ትግራይ፡ ኣፍረይቲ ሰሊጥ ሑመራ ልዕሊ 700 ሽሕ ኩንታል 'ንትካል ዕዳጋ ኢትዮጵያ ኣይነቕርብን' ኢሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣፍረይቲ ሰሊጥ ሑመራ ናብቲ ፍርያቶም ተቐቢሉ ብዕዳጋ ዘተኣሳስሮም ትካል ዕዳጋ ምህርታት ኢትዮጵያ ንዘይምቕራብ ከም ዝወሰኑ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ብፍርያት ሰሊጥ ኣብ ዝፍለጥ ምዕራባዊ ትግራይ ዝርከቡ ሓረስቶት ወልቃይትን ሑመራን፡ ብብዝሒ ኣብ ፍርያት ሰሊጥ ዝተዋፈሩን መነባብረኦም ኣብኡ ዝደረኹን'ዮም።
ኣቶ ተክኤ ባህታ ካብቶም ኣውፈርቲ ሓደ እዩ። መንግስቲ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ሰሊጥ፡ ተመን ምውጽኡ ኣይቕበሎን።
"መንግስቲ ዘይንቡር ኣብ ሰሊጥ ተመን ገይሩ፤ ብዓርቢ ናይ ሰኑይን ሰሉስን ዕዳጋ ኢሉ ኣውጺኡ፤ ብር 4,313 ንሰኑይ 4,317 ድማ ንሰሉስ ይብል። ተጫራታይ ድኣ ኣብ ማእኸል ዕዳጋ መጺኡ እንታይ'ዩ ክገብር? ካብ ጨረታ ወጻኢ'ኮ ገይሩዎ" ይብል።
ካብዚ ዝተፈለየ ሓሳብ ዘይብሉ ካልእ ኣፍራያይ ሰሊጥ ኣቶ ጌታቸው ኣረጋዊ ብወገኑ፡ ኣብዚ ጉዳይ ምምሕያሽ ዘይግበር እንተኾይኑ፡ ብሕጂ እነቕርቦ ምህርቲ የለን ዘብለና ዘሎ ዋጋ እዩ ኢሉ።
"ንሕና ሰሊጥ ዓጺድና ናብ መኻዝን ክነእትዎ ከለና 6,350ን ከባቢኡን ነይሩ፤ ልክዕ ዓጺድ ተወዲኡ መሸየጣ ክጅመር ከሎ ብሓደ ግዘ ናብ 4ሽሕ ወሪዱ። እዚ ብምኽንያት ነቶም ናብ ወጻኢ ዝልእኹ ሰብሃፍቲ ብትሙን ዋጋ ክዕድጉ ዝተጽሓፈሎም ደብዳብ ዝተፈጥረ'ዩ። በዚ ድማ ንሕና ንኸስር ኣለና ማለት እዩ"።
ማእከል ዕዳጋ ምህርታት ኢትዮጵያ፡ ኣፍረይትን ዓደግትን ዝራኸብሉ ቦታ እዩ።
ብመሰረት እቲ ዝወጽአ መምርሒ ተመን ዕዳጋ ሰሊጥ ግን፡ ናብዚ ማእከል እነቕርቦ ምህርቲ ኣይክህሉን ብምባል እቶም ኣፍረይቲ ተቓውምኦም ይገልጹ።
መዓልታዊ ሸቃሎ ንምርካብ ተጸጊሞም ከም ዝሰርሑ ብምግላጽ፡ እዚ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እዚ ውሳነ ክመጽእ ፍትሓዊ ኣይኮነን ይብሉ።
"ዝናብ ስለ ዝዘነበ ብኽባር ኢና ዓጺድና፤ ምስቲ ናይ ኣምሓራን ትግራይን ዘሎ ኩነታት ድማ ወሰን ተዓጽዩ ስለ ዘሎ ካብ ኣምሓራ ዝመጽእ ዝነበረ 90 ሚኢታዊት ሸቃሊ ሎሚ ኣይመጽአን፤ እዚ ኩሉ እናሃለወ መንግስቲ ንጥቕሚ ነጋዶ ጠጠው ኢሉ" ኢሉ ኣቶ ጌታቸው።
ኣብዚ ጉዳይ ፍታሕ እንተዘይረኺቦም ዝሓዙዎ ከባቢ 700 ሽሕ ኩንታል ሰሊጥ ብኻልእ ኣማራጺ ናብ ዕዳጋ ዓለም ከም ዘቕርቡዎ ድማ ተዛሪቦም።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ዕዳጋ ምህርታት ኢትዮጵያ ኣቶ ነጻነት ተስፋዬ፡ መምርሒ ብምውጻእ ዘይኮነ ሕጂ'ውን ኣፍረይትን ሸማቶን ናይ ምርኻብ ስርሑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ይገልጽ።
"ኣብዚ ዓመት ሚኒስቴር ንግዲ ዘውጽኦ መምርሒ ንግዲ-ወጻኢ ኣሎ። ለኣኽቲ ናብ ዕዳጋ ምህርታት ኢትዮጵያ መጺኦም ዝገዝኡዎ ናብ ወጻኢ ልኢኾም ካብ ዝረክቡዎ ገንዘብ ንላዕሊ እዩ። ስለ ዝኾነ ካብ ወጻኢ ካብ እትገዝእሉ ዋጋ ንታሕቲ ከይትዕድጉ ኢሉ መምርሒ ኣውጸኢኡ። ንሕና ፈጸምቲ እቲ መምርሒ ኢና" ኢሉ።
