"ናጽነትካ ዝሓለወ ቁጠባዊ ምትሕብባር ክፍጠር ኣለዎ" ዶክተር ተስፋማርያም

ባንዴራ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሎንደን ዩኒቨርሲቲ ግሪንች መምህር ስነ ቑጠባ ዶክተር ተስፋማርያም መሓሪ፡ መንግስቲ ኤርትራ ቅድም ክብል ምስ ሱዳን ብዝነበሮ ስግረ ዶብ ቁጠባዊ ምቅይያር ነቲ ህዝቢ ብምጡን ዋጋ መሰረታዊ ሸቐጣት ከቕርብ ይሕግዞ ከምዝነበረ ይዛረብ።

ሱዳን ኣብ ከባቢ ዶባታ ዝንቀሳቐሱ ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባትን ኣጽዋርን ፍቓድ ዘይብለን ተሽከርከርትን ካልኦትን ንምክልኻል ብዝብል ምስ ኤርትራ ዘራኽባ ዝነበረ ዶብ ከሰላ ካብ እትዓጽዎ ጸኒሑ ኣሎ።

እዚ ኣብ ማሕበረ ቑጠባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘሕድር ዝንገረሉ ጉዳይ፡ ጽልዋታቱ ኣብ ገለ ዕዳጋታት ኤርትራ ክርአ ከምዝጀመረ ይዝረብ።

መንግስታት መብዛሕቲአን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ብኣዉርኡ መሰረታዊ ሸቐጣትን እታወታት ኢንዳስትርን ካብ ወጻኢ ብምእታዉ ነቲ ታሕተዋይ ክፋል ሕብረተሰብ ብዝሓሸ ዋጋ ከቕርቡ ምርኣይ ዝተለመደ'ዩ።

ኤርትራ ምስ ጎረቤታ ዝኾነት ሱዳን ኣብ ዝነበራ ቑጠባዊ ርክብ ድማ ነቲ ባጤርኣ ዝምጥን መሻርፍ ብምቕራብ ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ሸቐጣት ትገብር'ኳ እንተነበረት እዚ ምኽንያት ምዕጻዉ እቲ ዶብ ከምዝኾነ ይዛረብ ዶክተር ተስፋማርያም።

"መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሱዳን እንትዕድግ ካብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋን ኣብ ዉሽጢ ሃገርን ዝሽየጠሉ ዝተፈላለየ ብምዃኑ መንግስቲ ኤርትራ ብልክዕ ናይ ሱዳናዉያን እንተድኣ ዝዕድጎ ኾይኑ ብዝሓሸ ዋጋ ንህዝቡ የቕርብ ኣሎ ማለት'ዩ።

ሱዳን ድማ "ንዜጋታትና ዝቐረብናዮስ ኤርትራዉያን ይካፈሉዎ ኣለው ዝብል ምኽንያት'ያ ኣቕሪባ" ይብል።

ኤርትራ ምስ ሱዳን ዝነበራ ስግረ ዶብ ቑጠባዊ ምቅይያር ዕዳጋታት ኣብ ምርግጋእ ኣገዳሲ ከምዝነበረ ዝገልጽ እዚ ሙሁር፡ እዚ ምዕጻዉ ዶብ ግና ምስቲ ኤርትራ ዘላቶ ቑጠባዊ ኩነታት ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል የቐምጥ።

ካልእ ምዕጻዉ ዶብ ሱዳን ንኤርትራ ኣሉታዊ ማሕበራዊ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ዘልዕል ዶክተር ተስፋማርያም፡ መንግስታት ተረዳዲኦም ንዜጋታቶም ክሓልዩ ከምዝግባእ ይዛረብ።

ጎቦታት - ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"እዚ ህዝቢ ብሓደ ዝነብር ሓደ ህዝቢ'ዩ። ሱዳን ብዙሓት ኤርትራዉያንን ኢትዮጵያዉያንን ዝሰግሩላ'ያ። እዞም መንግስታት ኣብ ዘይቃደዉሉ እቶም መዕቖቢ ዘይብሎም ኣብቲ ፖለቲካዊ መጣልዒ ይኣትዉ። እዚ ድማ ዝኸፍአ ማሕበራዊ ጸገም'ዩ ዝወልድ"።

ብምኽንያት እዚ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ድማ እቶም ኣብ ሱዳን ንምዕቋብ ዝኸዱ ኾነ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ኣብ መዋጥር ዘእቱ ሃዋህዉ ክፍጠር ከምዝኽእል ይገልጽ እዚ ሙሁር።

"ካብ ታሪክ ከምእንመሃሮ መንግስቲ ሱዳን እቶም ስደተኛታት ንመንግስቲ ይድግፉ'ዮም እንተይሉዎም ብሕማቕ ክኣልዮም'ዩ ማለት'ዩ። ዝቃወሙ'ዮም እንተይሉዎም ድማ ይሕብሕቦም። እቲ ሓደ ከም ዜጋታት ክንሓቶ እንኽእል ግና መንግስታት ዝሓልፉ'ዮም። ብሓደ ዝነበረ ህዝቢ ስለዝኾነ ኣይትበድሎዎ ኢልና ኢና እንጽዉዕ" ይብል።

ዞባዊ መፍትሒ

ዶክተር ተስፋማርያም ከምዝዝብሎ እቲ ቀንዲ ዕብይ ዝበለ ዞባዊ ናይ ሓባር ረብሓ ዝሓስብ ናይ መንግስታት ምርኻብ ክመጽእ ኣለዎ። ኣብዚ ቐጠና ዝርከባ ሃገራት ናብ ምስሕሓብ ዝኣትዋ ናይ ገዛእ ርእሰን ቅሳነት ስለዘይብለን'የን'የ'ዩ ክብል ሙሁራዊ ሓሳቡ ይህብ።

ኮይኑ ግና ሓንቲ ብዘይካ እታ ካልአይቲ ክትዓብን ህልዉንኣ ክተረጋግጽን ዝከኣላ ስለዘይኾነ፡ ናጽነትኻ ዝሓለወ ቑጠባዊ ምትሕብባር ክፍጠር ከምዘለዎ ይምዕድ።

"ኣንጻር ነቕጺ ተበጊሱ ዝነበረ ኢጋድ፡ ድርቂ ካብ ፖለቲካ ንላዕሊ ዝፍትነና ጸገም ስለዝኾነ ንሕበር ኢሎም እቶም መራሕቲ ተላዒሎም'ኳ እንተነበሩ ኣብ ሞንጎ ዘጋጠመ ኲናት ስዒቡ ግና እቲ ትካል ተሃስዩ'ዩ።"

"ኩለን ሃገራት እቲ ዞባ ግና ንበይንና ክንቕመጥ፣ ቅሳነት ክህልዋነ ይኽእል'ዩ ዝብል ኣረኣእያ ነጺገን፡ ኩላትና ዉሽጣዊ ዲሞክራሲና እነኽነብር ነጻ ሃገር ኢና ኢለን ናይ ሓባር ኣረኣእያ ክፈጥራ፣ ቑጠብአን ከዐንቅፋ፣ ምዝዉዋር ሰባት ክዓግታ የብለንን።

ስለዚ ናጽነትኻ ዝሓለወ ቑጠባዊ ምትሕብባር ክፍጠር ኣለዎ" ይብል ዶክተር ተስፋማርያም መሓሪ መምህር ስነ ቑጠባ ግሪኒች ዩኒቨርሲቲ።