ኣብ ዝኽሪ ግዳያት ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝሳዕስዐት ዛምቢያዊት ማእሰርቲ ሓሙሽተ ዓመት ይፅበያ

ኣብ ዝኽሪ ግዳያት ኵናት ሩስያ ዝሳዕሰዐት ዛምቢያዊት ቲዎንግ ዚባ

ምንጪ ስእሊ, hmao.sledcom.ru

ኣብ ሩስያ ኣብ ከተማ ካንቲ ማንሲስክ፡ ንዝኽሪ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ዝተተኽለ ሓወልቲ ዝሳዕሰዐት ዛምቢያዊት ተኣሲራ ከምዝነበረት፡ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ዛምቢያ ኣረጋጊፁ።

ኣብ ከተማ ካንቲ ማንሲስክ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ተምሃሪት ቀዳማይ ዓመት ዝኾነት ጓል 21 ዓመት ቲዎንግ ዚባ፡ ንሰዓታት ተኣሲራ እኳ እንተተፈትሐት፡ ጉዳያ ግና ናብ ዓቃቢ ሕጊ ተመሪሑ ኣሎ።

እታ ተምሃሪት ግዳያት ኵናት ኣብ ዝዝከርሉ ስፍራ ክትስዕስዕ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን'ዩ ተቐሪፁ።

ዚባ ኣብቲ ስፍራ ሳዕሲዓ ሱቕ ኣይበለትን፡ ነቲ እናሳዕሰዓት ዝቐረፀቶ ቪድዮ ኣብ ናይ ኢንስታግራም ገፃ "ንምውታት ምስዕሳዕ፣ ሎሚ ፅቡቕ ድቃስ ከምዝድቅሱ ርግጸኛ'የ" ምስ ዝብል መሰነይታ ፅሑፍ ዘርጊሓቶ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ሞስኮ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ዛምቢያ ዝተልኣኸ ሰነድ ቤት ፍርዲ፡ "ብናዚ ብዝተጎድኡ ንምቕያዕ ዝተገበረ ኣጸያፊ መግለፂ" ብምባል ንተግባር እታ ተምሃሪት ገሊፅዎ።

ክፍሊ ምርመራ እቲ ክልል ስምን ዜግነትን እንከይፀርሐ፡ ዚባ ነቲ ዝፈፀመቶ ተግባር ይቕረታ እንትትሓትት ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) ብማሕበራዊ ሚድያ ዘርጊሑ።

ቲዎንግ ዚባ፡ ኣብቲ ብፖሊስ ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ "ነቲ ብ 16 ሚያዝያ ዝዘርጋሕኽዎ ቪድዮ ይቕረታ ክሓትት እደሊ። በቶም ዝሞቱ ንምቕያዕ ኣይኮንኩን እቲ ቪድዮ ዘርጊሐዮ

ንኹለኹም ይቕረታ እሓተኩም። ከም ተረዳእኹምንን ይቕረ ከምዝበልኩምንን ድማ ተስፋ እገብር" ኢላ።

ፖሊስ፡ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ነዚ ጉዳይ ሰብኣዊ ብዝኾነ መገዲ ከምዝምርምሮን፡ ናይ ዚባ ትምህርቲ ብዘየተኣጓጉል መልክዑ ከምዝርእዮን፡ ንሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ዛምቢያ ገሊፁ።

ጋዜጣ ውልቀ ኮሞርሳንት ከምዝፀብፀቦ ድማ፡ ቲዎንግ ዚባ፡ ካብ 25 ክሳብ 65 ሽሕ ዳላር ኣሜሪካ መቕፃዕቲ ወይ ድማ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ይፅበያ።