ፖሊስ ትግራይ፡ ህጹጽ ኣዋጅ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምፍጻም ኣብ 2 ወርሒ 2 ሰባት ቀቲሉ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ፡ ፖሊስ ዝርገሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ንዝወጸ ህጹጽ ኣዋጅ ንምፍጻም ኣብ ዝፍትንሉ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ፡ ክልተ ሰባት ቀቲሎም።

ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ብልሙድ 'ቀበሌ 05' ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ፖሊስ ተኣኪቦም ንዝነበሩ መናእሰይ ንምብታን ኣብ ዝፈተነሉ፡ ሓደ መንእሰይ ከምዝተቐተለ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ዞባ መቐለ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።

ፖሊስ "እቶም መናእሰይ ኣብ ዱር ተኣኪቦም ይሰትዩ" ምንባሮም ሓበሬታ ከም ዝበፀሖ ድሕሪ ምግላጽ፡ ክብተኑ ነጊርዎም ኮይኑ ግና እቶም መናእሰይ ምስ ፖሊስ ተጓኒፆም ኣብ መንጎ'ዚ ህይወት ሓደ መንእሰይ ከምዝሓለፈ እዩ ዝገልጽ።

ይኹን 'ምበር፡ እዚ ሓበሬታ'ዚ ብወገን እቶም መናእሰይ ኣይተረጋገፀን።

ኣብዚ እዋን፡ ዝርገሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት፡ ኣብያተ መስተ ተዓጽዮም ምትእኽኻባት'ውን ተኣጊዱ እዩ ዝርከብ።

ብድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ ገለ መናእሰይ ናብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከም ዘምርሑን፡ ኣብቲ ቦታ ብዝተፈጥረ "ጎንጺ" ድማ፡ ክልተ መናእሰይ ከምዝቖሰሉን እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ ኣሎ።

ነቲ ቅትለት ፈጺሙ ዝተብሃለ ኣባል ፖሊስ ድማ፡ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለ ተሓቢሩ ኣሎ።

ቅድም ክብል'ውን፡ ኣብ ትግራይ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት: ምስቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተኣወጀ ህፁፅ ኣዋጅ ብዝተኣሳሰር: ሓደ ኣባል ፖሊስ ንሓደ መንእሰይ ከምዝቐተለ ዝዝከር እዩ።

እቲ ቅትለት፡ ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ፡ 19 መጋቢት ጅራ ኣብ እትበሃል ጣብያ ዘጋጠመ ኾይኑ: ፖሊስ ኣብ እንዳ መስተ ንዝነበሩ ሰባት ክብትኑ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ዘጋጠመ እዩ ነይሩ።

እቲ ሓጎስ ንጉስ ዝበሃል መዋቲ፡ ብዝተተኮሶ ጥይት ህይወቱ ሽዑ ንሽዑ ከምዝሓለፈ ቢቢሲ ምጽብጻቡ ዝዝከር እዩ።

ኣብታ ክልል፡ ዛጊድ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ የለን። ንምክልኻል እቲ ለበዳ ንዝተነብረ ክልከላታት ኣብ ምፍጻም ግን፡ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።