መንግስትን ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ንሳልሳይ ግዜ ክዛተዩ ይኽእሉ’ዮም - ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ምንጪ ስእሊ, FANA TV

መግለጺ ስእሊ, ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞን ዝተኻየደ ካልኣይ ዙር ስለምንታይ ከምዝፈሸለን ሳልሳይ ዙር ዘተ ክህሉ ከም ዝኽእልን ኣብሪሁ።

ብፍላይ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘተ ዝተዳለወ "ናይ መወዳእታ ሰነድ" እንተድኣ ተቐቢሉ፡ ሳልሳይ ዙር ዘተ ክካየድ ተኽእሎ ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ።

ወሲኹ፡ ምስቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝንቀሳቐስን መንግስቲ "ሸኔ" ኢሉ ዝጽውዖን ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ዝግበር ሳልሳይ ዘተ፡ "ናብ ሰላም ንምምጻእ ወይ ንሓዋሩ ንዘይምዝታይ" ውሳነ ዝወሃበሉ ክኸውን ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ እዚ ዝገለጸ፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞን ዝተኻየደ ካልኣይ ዙር ዘተ ብዘይ ስምምዕ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ንመጀመርታ ግዘ ሰኑይ 1 ታሕሳስ 2016 ኣብ ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎ ፋና ቴሌቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ናይዚ ዓመት ኣብ ታንዛንያ ከተማ ዳሬሰላም ዘካየድዎ ክልተ ዙር ዘተ ብዘይ ውጽኢት ከምዝተዛዘመ ይዝከር።

እቲ ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ 11 ሕዳር ኣብ ታንዛንያ ዳሬሰላም ዝተኻየደ ካልኣይ ዙር ዘተ ዕዉት ክኸውን ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።

እቲ ዘተ ኣዛዚ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ኩምሳ ድሪባ-ጃልመሮን ካልኦት ኣዘዝትን ንፈለማ እዋን ምስ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ፌደራል ፊት ንፊት ዘራኸበ ኰይኑ፡ ብዙሓት "ብስምምዕ ክዛዘም" ተተስፍዮም ምንባሮም ይዝከር።

ድሕሪ ሒደት መዓልታት ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒስተር ፍትሒ ዶክተር ጊዴዎን ጢሞቴዎስን ኣብቲ ዘተ ምጽንባሮም ድማ፡ ከም ጽቡቕ ምልክት’ዩ ተወሲዱ ነይሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ’ውን እቲ ዘተ "ብጽቡቕ" ይካየድ ከምዘሎ ምግላጹ ይዝከር።

ይኹን’ምበር ኣብቲ ትማሊ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ ንክልቲኦም ወገናት ዘየረዳድኡ ጉዳያት ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ዘተ ከም ዝተለዓሉ’ዩ ጠቒሱ።

እቲ ካልኣይ ዙር ዘተ ስለምንታይ ፈሺሉ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፡ እቲ ድርድር "ጽቡቕ" ይኸይድ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘይምርድዳእ ዝፈጠሩ ጉዳያት ኣብ መወዳእታ ከምዘጋጠሙ ገሊጹ።

"ልኡላውነትን ሓድነትን ኢትዮጵያ ኣብ ምቅባል ከምኡ’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመረጻ ዝመጸ ቅቡል መንግስቲ'ዩ ኣብ ዝብል ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ። ብድሕሪ [ግን] ኣብቲ ዝርዝር እዩ ነቲ ምርድዳእ ዝሽርሽር ነገር ዝመጸ" ብምባል፡ እቲ ካልኣይ ዙርያ ዘተ ዝፈሸለሉ ምኽንያት ገሊጹ።

ኣብቲ ዘተ "እቶም ኣሸማገልቲ ከይተረፉ ዝኣመኑሉ ናይ መወዳእታ ሰነድ" ተዳልዩ ከምዝነበረ’ውን ጠቒሱ።

ከምቲ ንሱ ዝብሎ ቀንዲ ካብቶም ዘይተረዳድእሎም ጉዳያት፡ "ስልጣን ኣካፉሉኒ" ዝብል ሕቶ ተላዒሉ ነይሩ። ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ነዚ ሕቶ ዘቕረበ ናይ ባዕሉ "እማመ" ኣዳልዩ ከም ዝዀነን መንግስቲ ግና ስለዘይተቐበሎ "መሰረታዊ ፍልልይ” ከምዝፈጠረን ሓቢሩ።

"መንግስቲ ስልጣን ከካፍል እንተበለ'ውን ስልጣን ምክፋል ኣይክእልን'ዩ። ስልጣን ናይ ምክፋል መሰል የብሉን። ክገብሮ ዝኽእል ክሳተፍ ምግባር ጥራይ እዩ።”

