"ልምዓት ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ስትራተጅካዊ ፀገም ኣመራርሓ ነይሩና"፡ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

ምንጪ ስእሊ, ABB
ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብቲ ብዕምቆት የካይዶ ኣለኹ ዝበሎ ገምጋም ድኽመታት እቲ ውድብ ዝበሎም ዘርዚሩ'ሎ::
ብመሰረት እቲ መግለፂ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ ኣብ ቃልሲ ዝተመስረተ መትከላዊ ሓድነት ከምዘይብሉ: ኣብ ምጥቕቓዕን ምክልኻልን ዝተመስረተ ዝምድና ከምዘለዎ: ፀረ-ዴሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ከምዝዓሰሎ: ዓቕምታት ምሁር መንእሰይ ወለዶ ኣብ ምህናፅን ምጥቃምን መሰረታዊ ጉድለት ከምዘለዎን ምስ ናይ ቃልሲ መሓዙቱ ዝነበሮ ርክብ ፀገማት ከምዝነበሮን ብዕምቆት ገምጊመ ኣለኹ ኢሉ።
እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ልምዓት ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ስትራተጅካዊ ፀገም ኣመራርሓ ከምዘለዎ እውን ኣሚኑ'ሎ።
ከምኡ'ውን "ኣብ ሃገርና ተፈጢሩ ዘሎ ንሕገ-መንግስታዊ ስርዓትና ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ዝንባለታትን ተግባራትን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ብፅሒት ከምዝነበሮ ኣብ ምርድዳእ በፂሑ" ክብል ኣሚኑ።
ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ገምጋምን ምንቕቓፍን ኣብ በዓል መን? እንታይ ብጭቡጥ ስጉምቲ ተወሲዱ? ዝብል ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ብግልፂ ከቕርብ እየ እንትብል ተመፃቢዑ'ሎ ማእከላይ ኮሚቴ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







