ኤርትራ፡ ኣብ ቅድድም ብሽክሌታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ብክልቲኡ ጾታታት ተዓዊታ

ምንጪ ስእሊ, Twitter/Yemane G.Meskel
ኤርትራ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕረ ቀትሪ ዝጀመረ ፈላሚ ኣህጉራዊ ውድድር ዋንጫ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ናይ ግዜ ናይ ጋንታ ውድድር ብክልቲኡ ጾታታት ወርቂ መዳልያ ረኺባ።
ኣብ ውድድር ግዜ ( ክሮኖሜተር ) ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ፡ ሃገራውያን ጋንታታት ርዋንዳን ኢትዮጵያን ንኤርትራ ተኸቲለን ካልኣይትን ሳልሰይትን ኮይነን ውድድረን ዛዚመን።
ኣብ ውድድር ግዜ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ሃገራውያን ጋንታታት ኢትዮጰያን ደቡብ ኣፍሪቓን ንኤርትራ ስዒበን ካልኣይትን ሳልሰይትን ኮይነን ውድድረን ዛዚመን።
ዋንጫ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ካብ ሎሚ ረቡዕ ዕለት 21 ሕዳር ክሳብ ሰንበት 25 ሕዳር 2018 ኣብ ኣስመራ ክካየድ።
እዚ ውድድር፡ ብምትሕብባር ፌደሬሽን ብሽክሌታ ኤርትራን ኮንፈደሬሽን ብሽክሌታ ኣፍሪቃን ዝዳሎ ኮይኑ፡ ኤርትራ ነዚ ኣህጉራዊ ውድድር ንፈላማ ተአንግዶ ከም ዘላ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Twitter/Yemane G.Meskel
እዚ ብኽልቲኡ ጾታ ዝካየድ ውድድር ተሳተፍቲ ሃገራት ብጀካ ናይ ኣየር ትኬት ወጻኢታት ዝተረፈ ኩሉ ብኤርትራ ከም ዝምወል ተፈሊጡ'ሎ።
ኣብዚ ውድድር'ዚ ሃገራዉያን ጋንታታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ርዋንዳ ፡ግብጺ፡ ናይጀርያ፡ ሲሸልስ፡ በኒንን ደቡብ ኣፋሪቓን ከምዝሳተፋ ተሓቢሩ ጸኒሑ እዩ።
እዚ ፈላሚ ዋንጫ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ወግዓዊ መኽፈቲ ተገይርሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