ምፍታሕ ኣጽዋር እውን ሓደ ካብቶም ዘይተሰማምዕሎም ጉዳያት እዩ።

ምስ መንግስቲ ክዛተ ኮፍ ዝብል ኣካል ሕቶ ከልዕል ዘለዎ፡ "ናብ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ክምለስ፣ ብሰላማዊ መንገዲ ክቃለስ፣ ውድብ መስሪቱ ክቃለስ፣ ናብ ህዝባዊ መረጻ ክቐርብ፣ ዕጥቃዊ ቃልሲ ገዲፉ ብሰላማዊ መንገዲ ናብ ህዝቢ ክምለስ" ተሰማሚዑ ክኸውን ኣለዎ።

እንተዀነ ግና መራሕቲ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ዕጥቂ ምፍታሕ ዝብል ንምቕባል ከምዝተጸገሙ እቲ ሓላፊ ኣመልኪቱ።

“ስለዚ [እቲ ዘተ] ጽቡቕ ክኸይድ ጸኒሑ ብዞም ክልተ ምኽንያታት ደው ኢሉ።”

መራሕቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣብዞም ክልተ ጉዳያት “ጌጋ መንገዲ” ክሕዝ ኣብ ምግባር “ኢድ ካልኦት ሓይልታት” ከምዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ።

መንነት እቶም “ሓይልታት” ግና ብስም ኣይጠቐሰን።

ዋላ’ኳ እቲ ፊልድ ማርሻል ከምዚ እንተበለ፡ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ እቲ ዘተ ድሕሪ ምፍሻሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ፍሽለት ተሓታቲ’ዩ ክብል ንመንግስቲ ወቒሱ’ዩ።

ኣብ መግለጺኡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ንጸጥታን ፖለቲካን እታ ሃገር ንዝብድሁ መሰረታውያን ጸገማት መፍትሒ ንምሃብ ድሌት ዘይምርኣዩ” እቲ ዘተ ብዘይ ውጽኢት ከም ዝተበተነ ኣመልኪቱ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሰላም፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮምያ ከምኡ’ውን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ገዛኢ ውድብ ብልጽግና ዝዀነ ታዬ ደንደኣ ብወገኑ፡ “ዘተ ሰላም ከይዕወት ዝገበረ መንግስቲ’ዩ” ኢሉ ምውቃሱ ይዝከር።

ነቲ ኣባል ዝዀነሉ መንግስቲ ዝወቐሰ ታየ ደንደኣ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዝፈረሞ ደብዳበ ካብ ስርሑ ከምዝተባረረ ኣፍሊጡ’ዩ።

ብሰኑይ “ብዛዕባ ዕርቂ ስለዝተዛረብኩ፡ ኲናት ደው ይበል ስለዝበልኩ እምበር ካልእ ምኽንያት የለን” ክብል ንምንታይ ከምዝተባረረ ንቢቢሲ ገሊጹ’ዩ።

እቲ ካልኣይ ዘተ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ይኹን መንግስቲ ኣብ ዝሃብዎ ዝተፈላለየ መግለጺታት ሳልሳይ ዙር ድርድር ከምዝካየድ ኣይተጠቕሰን።

ተኽእሎ ሳልሳይ ዙር ዘተ

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ግና ኣብቲ ናይ ትማሊ ቃለ-መሕትት ሳልሳይ ዙር ድርድር ክካየድ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ’ዩ ሓቢሩ።

“ህድእ ኢሎም እንተሓሲቦም. . . ነቲ መወዳእታ ሰነድ ኣብ ምቕባል እንተተበጺሑ ሳልሳይ ዙር ዘተ ክህሉ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

“ክሳብ ሕዚ ብዙሕ ዝተደኸመሉ ዘተን ሰነዳትን ኣለዉ” ብምባል፡ እቲ ሳልሳይ ዘተ “ሰፊሕ ዝርርብ” ዘየድልዮን ንክልቲኦም ወገናት ወሳኒ ዝዀነን “ናይ መወዳእታ” ዘተ ከምዝኸውን ኣስሚሩ።

ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተፈልዩ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ኦሮሚያ ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ዘካይድ ዘሎ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከም ግብረራዕዳዊ ጉጅለ ከም ዝተሰመየ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ መንጐ ሓይልታት መንግስቲን ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞን ብዝተኻየዱ ውግኣትን መጥቃዕትታትን ከቢድ ክሳራ ህይወትን ንብረትን ከምዘጋጠመ ይግለጽ።

ብርክት ዝበሉ ነበርቲ እውን ካብ ጐንፅን መጥቃዕትን ሃዲሞም ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።