ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ካሜሩን እተካይዶ ግጥም ንምርኣይ ኣብ ዝተፈጠረ ምጽቕቓጥ ብውሕድ 8 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሃገራውያን ጋንታታት ካሜሩንን ኮሞሮስን ንዘካየድኦ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምርኣይ ኣብ መእተዊ ስታድየም ብዝተፈጠረ ምጽቕቓጥ ብውሑድ 8 ሰባት ከምዝሞቱን ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ተሓቢሩ።
ነቲ ግጥም ንምርኣይ ናብ ስታድየም ፖል ቢያ ክኣትዉ ዝደለዩ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ከቢድ ምጽቕቓጥ ከምዝነበሩ ዝተፈነዉ ቪድዮታት የርእዩ።
ካብ ሞንጎ እቶም ዝሞቱ ሰባት ሓደ ህጻን ከምዝርከቦም፡ ኤኤፍፒ ንሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
ካልኦት ብዙሓት ህጻናት'ውን ውኒኦም ስሒቶም ከምዝነበሩ ተገሊጹ'ሎ።
እቲ ስታድየም 60 ሽሕ ሰባት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ እንተነበሮ'ኳ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ግን ካብ 80 ሚኢታዊት ዓቕሙ ከይሰግር ተኣጊዱ ነይሩ።
ኣተሓባበርቲ እቲ ግጥማት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ድማ፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ናብቲ ስታድየም ንምእታው ከምዝፈተኑ ኣረዲኦም።
ኣብቲ ስታድየም ዝነበረት ጋዜጠኛ ሊዮሳዲያ ቦንግበን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ሰባት ዓውዓው ክብሉ ጀሚሮም። ሽዑ ናብቲ ስታድየም ኣምቡላንስ መጺኣ። ናብቲ ቦታ ተጸጊዕና ክንርእይ እንተፈተንና'ኳ ፖሊስ ግን ናብቲ ምጽቕቓጥ ዝተፈጠረሉ ቦታ ከቕርቡና ኣይከኣሉን" ኢላ።
ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ናይ ዝሞቱ 8 ሰባት ዝርዝር ከምዝበጽሓ'ውን ገሊጻ።
ነቲ ጸዋታ ክከታተል ኣብ ስታድየም ዝተረኸበ ጋዜጠና ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኒክ ካቪል፡ "ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓበሬታ ክሳብ ዝዝርጋሕ ኣብ ውሽጢ ዝነበርና ሰባት ኣይሰማዕናን ኔርና" ይብል።
ብዙሓት ጫማታትን ካልኦት ስብርባር ነገራትን ኣብ ጥቃ መእተዊ እቲ ስታድየም ከምዝረኣየ ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።
ላዕለዋይ ተቖጻጻሪ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ - ካፍ - ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ሓደጋን መንቀሊኡን ብዝምልከት ምጽራይ የካይድ ምህላዉ ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣብቲ ናይ ትማሊ ግጥም ምስ ኮሞሮስ ዝተራኸበት ካሜሩን 2 ብ 1 ስለዝተዓወተት ናብ ርብዒ ፍጻመ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ'ላ።
ብሰንኪ ኮቪድ ሰለስተ ሓለውቲ ልዳት ዝርከብዎም ብዙሓት ተጻወትታ ክተሰልፍ ዘይከኣለት ኮሞሮስ፡ ኣብ ክፍሊ ምክልኻል ንዝጻወት ቻካር ኣልሃድሁር ናይ ሓላዊ ልዳት ቦታ ክትክእ ብምግባር'ያ ናብ ሚዳ ኣትያ።
ነቲ ጸዋታ ብዋና ዳኝነት ዝመርሐ ኢትዮጵያዊ ባምላክ ተሰማ ኣብ ውሽጢ 6 ደቒቓ ንሓደ ናይ ኮሞሮስ ተጻዋቲ ብቐይሕ ካርዲ ከምዘውጽአ ተፈሊጡ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







