እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚኒስተር ስለያ እስራኤል ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ
ሚኒስተር ስለያ እስራኤል ኣብ ሱዳን ፈላሚ ዝተባህለ ምብጻሕ ከምዘካየደ ተፈሊጡ።
ሚኒስተር ኤሊ ኮሆን ኣብ ካርቱም ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስ ሚኒስተር ምክልኻል ሌ/ጀነራል ያሲን ኢብራሂም ዝርከቦም ሰብመዚ ተራኺቡ።
ኣብ ጸጥታዊ፣ ዲፕሎማስያዊን ቁጠባውን መዳያት ክተሓባበሩ ስምምዕ ከምዝፈረሙ ኣፈኛ መንግስቲ እስራኤል ሓቢሩ።
እቲ ንፈለማ እዋን ዝተኻየደ ምብጻሕ፡ ኣቐዲሙ ዝተገለጸ ከምዘይኮነ ተፈሊጡ።
እቲ ኣስራኤላዊ ብዓል ስልጣን ናብ ሃገሩ ምስተመልሰ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዘካየዶ ምብጻሕ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዝህሉ ክልተኣዊ ምትሕብባርን ኣብቲ ዞባ ምርግጋእ ኣብ ምስፋንን መሰረት ከምዝኸውን ተስፍኡ ሓቢሩ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ውርሒ ጥቅምቲ ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክምስርታ ምስምምዐን ይዝከር።
እስራኤል ኣብ 1948 ካብ ትምስረት ጀሚራ ካብ ሱዳን ኣፍልጦ ከይረኸበት'ያ ጸኒሓ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ባሕሬንን ብተመሳሳሊ ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምምስራተን ይፍለጥ።
ምምስራት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ሱዳንን እስራኤልን፡ ብመንጎኝነት ኣመሪካ ዝተበጽሐ ኮይኑ፡ ምስ ምውጻእ ሱዳን ካብ መዝገብ ሽበራ ኣመሪካ ዝተሓሓዝን ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብ ለካቲት 2020፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ ምስ መራሒ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ኣብ ዩጋንዳ ታሪኻዊ ርክብ ድሕሪ ምግባሮም'ዩ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት እናተመሓየሸ መጺኡ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳታት ብምልዓል ካብ መዝገብ ደገፍቲ ሽበራ ሃገራት ኣውጺኣታ'ያ።
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ዝምለስ ምዃኑ ዝተገለጸ 1.2 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ንሱዳን ክትህብ ከም ዝተሰማምዐት ይፍለጥ።
ሱዳን፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሐ ዑመር ኣልበሽር ብህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ 2019 ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ፡ ብኣብደላ ሓምዶክን ሌተናል ጀነራል ኣልቡርሃንን ዝምራሕ መንግስቲ እዩ ነታ ሃገር ዘመሓድር ዘሎ።