እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት እስራኤልን ሓማስን፡ ስለምንታይ ኩሉ ሰብ ብዛዕባ ኢራን ይዛረብ?
ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዙሓት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ምስፈጸመ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን፡ እቲ ኣጋጣሚ ንእስራኤል “ተስፋ ዘቑርጽ ምንቅጥቃጥ ምድሪ” ከምዝኾነ ብምግላጽ “ኣእዳው ናይቶም ነዚ መጥቃዕቲ ዝተለሙ ሰባት ንሳለም” ክብል ተዛሪቡ።
ኮይኑ ግና ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ኢራን ኣብቲ ልዕሊ 1200 ሰባት ዝተቐተልሉን 240 ጅሆ ተታሒዞም ዝተወሰዱሉን መጥቃዕቲ ኢዳ ከምዘይሓወሰት ንምግላጽ እውን ዝቐደሞ ኣይነበረን።
ድሕሪኡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ ብዘላ መጥቃዕቲ ኣየርን መሬትን ልዕሊ 11 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐተሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ።
ስለዚ ኢራን ኢድ ከምዘይብላ ኣብ እትገልጸሉ፡ ንምንታይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን መራኸቢታትን ምስ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተተሓሒዙ ስማ ይለዓል?
ናይዚ ምኽንያት ብቐጥታ ንምግላጽ፡ ምናልባት ኢራን ነቲ 'ብኪዳን መኸተ' ዝፍለጥ እትገብሮ ዘይተሓለለ ድጋፍ እዩ።
እዚ ንእስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዋ ጽልዋ ዝቃወም ኪዳን እዩ። ሓማስ፣ ሊባኖሳዊ ሕዝቦላህ፣ ኣብ ኢራቕ ዝርከቡ ሚልሻታትን ኣብ የመን ዝርከቡ ዓመጽቲ ሑቲን ድማ ይሓውስ።
ኣብ ኑክሌር ብዘለዋ ድልየትን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ማዕቀባት ዝተነበሩዋ ኢራን፡ ኣብዚ እዋን ብቁጠባውን ፖለቲካውን ብደሆታት ትፍተን ኣላ። ድልየታታ ንምስኻዕ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ፡ ኣብ ልዕሊ ዞባዊ ተቐናቐንቲ ደገፍታን ተለኣኣኽታን ትጥቀም ኣላ ዝብል ክሲ ይቐርበላ።
ሕዝቦላህን ሓማስን ብግዲኦም ኣንጻር እስራኤል ኣብ ዝገብርዎም ምንቅስቓሳት ደገፍ ኢራን ይረኽቡ።
ታሪኽ ኢራንን እስራኤልን እንታይ ይመስል?
እስራኤልን ኢራንን ኩሉሳዕ ኣብ ጽልኢ ኣይነበራን። ቅድሚ እቲ ናይ 1979 እስላማዊ ሰውራን ምምስራት እስላማዊት ሃገርን፡ ኢራን፡ ስትራተጂካዊት መሓዛ እስራኤል ነይራ።
እቲ ሰውራ ንኣያቶላህ ሩሆላህ ኻሚኒ ናብ ስልጣን ምስኣምጸአ ግን ኣብ ኢራን ኣንጻር እስራኤል ዘቕነዐ ተረኽ ዝሓዘ መንግስቲ ተፈጢሩ።
ግዘ ከይወሰደ፡ ቃልሲ ፍልስጤም ኣካል እቲ ተረኻ ኮይኑ፤ እዚ ድማ ኣብ እስላማዊ ጉጅለታት ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ምሁራትን ጸጋማውያንን እውን ተቐባልነት ረኺቡ።
