ኣብ ጊኒ ሓደገኛ ተላጋቢ ቫይረስ ተኸሲቱ ከም ዘሎ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰብ መዚ ጥዕና ጊኒ፡ ኣብታ ሃገር 'ማርበርግ' ዝተባህለ ሓደገኛ ተላጋቢ ቫይረስ ከም ዝረኸቡ ኣረጋጊጾም።
እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሓዲሽ ቫይረስ ምስ ናይ ኢቦላ ዝመሳስል ምልክታት ከም ዘለዎ ይግለጽ።
ውድብ ጥዕና ዓለምን ሰበ-ስልጣን ሚኒስትሪ ጥዕና'ታ ሃገርን ነቲ ቫይረስ ብቕጽበት ንምቑጽጻር ተሓባቢሮም ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጦም ኣለው።
እዚ ማርበርግ ዝተባህለ ሕማም፡ ካብ መንካዕ ናብ ደቂ-ሳባት ብመገዲ ኣካላዊ ፈሳሲ ከም ዝመሓላለፍ ክኢላታት ይሕብሩ።
ማርበርግ፡ ውሽጣዊ መድመይትን ረስንን ዚፈጥር ምስ ኢቦላ ዝዛመድ ቫይረስ እዩ።
ኣብታ ሃገር ሓደ ሰብ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ድሮ ከም ዝሞተ'ውን ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጦም ኣለው።
ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ማተሺዶ ሞዮቲ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ቫይረስ ናብ ካልእ ዓለም ክላባዕ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ኣጠንቂቑ።
ካልኦት ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከይህለው ንምፍላጥ ድማ ሓያል ጻዕሪ ይገብሩ ከም ዘለው እቲ ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ጊንን ጎረባብቲ ሃገራትን ንሕማም ኢቦላ ተባሂሉ ተዋዲዱ ዝነበረ ስርዓተ ጥዕና ነቲ ሓዲሽ ቫይረስ ንምግታእ ዳግም ተበራቢሩ ከም ዘሎ ክኢላታት እታ ሃገር ሓቢሮም።
ቫይረስ ማርበርግ ኣብ 1967 ኣብ ቤተ ፈተነ ጀርመን ንመጀመርያ እዋን ከም ዝተራእየ ተመራመርቲ ይሕብሩ።
እዚ ቫይረስ'ዚ፡ ካብ ኡጋንዳ በዚ ቫይረስ ተለኺፈን ብዝመጽኣ ኣህባይ ናብቶም ኣብቲ ቤተ ፈተነ ዝነበሩ ተመራመርቲ ከም ዝሓለፈን፡ ብኡ ኣቢሉ'ውን ከም ዝተላብዐን ጸብጻባት ይሕብሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







