ኮሮናቫይረስ፡ኣብ መዓልቲ ምርጫ ብሩንዲ 'ኣማኢት ታሲሮም'

ቀዳማይ ዙርያ ውጽኢት ምርጫ ሰኑይ ክግለጽ ትጽቢት ይግበር

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ዙርያ ውጽኢት ምርጫ ሰኑይ ክግለጽ ትጽቢት ይግበር

ኣስታት 200 ኣባላት ተቓዋሚ ሰልፊ ብሩንዲ ምርጫ ኣብ ዝተኻየደሉ መዓልቲ ከም ዝተኣሰሩ እቲ ሰልፊ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ካውንስል ናሽናል ፍሪደም [ሲኤንኤል] ዝተብሃለ ሰልፊ፡ ቴርነስ ማኒራምቦና እቲ ማእሰርቲ ክሳብ ትማሊ ከምዝቐጸለ ሓቢሩ።

"መብዛሕትኦም ኣብ ናቑጣ መረጻ ፓርትና ዝነበሩ ተዓዘብቲ ምርጫ ኮይኖም፡ ኣብ ኩሎም ዞባታት እታ ሃገር ዝተርኣየ ስለ ዝኾነ ይሃድኑዎም እዮም ነይሮም ኢና ንብል" ኢሉ።

ፖሊስ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቡዎ ርኢይቶ የለን፤ ግን ድማ ወሃቢ ቃል ፖሊስ እታ ሃገር ብሮቡዕ ዝተኻየደ ምርጫ ሰላማዊ እዩ ነይሩ ኢሉ እዩ።

መራሒ እዚ ሰልፍን ሕጹይ ፕረዚደንታዊ ውድድርን ኣጋቶን ርዋሳ፡ ቀንዲ ተነሓናሒ መራሒ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ኢቫሪስት ደይሺሚዬ ተገይሩ ይውሰድ።

" 'እትገብሩዎ ዘለኹም ሕጊ ዘይፈቕዶ'ዩ' ኢሎም ዝተዛረቡ ተዓዘብትና ወወሲዶም ናብ ቤት ማእሰርቲ'ዮም ዳጒኖምዎም" ኢሉ ወሃቢ ቃል ሲኤንኤል።

ገሊኦም ትማሊ ዝተኻየደ ቖጸራ ውጽኢት እቲ ምርጫ ንምዕዛብ ዝኸዱ እዮም።

ኣብ እዋን እቲ ምርጫ፡ ዋትሳፕ፣ ፌስቡክን ትዊተርን ተዓጽዮም ነይሮም። ቀዳማይ ዙርያ ውጽኢት እቲ ምርጫ ድማ፡ 25 ግንቦት 2020 ክግለጽ ትጽቢት ይግበር።