እቲ ሰውራ ምስተኻየደ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ፡ ኣብቲ እዋን መራሒ ውድብ ናጽነት ፍልስጤም (ፒኤልኦ) ዝነበረ ያሲር ዓራፋት፡ ናብ ቴህራን ተጓዒዙ ምስ ኣያቶላህ ኻሚኒን ግዝያዊ ምምሕዳርን ዝተራኸበ ፈላማይ ወጻእተኛ ኮይኑ።
ዓራፋት ምስቲ ሓድሽ ቤት ምኽሪ ምስተዘራረበ ድሕሪ ሰዓታት፡ ኢራን ምስ እስራኤል ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ርክብ በቲኻ።
ኮይኑ ግን ነገራት ቀልጢፎም ነዚ ሕጂ ዘለዎ መልክዕ ኣይሓዙን።
ዋላኳ ምስ ፍልስጤም ምሕዝነት እንተጀመረት፡ ኢራን ካብ እስራኤል ወታሃደራዊ ሓገዝ ክትረክብ ብዙሕ ግዘ ኣይወሰደላን። ኣብ መጀመርታ ዓመታት እቲ ኣብ መንጎ ኢራንን ዒራቕን ካብ 1980 ክሳብ 1988 ዝተኻየደ ኲናት፡ እስራኤል ንኢራን ብመንጎኛታት ኣቢላ ዕላዊ ዘይኮነ ብዙሕ ዓይነት ወታሃደራዊ ሓገዛት ገይራትላ።
ኣብ 1980ታትን 90ታትን ኣመሪካን እስራኤልን፡ ንኢራን ዝተፈላለዩ መጥቃዕቲታት ብምፍጻም ይኸስኣ ነይረን። ኢራን ግን ነቲ ክሲ ኣይትቕበሎን።
ኢራን ብግዲኣ ኣብ ልዕሊ ተመራመርቲ ኑክሌር ኢራን ንዝተፈጸሙ ተደጋገምቲ ቅትለታት ንእስራኤል ትኸስስ፤ ክልቲአን ሃገራት ምክሳስ ቀጺለን።
ርክብ ኢራንን ሓማስን እንታይ እዩ?
ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ ኣብ 1987 ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ካብ 2007 ጀሚሩ ንወሽመጥ ቓዛ ተቖጻጺሩ። ካብዚ ግዝኣቱ ተደጋጋሚ ሮኬታት ናብ እስራኤል ክትኩስ ጸኒሑ። ኣመሪካን ብሪጣንያን ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ነቲ ጉጅለ ግብረሽበራዊ ኢለን ብምብያን ክንጸል ገይረነኦ።
ኣብ 1990ታትን 2000ን ኢራን ብሃይማኖታዊ ፍልስፍናን ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታን ዘይኮነስ ሓበራዊ ጸላኢ ኣለና ብዝብል ንሓማስ ዓበይቲ ሓገዛት ገይራ። ሓማስን ኢራንን ዝተፈላለየ ጨናፍር እስልምና እዮም ዝኽተሉ፤ ሓማስ ተኸታሊ ሱኒ እስልምና ክኽውን ኣስተምህሮ ኢራን ኣብ ሺዓ ይምርኮስ።
ኣብ 2012 ሓማስ ደጋፊ ኢራን ንዝነበረ መራሒ ሶርያ በሽር ኣልዓሳድ ንምሕጋዝ ፍቓደኛ ብዘይ ምዃኑ ርክቦም ንፋስ ኣትዩዎ።
ከም ግብረመልሲ ኢራን ንሓማስ እትገተብሮ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ኣቋሪጻን ንወታሃደራዊ ምንቅስቓሳት እቲ ጉጅለ እትገብሮ ድጋፍ ቀኒሳን።
ፍትሕ ክልቲኦም ነበርቲ ቓዛ ተሞርኪሶምሉ ዝነበረ ገንዘባዊ ሓገዝ ኢራን ደው ኢሉ። ነዚ ስዒቡ ነበርቲ ንከበድቲ ጸገማት ተቓሊዖም።
ኮይኑ ግና ካብ 2017 ጀሚሩ ብዙሓት ሃገራት ዓረብ ምስ እስራኤል ዝነበረን ሓርፋፍ ርክብ ንምስትኽኻል ስጉምቲታት ክወስዳ ምስ ጀመራ፡ ኢራንን ሓማስን ርክቦም ከምብሓድሽ ንምስትኽኻል ምንቅስቓስ ጀሚሮም።
ኣብዚ መንጎ ንእስራኤል እትሕግዝ ኣመሪካ ዋላኳ ቀጥታዊ መረዳእታ እንተዘይሃለዋ፡ ኢራን ንወታሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ንዓመታት ብዝገበረቶ ሓገዝ፡ ኣብቲ 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተራ ነይሩዋ ኢላ ትኣምን።
ሕዝቦላህ ምስቲ ጎንጺ እንታይ የራኽቦ?
