ኢ/ር ግደይ ዘርኣፅዮን፡ ኣብ ሚድያ ዝቐረበ ሓሳብ ዝተዛበዐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም

ኣቦ መንበር ውድብ ዴሞክረሲያዊ ሕብረት ትግራይ ኣይተ ግደይ ዝርኣፅዮን፡ ኣብ ጉዳይ ወልቃይትን ራያን ካብ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ንዝቐረበሎም ሕቶ ዝሃብዎ መልሲ ኣቀራርብኡ ትኽክል ከም ዘይነበረ ተዛሪቦም።

ጋዜጠኛ እቲ መፅሄት ነቲ ዝሃብዎ ሓሳብ ከም ኣርእስቲ ኣጉሊሑ ዘቕረበሉ ኣገባብ ጌጋ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።

"እቲ ኣነ ዘቕረብክዎ፡ እቶም ኣብ ክልላት ዝረኣዩ ጎንፅታት፡ ብፍላይ ብወልቃይት ዝነበረ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ስለዝኾነ: መንግስታት ክልትኤን ክልላት ክፈትሕዎ ምተገበአ ዝብል'ዩ" ኢሎም።

ብእዋኑ ክፍታሕ ብዘይምኽኣሉ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ይውፃዕ፣ ይፈናቐል፣ ንብረቱ ይዓኑን መገዲታት ይዕፀዉን ስለዘለዉ፡ ህዝቡ ይጥቃዕ ዘሎ መንግስቲ ትግራይ ነቲ ጉዳይ ናብ ፌደራል ንከቕርቦ ሓሳብ ከም ዝሃቡ ኣዘኻኺሮም።

"ይኹን ደኣ'ምበር ኣብ ኣቀራርባ ናይቲ ጋዜጣ፡ ንጉዳይ ራያ መዚዝካ ናብ ቅድሚት ብምምፃእ ዝተሰርሐ ስራሕ ትኽክል ኣይኮነን" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ቅርትኦም ናብቲ ጋዜጣ ኣቕሪቦም እናተዘራረቡሉ እዮም።

ቁጠዐ ህዝቢ

ኣይተ ግደይ፡ ምስቲ ጋዜጣ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት ናብ ህዝቢ ምስቀረበ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ቁጠዐ ፈጢሩ'ዩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀንዩ።

"ብወገን ተጋሩ ዝቐረበ ተቓውሞ፡ 'ህዝቢ ራያ ዓዘቦ ዘቕረቦ ሕቶ የለን፤ ንምንታይ ክፍታሕ ኣለዎ ኢልኩም ትሓቱ' ዝብል" ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።

ይኹን ደኣ'ምበር ከምዚ ዝበለ ሕቶ ከምዘይሓተቱ ብምሕባር "በቶም ዝፍጠሩ ጎንፅታት ህዝቢ ትግራይ ይህሰ ስለዘሎ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብቲ ጉዳይ ኢዱ ከእቱ ኣለዎ ዝብል ኣረኣእያ ነይሩና፤ ነዚ ድማ ኣዛቢዖም ኣቕሪቦሞ" ኢሎም።

ነቲ ተዛቢዑ ዝቐረበ ሓሳብ ዝሰምዐ ህዝቢ ቁጥዕኡ ክገልፅ ትኽክል'ኳ እንተኾነ፡ ንህዝቢ ትግራይ ዘቖጥዕን ይቕረታ ዘሕትትን ሓሳብ ከም ዘይሃቡ ግን ኣረጋጊፆም።

ቅዋም

ኣብቲ ጉዳይ ዘለዎም ውልቃዊ መርገፅን ናይ ውድቦም ቅዋምን ብዝምልከት ንኣቦ መንበር ዴሞክረሲያዊ ሕብረት ትግራይ ሕቶ ኣቕሪብናሎም ነይርና።

"ሕቶ መንነት ካብ ህዝቢ ክመፅእ ዘለዎ ሕቶ እዩ። ንሕጊ ተኸቲሉ ዝመፀ እንተኾይኑ ውሳነ'ውን ናይ ህዝቢ እዩ" ዝበሉ ኣይተ ግደይ፡ ክሳብ ሕዚ ግን ንሕጊ ተኸቲሉ ዝቐረበ ሕቶ ከም ዘየለ ንመግለፂ ባይቶ ፌደሬሸን ብምፅራሕ ገሊፆም።

መርገፂ ውድቦም (ሰልፎም) "ህዝቢ ናይ በዓሉ ሕቶ መንነት ከልዕልን ክውስንን ዘለዎ በዓሉ ክኸውን ኣለዎ" ዝብል ከም ዝኾነ ነጊሮምና።

እቲ ኣካይዳ'ውን ሕገ-መንግስቲ ብዘቐመጦ ኣካይዳ ክቐርብ ከም ዝግባእ ሓቢሮም።

ነቲ ጉዳይ ገና ብዕሙቈት ከምዘይረኣይዎ ብምግላፅ፡ "ክሳብ ሕዚ ዝቐርብ ዘሎ ግን ካብቲ ህዝቢ ካብ በዓሉ ስለዘይኮነ፡ ናይቲ ህዝቢ'ዩ ኢልና ክንቕበሎ ኣፀጋሚ እዩ" ኢሎም።

ክሳብ ሕዚ ይለዓሉ ዘለዉ ሕቶታት ኣመልኪቶም እንትዛረቡ ድማ "ብወግዓዊ መገዲ ካብቲ ህዝቢ ተላዒሉ ተባሂሉ፡ ኣካይዳ ተኸቲሉ፡ ናብቲ ሕጋዊ ዝኾነ መድረኽ ዝበፅሐ ኣይኮነን። ስለዚ ሕቶ ህዝቢ'ዩ ኢልና ክንድግፎ ንኽእል ኣይኮነን" ኢሎም።