ፖሊስ ፌደራል፡ ነታጒ ዝሓዙ ጥርጡራት ረኺበ ኢሉ

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተካደ ሰልፊ ሓሙሽተ ሰባት እንትቕተሉ፤ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ብጥይት ከምዝቖሰሉ ፖሊስ ፌደራል ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ኮሚሽነር ፖሊስ ኮሚሽን ፌደራል ጀነራል ዘይኑ ጀማል፡ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ብዙሕ ሰብ ሓሳቡን ስምዒቱን ክገልጽ፡ ናብ ኣደባባያት ዝወጽአ እንትኾን፡ ብሰላማዊ መገዲ ዋኒኑ ወዲኡ ተመሊሱ'ዩ ኢሎም።

ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ዝኾነ ዓይነት ናይ ምብታን ስጉምቲ ከይወሰዱ ተዛዚሙ'ዩ፤ ዉሑዳት ሓይልታት ግና ዝንባልኦም ካልእ ከምዝነበረን ገሊኦም ቦንባ ሒዞም ዝወጽኡን ኣብትሕቲ ቑጽጽር ክመዝወዓሉን ሓቢሮም።

ኣብ ከባቢታት መርካቶን ፒያሳን ዝተዋፈሩ 'ሓደገኛ ቦዜኔታት' ድማ ክሰርቑ ከምዝፈተኑ ብምግላጽ፡ ዉሑዳት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ንምዉዓል ተገዲድና ኢና ኢሎም፡ ጀነራል ዘይኑ።

"ካልኦት ብጉጅለ ተወዲቦም ሓይልታት ጸጥታ ዝሓዙዎ መሳርሒ ክምንዝዑ ፈቲኖም። ካብ ሓደ ኣባል ፖሊስ ድማ ዝመንዝዕሉ ኣጋጣሚ ነይሩ። ነዚ ኣድላዪ ስጉምቲ ተወሲዱ። ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም፡ ካልኦት ድማ ቖሲሎም'ዮም" ኢሎም።

ብሓፈሻ እዚ ዕግርግር ኾነ ተባሂሉ፡ ዝተጀመረ ለዉጢ ንምትዕንቓፍ ዝተተለመ፡ ተሓሲቡዎ ዝተፈጸመ'ዩ ዝበሉ እቶም ኮሚሽነር፡ ፖሊስን ካልኦት ሓይልታት ጸጥታን ብዝገበሩዎ ጻዕሪ፡ ገበነኛታት ኣብ ቑጽጽር ምዉዓል ተኻኢሉ'ዩ።

"ብድሕሪ ሕዚ ግና ፖሊስ ምስዚ ጸገም ምትእስሳር ዘለዎምን ጥርጡራትን ክኣሪ'ዩ" ዝበሉ ጀነራል ዘይኑ፤ ልዕልነት ሕጊ ኣብ ዘይብሉ ናጽነት፣ ዲሞክራሲ፣ ሃገር ዝበሃል ነገር ስለዘይህሉ፤ ፖሊስ ልዕልነት ሕጊ ከኽብር'ዩ ኢሎም።

መብዛሕትኦም ሰልፈኛታት ናብ መስቀል ኣደባባይ ዘምርሑ ዘለዉ እንትኾን፡ ሓይልታት ጸጥታ ግና ይኽልክሉ ነይሮም።

እቶም ሰልፈኛታት ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኦሮሚያ የምርሑ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ብሓይሊታት ጸጥታ ፖሊስን ምክልኻልን ከምዝተዓገቱ ምንጪታት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እዞም ሰልፊ ተቓዉሞ ዘካይዱ ዘለዉ ዜጋታት፡ ኣብ ቡራዩ፣ ኣስኮን ካልኦት ከባቢታት ፍሉይ ዞባ ፍንፊኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጥቕዓት ዝበጽሖም'ዮም።

ትማሊ ኣብ ቡራዩን ገለ ኸባቢታትን ሞት፣ ምምዝባልን መጉዳእቲ ኣካልን ከምኡ'ዉን ምዕናዉ ንብረት ኣጋጢሙ'ዩ።

እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት፡ ብሄር ተኮር ጥቕዓት ከምዝኾነ ይግለጽ።

መንግስቲ እቲ ጥቕዓት ዝፈጸሙ ኣካላት ናብ ሕጊ ከምዘቕርብ ገሊጹ'ዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ከባቢ ኣብነት ዝርከቡ ትካላት ንግዲ ተዓጽዮም'ዮም ዘለዉ።

ግዳያት እቲ ጥቕዓት ኾይንና ኢና ዝበሉ ተወለድቲ ክልል ደቡብ፡ ብሄረሰብ ጋሞ፡ ብዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ እቲ ብሄረሰብ ዝፍጸም ዘሎ ጥቕዓት ጠጠዉ ክብል ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ንምምሕዳር ከተማ ኣርባ ምንጭ ቐሪቡ'ዩ።

ዝምልከቶም ኣካላት ኣድላዪ ሓለዋ ክገብሩን፡ ሓይሊ ጸጥታ እቲ ምምምሕዳር ኣድላዪ ድጋፍ ክገብርን'ዉን ሓቲቱ።