ምርጫ ጀርመን፡ መርከል ንራብዓይ ግዜ ተዓዊተን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል ንራብዓይ ግዜአን ተመሪፀን። እቲ ዝወከለኦ ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራቲክ ( CDU) ግና ኣብ ታሪኽ 70 ዓመት ተራእዩ ዘይፈልጥ ትሑት ድምፂ ረኺቡ።
ተወዳዳሪ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራቲክ ምስ ኣሓት ሰልፍታት ብምዃን ንመርከል ከም ዝቃለሰን ኣፍሊጡ ።
እዚ ውፅኢት መረፃ ንመርከል ዝህልዎ ትርጉም እንታይ እዩ?
- ሲ.ዲ.ዩ - 33%
- ኤስ.ፒ.ዲ - 22%
- ኤ.ኤፍ.ዲ - 12.6%
- ፍ.ዲ.ፒ - 10.7%
- ግራ ዘመም ፓርቲ - 9.2%
- ግሪን ፓርቲ - 8.9%
ን12 ዓመታት ዝሰርሓ ኣንገላ መርከል፡ ንህዝበን ዝሐሸ ለውጢ ከምጽኣ ከም ዝሰርሓ ገሊፀን።
" ን 12 ዓመታት ሰሪሐ እየ፡ ዝበለፀ ውፅኢት ከምፅእ ከኣ ተስፋ ገይረ ነይረ" ክብላ መርከል ንደገፍተን ገሊፀን።
ንሰልፈን፡ ናይ ዘይመረፁ ሰባት ስግኣትን ጭንቀትን ብምምልካት፡ ዝሰኣንኦ ድምፂ መሊሰን ንምርካብ ከምዝሰርሓ ሓቢረን።
ሓበሬታ ሪፖርተር ቢቢሲ ጄኒ ሂል፡ ኣንገላ መርከል ንኣስታት 900,000 ስደተኛታት ክቕበላ በረን ብምኽፋተን ትሑት ውፅኢት መረፃ ከምዝረኻባ ይገልፅ።
ድሕሪ 1950፡ ቤት ምኽሪ ጀርመን ሽዱሽተ ሰልፍታት ዝሳተፍሉ ቤትምኽሪ ክህልዎ እዩ። ይኹን እምበር ሓሙሽቲኦም ሰልፍታት ምስ ሰልፊ ኤ.ኤፍ.ዲ ክሰርሑ ከም ዘይደልዩ ኣፍሊጦም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







