መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያን ክትዓቱን

ብሔር፣ ብሔረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, JOSE CENDON

ማእኸል ምቁጽጻር ውሽጣዊ ምምዝባላት ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኲናትን ምምዝባልን ንእትርከብ ሶርያ በሊጻ፡ ቀዳመይቲ እታ ዝለዓለ ቑጽሪ ውሽጣዊ ምምዝባል ዝተርኣያ ሃገር'ያ ተባሂሉ ሽማ ሰፊሩ'ዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዘለው ግጭታትን ናዕቢታትን ብምስጋእ ብዙሓት ይመዛበሉ ኣለው ዝብል ጉዳይ ድማ፡ ርእሰ ዜና ብዙሓት መራኸብቲ ማዕኸናት ዓለም ኮይኑ።

ኣብዚ ዓመት፡ 1.4 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር እንትመዛበሉ፡ 'ዓለም ዓይና ዓሚታ'ዶ ትዕዘብ ትህሉ?' ዝብል ኣግራሞት'ውን ፈጢሩ።

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ መዳብውቲ ከባቢታት ዞባታት ጌድኦን ምዕራብ ጉጅን ዝነበረ ግጭት ከም ኣብነት መዚዙ ዘልዕል እዚ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ሰላምን ምርግጋእን ከስፍን ይጠልብ።

ኣብዚ ከባቢ ዝተርኣየ ምምዝባል ኣብ ዝንቀፈሉ ሃዋህው፤ ኣብ መዋዳውብቲ ከባቢታት ክልላት ኦሮሚያን ሶማልን ብዝቐጸለ ዘይምቅድዳው ካብ 2017 ጀሚሩ 200 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2017፡ ካልኦት 500 ሽሕ ሰባት ድማ፡ ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ካብ ዝተፈጠረ ግጭትን ናዕብን ንምርሓቅ፡ ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ተገዲዶም።

ከምዚኦም ዝበሉ ውሽጣዊ ምምዝባላት፣ ምጥፋእ ህይወትን ዕንወት ንብረትን ኣብ ዝተርኣየላ ሃገር ልዕሊ 80 ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን፡ 'መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ኢልካ ስለ ምንታይ ተኽብር?' እምበርከ ትርጉም ይህልዎ ድዩ? ዝብል ሕቶ ይፈጥር ኣሎ።

ተንታኒ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዶክተር ኣወል ኣሎ፡ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ምኽባር ዝተጀመረሉ መንፈስ ብዝተወሰነ ደረጃ ናይቲ ሕብረተሰብ ሓድነት፣ ትርጉም ብሓባር ምንባርን ብዙሕነትን ንምግላጽን እታ ሃገር ናይ ሓደ ብሄር ሃገር ከም ዘይኾነት ንምጉላሕን'ዩ ይብል።

ስለዝኾነ ድማ ምኽባር እዚ መዓልቲ ምስቶም ዝፍጠሩ ዘለው ጸገማት ዘራኽብ ጉዳይ ከም ዘይብሉ የስምረሉ።

"ክልቲኦም ዝራኸቡ ነገራት ኣይኮኑን። ዘራኽብ ነገር ኣለዎም ዝበሃል እንተኾይኑ ግን እዚ በዓል እቶም ጸገማት ንከይጋፍሑ'ዩ ክሕግዝ ዝኽእል" ይብል።

መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ንምኽባር፡ ብርክት ዝበሉ ብሄረሰባት ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

መበገሲ እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝርኣዩ ዘለው ግጭታት፣ ብሄር ተኮር ጥቕዓት፣ ሞትን ምምዝባልን እንታይ'ዩ ኢልካ መሰረታዊ መጽናዕቲ ምክያድ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ዝዛረብ ዶክተር ኣወል፤ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት እንትኽበር ዘለው ጸገማት ንምፍታሕን ንከይድገሙን ብዘኽእል መድረኽ ምይይጥ ክኸውን ከም ዘለዎ የቐምጥ።

ሙሁር ፌደራሊዝም ናሁሰናይ በላይ ብወገኑ፡ ኣብዚ ሰዓት ክኽበር'ዶ ምተገብኦ ዝብል ሕቶ ናተይ ሕቶ'ውን እንተኾነ እቲ በዓል ግን ግቡእ ሃገራዊ በዓል'ዩ ይብል።

ኣከባብራ እዚ በዓል እንትፍልም፤ ብዙሕነት ነውሪ ኣይኮነን፣ ሓድነት ህዝብታት ኣብ ብዙሕነት ዝተሞርከዘ'ዩ ዝብል ዕላማ ሒዙ ከም ዝተበገሰ ክዝንጋዕ የብሉን'ውን ኢሉ።

"ክሳብ እዛ ሃገር ብወግዒ ዘይተወድአት፡ እቲ በዓል ክኽበር ኣለዎ" ዝብል ናሁሰናይ፡ ትርጉም ንክህልዎ ግን ንኹሎም ህዝብታት ውሕስና ዝሃበ "ሕገ መንግስቲ ይከበር" ብዝብል ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎ።