ኣብ ሊባኖስ መሰረቱ ዝገበረ ጉጅለ ሺዓ ሕዝቦላህ፡ ወሳኒ ኣካል እቲ ኪዳን መኸተ እዩ። ኢራን ኣብ ምምስራት እዚ ጉጅለ ዓብዪ ተራ ዝተጻወተት ኮይና፡ ንሱ እውን ከም ሓማስ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝርከበአን ሃገራት ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ተበይኑ እዩ።
ንዝሓለፉ ኣርባዓ ዓመታት ካብ ኢራን ዘይተገደበ ሓገዝ ዝተገበረሉ ሓማስ፡ መራሒኡ ሓሰን ነስረላህ፡ ንላዕለዋይ መራሒ ኢራን ዘለዎ ተኣማንነት ብግልጺ ተዛሪቡ እዩ።
ኮይኑ ግን ሕዝቦላህ ካብ ሓማስ ኣዝዩ ዝሓየለን ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት መላእ ማእከላይ ምብራቕ ኢድ ዘለዎን ጉጅለ እዩ።
ዕጡቕ ሚልሻ እቲ ጉጅለ ካብቶም ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ዝርከቡ ጉጅለታት ዝሓየለን ካብ ናይ ገለ ሃገራት ሰራዊት እቲ ዞባ ብዝሓሸ ዝሰልጠነን ዝዓጠቐን እዩ።
ኣብቲ ኣብ 2006 ምስ እስራኤል ዘካየዶ ኲናት ናይ ተኹሲ ዓቕሙን ወታሃደራዊ ስነምግባሩን ንብዙሓት ኣገሪሙ እዩ። ልውውጥ ተኹሲ ሕዝቦላህን እስራኤልን ኣብ ቀረባ ሰሙናት ተጎሃሂሩ ኣሎ።
ኢራን ኣብ ጎንጺ ሓማስን እስራኤን ኢዳ ክተእቱ ድያ?
ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያን ኢራንን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፡ ብሪጣንያዊ ጀምስ ክለቨርሊ፡ ኢራን እቲ ኲናት ኣብቲ ዞባ ከይላባዕ ነቲ ዘለዋ ጽልዋ ክትጥቀመሉ ንሑሴን ዓሚር-ዓብዱላሕያን ነጊርዎ።
ድሕሪ እቲ ኣብ 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓማስ ብብዙሓት ሃገራት ኣብ ዝኹነነሉ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ምስ ዘይወግዓዊ መራሒ እቲ ጉጅለ እስማዒል ሃኒየህ ኣብ ቀጠር ተራኺቦም።
ኣብቲ እዋን እቲ ሚኒስተር እስራኤል ደብዳብ ደው እንተዘይኣቢላ፡ ኣብቲ ዞባ ዘይተገመተ ሳዕቤን ክስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሚኒ ድማ “ እዞም ሓይልታት መኸተ ትዕግስቶም ክውድኡ እዮም። ሽዑ ማንም ደው ኣይከብሎምን” ብምባል ንመጥንቀቕታ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ደጊምዎ።