ዶ/ር ደብረፅዮን፡ "ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንሓዉ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ፍቕሪ ብተግባር ዘመስከረ'ዩ"

ምክትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ኣብ በዓል መስቀል 2019

ምንጪ ስእሊ, Awetahegn Berhane

ብደረጃ ክልል ትግራይ: ኣብ ዓጋመ ኣብ ከተማ ዓዲግራት: ኣብ ዝተኸበረ በዓል መስቀል ዝተረኸቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ነቶም ኣብ ዓዲግራት ተረኺቦም በዓል መስቀል ዘኽበሩ ኤርትርውያን መልእኽቲ ኣሕሊፎም።

ዶ/ር ደብረጽዮን "ቅድም ኢሎም ውሳነ ዝረኸቡን ዘይረኸቡን ኩሎም ተዛቲና ኣብ ባይታ ክንትግብር ድልዋት ምዃንና ንገልፀልኩም" ኢሎም::

ነቶም በዓል መስቀል ከኽብሩ ኣብ ዓዲግራት ዝተረኸቡ ኤርትራውያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ: "ዓሚ ባሕቲ መስከረም ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ስላም ንምስላጥን ናብ ምዕሩይ ዝምድና ንምልዋጥ ዘለና ድልውነት: ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዝነበሩ ሽግራት ብሰላም ንምፍታሕ: ብብርኪ ፌደራል ዝተወሰነ ከም ክልል ተቐቢልና: ክንፍፅም ምዃንና ንገልፅ" ኢሎም::

ክልቲኡ ህዝቢ ሰላሙ ውሑስ ኮይኑ: ሓቢሩ ክለምዕ ናብርኡን ህይወቱን ክልውጥ ድልየትን ትምኒት መንግስትን ህዝብን ትግራይ ልዑል እዩ ኢሎም::

"ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንሓዉ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ፍቕሪ ብተግባር ዘመስከረ ምዃኑ: ኣብ ትግራይ እትነብሩን እትመላለሱን ኤርትራውያን ምስክራት ኢኹም" ኢሎም::

ኣብ ኤርትራውያን ዘሎ ኣታሕዛ ከም ቃሉ: ኤርትራውያን ከይተሰከፉ ከም ገዛኦም ክነብሩ ይግበር ምህላዉን እውን ገሊፆም::

"ሕሉፍ ሽግራት ዓፂና: ናይ ክልቲኡ ህዝቢ ርክብ ምዕሩይን ንኹልና ረብሓ ብዝኸውን ክስጉም ድልየት ኣለና" እንትብሉ ገሊፆም::

በዓል መስቀል ኣብ ዓጋመ ኣብ ከተማ ዓዲግራት 2019

ኣብዚ ዓመት እዚ፡ ዓሚ ዝተጀመረ ሰላም "ካብ ጎተትመተት ወፂኡ: ናብ ምዕሩይ መንገዲ ክኣትው ፃዕርና ክነዛይድ ምዃንና ክንገልፀኩም ንፈትው" ብምባል ቃል ኣትዮም::

ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ሰላምን ምዕሩይ ዝምድናን ዘይደሊ ሓይሊ: ሓሲቡን ደኺሙን ይተርፍ እምበር: ከምዘይዕወት ይፍለጥ ኢሎም ዶ/ር ደብረጽዮን::

ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ መዛዘሚ ዘረባኦም "ኣብዚ ሕዚ እዋን: ብሃይማኖት: ነብኸባብነትን ዓሌትን ብጥቕማነጥቕሚ ክኸፋፍሉና ንዝደልዩ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ወጊድ ኢልና ናብ ስራሕና ንውፈር" እንትብሉ ፀዊዖም::