እስራኤል 'ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ስርዓት ኣፓርታይድ ተሰጉም ኣላ'- ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንግስቲ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ኮነ ኣብ ዝተቖጻጸሮም ግዝኣታት ኣንጻር ፍልስጤማውያን ዘሰጉሞም ሕግታት፣ ፖሊሲታትን ስጉምትታትን ዳርጋ ናብ ኣፓርታይድ (ዓሌታዊ ኣድልዎ) ይጽጋዕ ከምዘሎ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቢሩ።
በቲ ዓለምለኻዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዝተዘርግሐ ሓድሽ ጸብጻብ፡ እስራኤል “ረብሓታት ኣይሁድ እስራኤላውያን ክትዕቅብ ብምህቃን ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝተወደበ ጭቆናን ዕብለላን ትገብር ኣላ” ክብል ኣመልኪቱ።
ኣፓርታይድ (ዓሌታዊ ኣድልዎ) ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ከም ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት’ዩ ዝቑጸር።
እስራኤል፡ "ነዚ ናይ ሓሶት ክስታት ፈጺመ ኣይቕበሎን“ ክትብል ከምዝነጸገቶ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ “ነቶም ዝተለመዱ ሓሶታት፣ ነሓድሕዶም ዘይቃደዉ፣ ጸረ-እስራኤል ዝኾኑ ፍሉጣት ትካላት ንዘመንጭውዎም መሰረት ዘይብሎም መግለጺታት” ኣምነስቲ ደጊሙ የጋውሕ ምህላዉ ከሲሱ።
“እስራኤል ናይ ኣይሁዳውያን ኮይና ክትቕጽል መሰል ከምዘለዋ ዝኸሓደ” ክብል ድማ ነቲ ብኣምነስቲ ዝወጸ ጸብጻብ ነቒፉ።
ነቲ ጸብጻብ ብጽቡቕ ዝተቐበለ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፍልስጤም ብወገኑ፡ “ነቲ ዘሎ ዓሌታውነት፣ ምግላል፣ ጭቆና፣ መግዛእቲ፣ ኣፓርታይድን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም ዘንጸላለወ ጽንተትን” ክብል ንኢድዎ።
ኣፓርታይድ፤ እቲ ካብ 1948 ክሳብ 1991 ኣብ ዝነበረ እዋን ብውሑዳት ጸዓዱ ዝተዓብለለ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ብዙሃን ጸለምቲ ዝኽተሎ ዝነበረ ፖሊሲ ዓሌታዊ ምጉናይን ኣድልዎን ከምዝኾነ ይፍለጥ።
ካብ ሞንጎ እቶም ንኣፓርታይድ ዘውግዙ ሰለስተ ዓለምለኸ ስምምዓት ከኣ እቲ ኣብ 1973 ዝተደንገገ ውዕል ኮይኑ፡ “ዕብለላ ሓደ ዓሌት ንምርግጋጽ ዝፍጸም ተግባር” ክብል ይገልጾ።
“ናይ ሓደ ጉጅለ ዓሌት ልዕልና ኣብ ልዕሊ ካልእ ጉጅለ ዓሌት ንምጽዓን ወይ ዕብለላ ንምርግጋጽ ስልታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ዝፍጸም ኢሰብኣዊ ተግባር” ይብሎ።
ካብቲ ልዕሊ 9.4 ሚልዮን ህዝቢ እስራኤል እቶም ልዕሊ 20 ሚኢታዊት ኣዕራብ ከምዝኾኑን ንብዓሎም እስራኤላውያን ምዃኖም ከምዝገልጹን ይሕበር።
2.9 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ኣብ ዌስት ባንክን ምብራቕ እየሩሳሌምን ይነብሩ። ካልኦት 1.9 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ድማ ኣብ ጋዛ ይርከቡ።
ኩሎም እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ከምዝኾኑን ብዓሌት ወይ ሃይማኖት ኣፈላላይ ከምዘይግበርን ይግለጽ።
ጸብጻብ ኣምነስቲ ግን እስራኤል ንፍልስጤማውያን “ከም ትሑታት ዘይኣይሁዳውያን ዓሌት” ከምእትቖጽሮም ኣብቲ ሎሚ ዘውጽኦ ጸብጻቡ ደምዲሙ’ሎ።
እቲ ወጽዓ ድማ ስልታውን ትካላውን ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ትሕቲ ሕጊ፣ ፖሊሲታትን ልምዲታትን ከምዝፍጸሙ ኣረዲኡ።
ዜግነትን መንበሪ ፍቓድን ከምዝኽልከሉ፣ ቤተሰብ ክህልዎም ዘይምፍቃድ፣ ኣብ ዝገብርዎ ምንቅስቓሳት ከቢድ ማዕቐባት ምድንጋግን ኣግላይ ዝኾነ ክፍፍል ሃብትን ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝፍጸሙ በደላት ከምዝኾኑ ጸብጻብ ኣምነስቲ የመልክት።
“እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ግዱድ ምዝውዋር ሰባት፣ ማእሰርትን ስቅያትን፣ ዘይሕጋዊ ቅትለትን ከበድቲ ኣካላዊ መጉዳእትታትን ምግዳብ መሰረታዊ ናጽነታትን ከምዝፈጸመት” ይኸስስ።
ሚልዮናት ፍልስጤማውያን ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ክነብሩ የብሎምን ዝበለት ዋና ጸሓፊት ኣምነስቲ ኢንርናሽናል ኣንገስ ካላማርድ “ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ኣፓርታይድ ክግንዘቦ ይግባእ” ኢላ።
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ያኢር ላፒድ፡ “ኣምነስቲ ነታ ፍርቂ ሚልዮን ዜጋታታ ብመንግስቶም ዝቐተሉላ ሶርያ ወይ ኢራን፤ ከምኡ ድማ ነተን ብልሽዋትን ቀተልትን መራሕቲ ዘለውወን ሃገራት ኣፍሪቃ ‘ናይ ኣፓርታይድ ሃገር’ ኣይበለን" ክብል ወቒሱ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







