ፡ 5000 ሰራዊት ፈረንሳ ድሕሪ ምእታዎም እዩ ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ተላኢኹ።
እቶም፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ከም ዝቐተሉን ካብ ቤቶም ከም ዘፈናቐሉን ዝንገረሎም ዕጡቓት ዝፈጠርዎ ስግኣት ግን ንዓመታት ቀጺሉ እዩ።
እቲ ኣብ ማሊ ዝኣተወ ሓይሊ ሕቡራት ሃገራት ንሲቪላት ንምክልኻልን ስግኣት ጅሃዳውያን ንምግታእን ዝብል ዕላማ’ኳ እንተሓዘ፡ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ንምክያድ ዝዓለመ ግን ኣይኮነን።
ኣብ ማሊን ይዅን ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት እቲ ዞባን ብሓይልታት ዳዕሽ፡ ከምኡ’ውን ጀማዓቲ ኑስራት ኣል-ኢስላም ዋል-ሙስሊሚን ዝተባህለ ምስ ኣልቓዒዳ ዝምድና ዘለዎ ሓይሊ መጥቃዕቲታት ክፍጸም ጸኒሑ እዩ።
ካልእ ጅሃዳዊ ጕጅለ ኣንሳሩል እስላም ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝንቀሳቐስ ኰይኑ፡ ቦኮ ሓራም ድማ ኣብ ከባቢ ቀላይ ቻድ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ብንጥፈት ይንቀሳቐስ።
ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ዕዉት ዶ ነይሩ?
ስርሒታት ጸረ-ሽበራ ዝመርሑ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራትን ወተሃደራት ፈረንሳን እኳ እንተነበሩ፡ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ማሊ ብቐጻሊ እናወሰኸን፡ ቁጽሪ ናይቶም ናብ ዕጡቓት ጕጅለታት ዝጽንበሩ ማሊያውያን’ውን እናወሰኸ መጺኡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ልዕሊ 300 ኣባላት ዓቃብ ሰላም ኣብ ማሊ ክቕተሉ እንከለዉ፣ ኣብ ዓለም ቀታሊ ዝዀነ ተልእኾ ተባሂሉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ሩስያን ቻይናን ነቲ ተልእኾ ክንቕፋ እንከለዋ፡ ከም በዓል ብሪጣንያን ሽወደንን ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ሰራዊት ምልኣኽ ኣብየን።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓይልታት ፈረንሳ ከምዘውጽእ ገሊጹ ነይሩ።
ንሱ፡ እቶም ኣብ 2021 ስልጣን ዝሓዙ ወተሃደራዊ መራሕቲ፡ ዲሞክራስያዊ መረጻ ንምክያድ ዝነበሮም መደባት ብምድንጓዮም፤ ብተወሳኺ ንጕጅለ ሩስያዊ ሓይሊ ቫግነር፡ ጸጥታ ንምርግጋጽ ብዝብል 1000 ዝግመቱ ተዋጋእቲ ከቕርብ ምዕዳሞም ኣቘጢዕዎ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብሓይልታት ቫግነር ኣብ ሩስያ ዝተፈጸመ ናዕቢ፡ ነቲ ኣብ ማሊ ዝገብሮ ስርሒታት ብኸመይ ክጸልዎ እዩ ብሕጂ ዝርአ እዩ።
ስለምንታይ ማሊ ዓቃብ ክወጹ ትደሊ?
ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማሊ 30 ሰነ ዘብቅዕ ምዃኑ ይፍለጥ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ማሊ ዘለዎም ጻንሒት ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።
እንተዀነ፡ "ሓይሊ ሕቡራት ሃገራት ንጸጥታዊ ብድሆታት ኣድማዒ ግብረመልሲ ክህብ ኣይከኣለን፡ ፍሹል እዩ፡" ብምባል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማሊ ዓብዱላየ ዲዮፕ ነጺግዎ ።
ኣዘዝቲ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም፡ ሰበስልጣን ማሊ ኣብ ስርሒታቶም ብዙሕ ግዜ ኢዶም ብምእታው ከስርሕዎም ከምዘይለኣሉ ኣማርሮም።
ሚኒስተር ዲዮፕ ብተወሳኺ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት "ንሰላም፡ ዕርቅን ባህሪያዊ ምትእስሳርን ማሊ ዘዳኽም ከቢድ ክስታት ኣቕሪቡ" ክብል ከሲሱ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መጋቢት 2022 ኣብ ማእከላይ ማሊ ኣብ ዝተኻየደ ጸረ ጅሃዳዊ ስርሒት፡ ሰራዊት ማሊን ናይ ወጻኢ ዕሱባት ሓይሊታትን [ቫግነር] 500 ሲቪላት ከምዝቐተሉ ዝገልጽ ጸብጻብ፡ ኣብ ግንቦት ዘርጊሑ ምንባሩ ይዝከር።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ኣብ ዝቕጽል ሽዱሽተ ወርሒ ካብታ ሃገር ጠቒሎም ክወጽኡ ብዓርቢ ውሳነ ኣሕሊፉ።
ባይቶ ጸጥታ ነዚ ውሳነ ዘሕለፈ፡ እቲ ብዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዝርከብ ወተሃደራዊ ጁንታ፡ “ልኡኽ ዓቃብ ሰላም፡ ካብታ ሃገር ብዘይ ወዓል-ሕደር ክወጽእ፡” ድሕሪ ዘቕረቦ ጻውዒት ምዃኑ’ውን ጠቒሱ እዩ።
እቲ 15 ኣባላት ዝሓቘፈ ቤት-ምኽሪ፡ ብፈረንሳ ንዝተነድፈ ውዕል ብምርዓም እዩ፡ ብዓርቢ ውሳነኡ ዘጽደቐ። ብመሰረት’ቲ ውሳነ፡ እቲ ተልእኾ ዓቃብ-ሰላም፡ ካብ ቀዳም ኣትሒዙ፡ ስርሑ ኣቋሪጹ፡ ዕማማቱ ኣሰጋጊሩ፡ ብስርዓትን ውሑስን መገዲ ሰራሕተኛታቱ ብምግዕዓዝ፡ ነዚ መስርሕ፡ ኣብ 31 ታሕሳስ 2023 ክዛዝሞ ምዃኑ ይገልጽ።
ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማሊ፡ ኣብ ግጭት ኣንጻር ጅሃዳውያን በይኑ ተዋሳኣይ’ኳ እንተዘይነበረ፡ ብምውጽኡ ግን፡ ኣብታ ሃገርን መላእ ዞባ ሳሕልን ጸጥታዊ ሓጓፍ ክፈጥር ከም ዝኽእል ብዙሓት ስግኣቶም ይገልጹ።
እቶም ኣብ መጥቃዕቲ ዘይሳተፉ 13 ሽሕ ዝበጽሑ ወተሃደራት ዓቃብ ሰላም፡ ጸጥታ ናይተን ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ናይታ ሃገር ዝርከባ ከተማታት ኣብ ምሕላው ዓቢ ግደ ከም ዝነበሮም ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