"መንግስቲ ዜጋታት ብሰንኪ ብሄሮም እናተጠቕዑ እናተመዛበሉ እናርኣየ ስቕ ኣብ ዝበለሉ፡ ብተግባር ሉኣላውነት ክልላት ኣብ ዝጠሓሰሉ፡ እዚ በዓል ምብዓሉ ቀልዲ'ዩ። ህዝብታት ግን እቲ በዓል ከኽብሩዎ እንተኾይኖም ውሕስንኦም ዘረጋገጸሎም ሕገ መንግስቲ ክኽበር ኣለዎ ብምባል'ዩ ክኸውን ዝግባእ"

ካብ ብሄረሰብ ኦሮሞ

ጽልዋ በብኸባቢኡ ዝለዓሉ ሕቶታት መንነት

ካብቶም ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ናብዚ፡ በብኸባቢኡ ዝለዓሉ ዘለው ሕቶታት ዓርሰ ምሕደራን መንነትን፡ ትርጉም ምኽባር እዚ በዓል ኣብ ምህሳስ ጽልዋ ከይህልዎም ይስጋእ።

ኾይኑ ግን፡ መሰል ሕቶታት እቲ በዓል ብምኽባሩ ወይ ብዘይ ምኽባሩ ዝተርፉ ወይ ዝለዓሉ ኣይኮኑን ብምባል ምስዚ ስግኣት ከም ዘይሰማማዕ ዶክተር ኣወል የልዕል።

መሰረታዊ ትካላዊ ለውጢ እንተዘይተገይሩ ቐጸልቲ ምኻኖም ብምግላጽ፡ ብሄር ብሄረሰባት፡ ዓርስኹም ምምሕዳር ትኽእሉ ኢኹም ተባሂሎም፡ ዓርሶም ኣብ ክንዲ ምምሕዳር መሳርሒ ኾይኖም የገልግሉ ምንባሮም ዝፈጠሮ ሓርፋፍ ርክባት ዝወለዶ ምኻኑ ይዛረብ።

ሙሁር ፌደራሊዝም ናሁሰናይ በላይ ግን፡ እዞም ሕቶታት ዲሞክራሲያዊ'ምበር ምብትታንን ምፍልላይን ማለት ከም ዘይኮነ ምግንዛብ ኣገዳሲ'ዩ ይብል።

እቲ ሕዚ ዘሎ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ግን እዞም ሕቶታት ዘተኣናግደሉ ዓቕሚ ኣለዎ'ዩ ኢለ ኣይሓስብን ዝብል ዶክተር ኣወል፡ ካብ መሰረቱ ንምፍታሕ ክስራሕ ኣለዎ ብምባል፡ ስለዝኾነ መንግስቲ እዚ በዓል እንተኽብር እዞም ህሉወ ዝኾኑ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን እዚ ዓመት፡ ንዝፍጠሩ ዘለው ጸገማት፣ ንዝበጽሐ ስቓይን ንዝሞተ ህዝብን እንሓስበሉ፡ እቲ ተስፋ ዝተውሃቦ ከይዲ ስግግር ዘጠናኽሩ ኩነታት ምፍጣር እንተድኣ ተኻኢሉ ጽቡቕ ዕድል ክኸውን ከም ዝኽእል የመልክት።

ካብ ብሄረሰብ ጋሞ

ግደ ዜጋታት

ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር ትጽቢት ዝግበረሉ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፡ ንገሊኡ ከምቲ ልሙድ ብዙሕነት፣ ሕብረ ብሄራውነተን ሓድነትን ህዝብታት ከንጸባርቅ ዝብል ተስፋ እንተሃለዎ፡ ሃገራዊ ምርግጋእ ኣብ ዘይብሉ ህሞት ብምዃኑ ትርጉም ኣይክህልዎን ዝብል ስግኣት'ውን ግን ኣይተስኣነን።

ካብዚ ዕንክሊል ንምውጻእ፡ ዜጋታት እዚ በዓል እንተኽብሩ፡ ንብሄራዊ ሓርነቶምን ክብሮምን ጠጠው ብምባል እቲ ሕገ መንግስቲ ከኽብሩዎ ክኽእሉ ኣለዎም ይብል ናሁሰናይ በላይ።

"ዝኾነ በዓል ጉልበት እናመጽአ እዚ ግበሩ ኣይትግበሩ፡ ዝብሎም እንተኾይኑ፡ ፖለቲካዊ ናጽነቶም፣ ክብሮም፣ መንነቶም ኣሕሊፎም ሂቦም ማለት'ዩ። እዚ እንተኾይኑ ሕገ መንግስቲ ክፈርስ ከሎ ስቕ ኢሎም ይርእዩ አለው ማለት'ዩ። ኩሉ ህዝቢ እቲ ሰነድ ብምሕላው'ዩ እቲ በዓል ክገልጾ ዝግባእ።"

ንዝሓለፉ ዓመታት ዝተኸበሩ በዓላት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይፍለጡ፣ ባህሎም ዘይርኣይ ህዝብታት ዕድል ክረኽቡ ገይሩ'ዩ ዝብል ዶክተር ኣወል ብወገኑ፡ ብዙሕነት ኣብ ምንጽብራቕ'ኳ እጃም እንተነበሮ፡ ብዓብላልነት ግን እቲ በዓል ንፖለቲካዊ ከስቢ መንግስቲ እዩ ዝውዕል ነይሩ ክብል ይነቕፎ።

መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ንምኽባር፡ ብርክት ዝበሉ ብሄረሰባት ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም