ኣብ ሊብያ ብኣሰጋገርቲ ተጨውዮም ዝጸንሑ 12 ስደተኛታት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, MSF
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣስታት 200 ዝኾኑ ኣብ ሊብያ ብኣሰጋገርቲ ተጨውዮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ሶማላውያንን ስደተኛታት ካብ ኢድ ጨወይቶም ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ካብቶም ጨወይቲ ብዝተተኮሰሎም ጠያይቲ እንተወሓደ 15 ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 25 ከም ዝቖሰሉ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝተባህለ ናይ ግብረሰናይ ማሕበር ሓቢሩ ነይሩ።
እቲ ላዕለዋይ ኮምሽን ቁጽሪ ናይቶም ዝሞቱ 12 ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ሓያሎ ሰባት ከም ዝቖሰሉ'ውን ገሊጹ'ሎ።
እቲ ፍጻመ ብ23 ግንቦት ኣብ ባኒ ዋሊድ ዝተባህለት ካብ ርእሰ-ከተማ ትሪፓሊ ንደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 180 ኪ/ሜ ሪሒቓ እትርከብ ንእሽተይ ከተማ'ዩ ኣጋጢሙ።
ሰብመዚ ሊብያ 140 ካብቶም ሃዲሞም ሂወቶም ዘድሓኑ ግዳያት ናብቲ ካብ ትሪፓሊ 28 ኪ/ሜ ንደቡብ ርሒቑ ዝርከብ ኣብ ባስር በን ጋሽር ዝበሃል ቦታ ዘሎ መዳጎኒ ማእከል ከም ዘሰጋገርዎም ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ካብቶም ግዳያት ብዙሓት ብዘይኣላዪ ዝተሰዱ ቆልዑት ከም ዝርከብዎም'ውን ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
ዛጊት ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ሓያሎ ከምዘለዉን ኣበይ ከምዘበሉ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑን ሓላፊ ናይቲ ትካል ኣብ ሊብያ፡ ሮበርቶ ሚኖነ ንቢቢሲ ትግርኛ ገሊጹ።
ኣብ ከባቢ ባኒ ዋሊድ ተሓቢኦም ወይ ኣብ ትሕቲ'ቶም ጨወይቲ ኣትዮም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ግምት ከም ዘለዎ እቲ ትካል ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, MSF
"ተመሊሶም ኣብ ኢድ እቶም ጨወይቲ እንተድኣ ኣትዮም ሕማቕ ከም ዘጋጥሞም ፍሉጥ'ዩ። ትካልና ብሰንኪ ናይ ጸጥታ ጸገም ናብቲ ቦታ ከይዱ ከጻሪ ዘይክእለሉ ኩነታት'ዩ ዘሎ፡ ስለዚ ዋላሓንቲ ክነግብር ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ኢድ ሰብመዚ'ታ ሃገር እንተድኣ ኣትዮም ግን ናብቲ መዳጎኒ ማእከል'ዮም ዘሰጋግርዎም" ይብል ሮበርቶ ሚኖነ።
ማሕበረሰብ ዓለም ንድሕነት ናይዞም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ምውሓስ ክሰርሕ ድማ እቲ ትካል ጸዊዑ።
ብመሰረት'ቲ ካብ ሓላፊ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ገለ ካብቶም ግዳያት ንኣስታት 3 ዓመት ተጨውዮም ዝጸንሑ'ዮም።
ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ጾታዊ፡ ኣካላዊን ስነ ኣእምሮኣዊ ዓመጻት ከም ዝበጽሖምን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡን፡ እቲ ትካል ኣድላዪ ዝኾነ ምኽርን ናይ መንነት ምጽራይ የካይደሎም ከም ዘሎን ሮበርቶ ሚኖነ ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት'ውን ተመሳሳሊ ፍጻመ ኣብቲ ቦታ ከም ዝነበረን ብሰንኩ እንተወሓደ 19 ካብቶም ስደተኛታት ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓያሎ ድማ ከም ዝቖሰሉ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







