ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ብዝቐረበሎም ክስታት ገበነኛታት እዮም ተባሂሎም

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ንዝነበሩ ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን፡ በቲ ዝተኸሰስሉ ናይ ብልሽውና ጉዳያት ገበነኛታት ኮይኖም ከምዝረኸቦም ሓቢሩ።

ክልቲኦም ሰበስልጣን ነበር፡ ነቲ ገበን ከም ዘይወዓልዎ'ዮም ክከራኸሩ ጸኒሖም።

ክልቲኦም ሰበስልጣን ነበርን፡ ሓደ ዳንኤል ግዛው ዝተባህለ ሳልሳዮምን፡ ነቲ ገበን ከም ዘይወዓልዎ'ዮም ክከራኸሩ ጸኒሖም።

እቶም ክሱሳት፡ ኣብ 'ጥረት' ዝተባህለ ትካል ዝውንኖም ኩባንያታት ናይቲ ክልል ምጥፍፋእ ፈጺሞም ዝብል ኣርባዕተ ክስታት'ዩ ቀሪቡሎም።

ኣቶ በረኸት ስምኦን፡ ሓደ ካብ ፍሉጣት መስረቲን መራሕቲን መንግስቲ ኢህወደግ ኮይኑ፡ ምስ ኣቶ ታደሰ፡ ኣብ 2018'ዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ናብ ክልል ኣምሓራ ተወሲዱ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ ናይ መወዳእታ መቕጻዕቲ ንምሃብ ን28 ሚያዝያ ክጋባእ ቆጸራ ሒዙ ምህለው ገሊጹ ኣሎ።