ሱዳን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ብሰንኪ ህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣኑ ተሰናቢቱ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ብሰራዊት ሃገሩ ብዝተፈተነ ዕልዋ ኣብ ናይ ቤት ማሕዩር ድሕሪ ምጽንሑ ብጸቕጢ ህዝባዊ ተቓውሞ ቅድሚ ሒደት ሳምንቲ ናብ ስልጣኑ ተመሊሱ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ስልጣኑ ከምዝወረደ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጥቅምቲ ብዘካየዶ ዕልዋ ንምኒስተር ሓምዶክ ኣብ ቤቱ ቀይዱዎ ድሕሪ ምጽናሕ ብዝተገብረ ውዕል ሽርክነት ስልጣን'ዩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ስልጣን ተመሊሱ ነይሩ።

እቶም ተቓወምቲ ግን ምሉእ ብምሉእ ሲቪላዊን ፖለቲካዊን ምምሕዳር ክግበረሎም ስለዝደለዩ ነቲ ምስ ሰራዊት ዝተገብረ ናይ ስልጣን ሽርክነት ነጺጎምዎ ኣለው።

ኣብዚ እዋን ሱዳን ኣብ "ሓደገኛ መቐይሮ" ከምዘላ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ብቴለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ነታ ሃገር "ናብ ጥፍኣት ከይተምርሕ" ኩሉ ዝከኣሎ ከምዝገበረ፡ ይኹን እምበር ገና "ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ክብጻሕ ኣይተኻእለን" ኢሉ።

ኣብ ተሌቪዥን ቀሪቡ "ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተሰከምኩዎ ሓላፍነት ናብ ህዝቢ መሊሰ፡ ዝኾነ ካልእ ዜጋ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ነዛ ክብርቲ ሃገር ካብዚ ዘላቶ መድረኽ ናብ ሲቪላዊት ደሞክራሲያዊት ሃገር ከሰጋግሩዋ ዕድል ክህቦም ከምዘሎኒ ስለእተሰመዓኒ ስልጣነይ አረክብ ኣለኹ" ኢሉ።

ድሕሪ እቲ ኣብ 2019 ንዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ዓልዩ ነታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ዝዓለመ ዘይሻራዊ ህቡብ ህዝባዊ ናዕቢ ሲቪላውን ወታሃደራውን መራሕቲ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ኣይከኣሉን።

መራሒ ዕልዋ መንግስቲ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ነቲ ኣብ ጥቅምቲ እተኻየደ ብሰራዊት እታ ሃገር ዝተገብረ ዕልዋ መንግስቲ፡ እታ ሃገር ካብ ዘንጸላልዋ ዝነበረ ውግእ ሓድሕድ ንምድሓን እቲ ስጕምቲ ከም ዝተወሰደ እዩ ዝገልጽ። ንሱ ሱዳን ክሳብ ሕጂ ነቲ ኣብ ሓምለ 2023 ብምርጫ ዝቐውም ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ትሰርሕ ኣብ መብጽዓላ ኣላ እዩ ዝብል።

ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ምስ ሰራዊት እታ ሃገር ዝተገብረ ናይ ስልጣን ሽርክነት ስምምዕ ሚስተር ሓምዶክ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተርነቱ ተመሊሱ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ንካቢነ ሚኒስተራት ክመርሕ እዩ ትጽቢት ተገይርሉ።

እንተዀነ፡ እቲ ሓድሽ ሲቪላዊ መንግስቲ ክንደይ ዝኣክል ሓይሊ ክህልዎ ከምዝኽእል ንጹር ኣይነበረን። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ህዝቢ ምሉእ ብምሉኡ ሲቪላዊ መንግስቲ ኢና ንደሊ፡ ንሰራዊት ኣይንኣምንን ኢና ብምባል'ዩ ተቓውሞኡ ዝገልጽ ዘሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ትማሊ ሰንበት ካብ መዝነቱ ድሕሪ ምውራዱ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተወሳኺ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ። ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ከኣ ሓይልታት ጸጥታ ናብ ሰልፈኛታት ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተኮሱ ይንገር ኣሎ።

ኮሚተ ደሞክራሲ ሱዳን ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ከተማ ኦምዱርማን ብውሕዱ ክልተ ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ተቐቲሎም ኣለው። እቲ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ኣብ እተገብረ ተቓውሞታት፡ ብድምር 56 ሰባት ከም እተቐትሉ'ዩ ዝሕበር።