እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራውያን ስደተኛታት መዓስከር ሸገረኣብ ብሕጽረት መሰረታውያን ነገራት ይሳቐዩ ኣለዉ
ኣብ ምብራቅ ሱዳን ማዓስከር ሸገረኣብ ተዓቝቦም ዘለው ኤርትራውን ሰደተኛታት፡ ሕጽረት መሰረታውያን ነገራት የጋጥም ከምዘሎ ንቢቢሲ ትግርኛ ገሊጾም። እቲ መዓስከር ዝህቦ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣዝዩ ትሑት ምዃኑን ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከም ዝጎድሎን እቶም ሰደተኛታት ሓቢሮም።
እዞም ኣብ መዓስከር ሸገረኣብ ዝርከቡ ሰደተኛታት ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ መዓስከር ንህይወቶምን ጥዕንኦምን ምቹእነት ከም ዘይብሉን፤ እቲ መዓስከር ጽርየቱ ሕሉው ሰለዘይኮነ፡ ኣብኡ ንኽትነብር ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ከምዝኾነን ይዛረቡ።
ኣብቲ መዓስከር ዝነብሩ ዓበይትን፤ ንኣሽቱን፤ ከምኡ ድማ ደቂ-ኣንስትዮ፤ ብሰንኪ ሕጽረት ማይን፤ ጽርየት ዝጐደሎም ካልኦት መሳለጥያታትን፡ ብቕርጸትን ወጽኣትን ከም ዝሳቐዩ ሓቢሮም።
ኣብቲ ዝተዋህቦም መደቀሲ፡ ኣብ ሓንቲ ገዛ ከባቢ 17-18 ሰባት ከም ዝድቕሱን፡ ኩባያ ይኹን ካልኦት መብልዒ መግቢ ዝጥቀሙሎም ኣቕሑት ከም ዘይብሎም፤ እቲ ዝወሃቦም መሻርፍ'ውን ከም ኪሎ ሽኮር፤ ኪሎ ሩዝ፤ ኪሎ ፓስታ ንወርሒ ፍጹም ከምዘይኣክል ኣብቲ መዓስከር ዝነብር ተኽሊት ዝተባህለ ኤርትራዊ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ ዝተዋህቦም መሻርፍ ምስ ተወደኣ እንታይ ከም ዝገብሩ ምስ ሓተትናዮም፡ ''እቲ ዝወሃበካ መሻርፍ ምስ ተወደኣ ምስ ብጾትካ ተሓዊስካ ትበልዕ። ንሱ ምስ ተወደኣ ድማ ንቀረባ ቤተ-ሰብካ ትልምን ማለት ኢዩ። ዘመድ እንተዘይብልካ ድማ ተዓጺፍካ ትድቅስ'' ይብል።
ብዛዕባ እዚ ኣመልኪትና ንላዕላዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓተትናሉ፡ ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ሸገረኣብ ምስ ኣተው፡ ውድብ መግቢ ዓለም ብዝመደቦ መሰረት ፤ መሻርፍ ከም ዝቅበሉ ኣመልኪቱ።
እቲ ተጸዋዒ ስደተኛታት ወሲኹ እቲ ዝወሃብ መሻርፍ እኹል ከምዘይኮነ ድሕሪ ምእማን፡ ሕጽረት ምወላ ከም ዘሎ'ውን ሓቢሩ።
ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ሸገረኣብ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ እኩል ማይ ክቕርቡ ጸገም ከም ዝኾኖም ላዕላዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ድሕሪ ምግላጽ፤ ነቶም ሰደተኛታት 20 ሊትሮ ኣብ መዓልቲ ከም ዝወሃቦም'ውን ይሕብር።
እዚ ግን ምስቲ ኣብቲ ቦታ ዘሎ ሙቐት እኹል ከም ዘይኮነ እቶም ሰደተኛታት ተዛሪቦም።
''ሸገረኣብ ክትርእዮ እንከለኻ ካብዚ ዝኸፍእ ኣይምጻእ እየ ዝብል። እቲ መዓስከር ቃልዕ ቦታን፡ ብርቱዕ ጸሓይን ደሮናን ዘለዎ ኢዩ።''
ካልእ መሓመድ ዝበሃል ኤርትራዊ፡ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ስደተኛታት ከምዝገቡ ምስ ከዱ ብዛዕባ ዘጋጥሞም ጸገማት ክገልጽ እንከሎ "ሓደ ሰብ ብዛዕባኻ ሓንቲ ነገር ዘይፈልጥ ብኣቦኻን ብኣደኻን ክጸርፈካ ይውዕል" ይብል።
እቶም ዝምዝግቡኻ ኩሉ ዓይነት ቋንቋ ከምዝዛረቡን፡ ዳርጋ ኣሕዋትና ክብሎም ትደፍር ይብል ተኽሊት። "ኣሕዋትና ኢዮም ጽቡቕ ክቕበሉና ኢዮም እናበልካ እንከለኻ ግን፡ ዘይተጸበኻዮ ጸርፊ ይወርደካ" ክብል ድማ ወሲኹ ተዛሪቡ።
ላዕላዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ መብርሂ ክህብ እንከሎ፡ ኣባላቱ ንዝኾነ ስደተኛ ብሰብኣዊ ክብሪ ክቕበሉ ዓመት ዓመት ሰልጠና ከም ዝወሃቦም ብምግላጽ፤ እቶም ስደተኛታት ጸገም እንተኣጓኒፍዎም ናብ ዝመምልቶ ኣካል ክጠርዑ ኣዘኻኺሩ።
እቶም ዘዛረብናይም ስደተኛታት፡ ኣብ መዓሰከር ሸገረኣብ ብጀካ ራሻይዳ፡ እቶም ካልኦት 8ተ ብሄራት ኤርትራ ኣብቲ መዓስከር ከም ዘለው'ውን ሓቢሮምና። እቲ ስደተኛ ከኣ ኣብዚ ቦታ ደገፍ ኣሎ፤ ውሕስነት ኣሎ ኢሉ ናብኡ እናወሓዘ፡ ደገፍን ውሕስነትን ዘይምርካቡ የተሓሳስበካ ይብሉ እቶም ስደተኛታት።
እዚ ኩሉ ሽግር ተደማሚሩ፡ ነቲ ስደተኛ ጸቕጢ ይገብረሉ ይብል ተኽሊት። ብዙሓት ሰባት ከኣ ሕማም ኣእምሮ ኣጥሪዮም ኣብዚ መዓሰከር ጨርቆም ደርቢዮም ከም ዘለው ይዛረብ።
ኣብቲ መዓስከር እንታይ ዓይት ለውጢ ትደልዩ ኢልና ኣብ ዝሓተትናሉ ድማ፡ እቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዝሰርሑ ሰባት ብፍሕሽው ገጽን ክብረት ዘለዎ ኣቀባብላን ክቕበልዎም ከም ዝደልዩ ገሊጾም።
''ንሕና ዝብላዕ ስኢና ኣብዚ መዓስከር ኣይመጻእናን። ውሕስነት ሰላም ደሊና ኢና መጺእና'' ይብል ኣቶ መሓመድ።
ንሱ ኣብ ምብራቅ ሱዳን ዝርከብ መዓስከር ሸገረኣብ ግቡእ ቆላሕታ ክወሃቦን፡ ዘድሊ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ብቑዕ ኣገልግሎት ክህብ'ውን ጸዊዑ።