ዳይሬክተር ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ሚኒስቴር ንግድን ኢንዳስትርን ኣቶ ወንድሙ ፍላቴ ብወገኑ፡ ቅድም ክብል ምርድዳእ ዝተገበረሉ መምርሒ ግብራዊ ይኸውን ከም ዘሎ ሓቢሩ።
"ዕላማ እዚ መምርሒ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለው ለኣኽቲ፡ ካብቲ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘሎ ዕዳጋ ብዝለዓለ ዋጋ እናዓደጉ ናብ ወጻኢ እንትልእኹ ድማ ብዝተሓተ ዋጋ ንዝሸጡ ነጋዶ ንምቁጽጻርን ሕጋውነት ንምርግጋጽን'ዩ" ዝብል መብርሂ ሂቡ።
ተመን ዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ ሰሊጥ፤ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘሎ ዋጋ ብምርኣይ መነጻጸሪ ዝኸውን ተመን ከም ዝወጽእ እቲ ሚኒስቴር ይገልጹ።
እዚ ሓድሽ መምርሒ ድማ፡ እቲ ፍርያት ብልዕሊ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዋጋ ኣብ ሃገራዊ ዕዳጋ ከይሽየጥ፣ ኣፍረይትን ነጋዶን ከይጉድኡ ከምኡ'ውን እታ ሃገር ክትረኽቦ ዝግባእ ሸርፊ ወጻኢ ንክትረክብ ብዝብል ዝወጽአ ብምኻኑ፡ "ንዝኾነ ወገን ዝጎድ ኣይኮነን" ኢሉ።
"ብዘይሕጋዊ መገዲ ማለት ኮንትሮማንድ ሰሊጥ ምሻጥ፣ ካብ ንግዲ ፍቓድ ወጻእ ምንቅስቓስ፣ ንኣፍረይቲ ግጉይ መረዳእታ ብምሃብ ዝጉድእሉ ሰንሰለት ንምብታኽን ንምክልኻልን ዝወጽአ መምርሒ'ዩ" ዝብል ኣቶ ወንድሙ፡ እቲ ዝወጽእ ተመን፡ ዋጋ ዕዳጋ ዓለም ተደሪኹ ምኻኑ ኣረዲኡ።
ከምዚ ዓይነት ተመን እንትቕመጥ ግን፡ ምስ ኣፍረይትን ሸየጥትን እኹል ዝርርብ ይግበረሉ ድዩ? ንኣቶ ወንድሙ ዘቕረብናሉ ሕቶ'ዩ።
"ንሕና ነቲ ዕዳጋ ክንጎድእ ኣይንደልን። ዕዳጋ ብስርዓት ክምራሕ ስለ ዘለዎ ካብቲ ተመን ንታሕቲ ወይ ንላዕሊ ከይሽየጥ ኢና ዓቐን ነውጽእ፤ ስለዚ ዋጋ ኣይንውስንን ተመን ኢና ነውጽእ" ኢሉ።
እቲ መምርሒ ግብራዊ ቅድሚ ምኻኑ ምስ ኣፍረይትን ሸማቶን ምርድዳእ ከም ዝተገበረሉ ዘዘኻኸረ ኣቶ ወንድሙ፡ ሃገራውን ዓለማውን ዋጋ ዕዳጋ ብምግምጋም ኣብ ሞንጎ ዝለዓለን ዝተሓተን ከም መበገሲ ብምውጻእ፡ እቶም ዓደግትን ኣፍረይትን ብዋጋ ክደራደሩ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ።
ሰሊጥ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከባቢታት ጋምቤላን ደቡብን ሓዊሱ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገርን ዝፈሪ ምህርቲ እዩ።
እዚ ንዘይቲ፣ ጥሕኒ፣ ኬክን ካልኦት ፍርያትን ዝውዕል ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ልዑል እቶት ሸርፊ ወጻኢ ምስ እትረኽበሉ ፍርያት ቡን ዝጽራሕ ቀንዲ ናይ ሰደድ ምህርቲ'ዩ።
ሰሊጥ ሑመራ፡ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ፣ ኤስያን ካልኦት ዕዳጋታት ዓለምን ልዑል ጠለብ ዘለዎ ፍርያት ምኻኑ ድማ ይዝረብ።
70 ሚኢታዊት ሰደድ ሰሊጥ ኢትዮጵያ ናብ ቻይና'ዩ ዝለኣኽ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







