ጆይ ክሩከስ፡ ናጽነት ባንግላደሽ ንዓይ እንታይ ትርጉም ኣለዎ?

ጆይ ክሩክስ

"ብዘይ ደም መዓርግ ኮነ ስም የልቦን። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኣብቲ ኵናት ብዙሓት ካብ ኣባላት ስድራ ቤተይ ሞይተሙኒ እዮም"።

ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ይገብር፡ ባንግላደሽ ድሕሪ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ዝቐዘፈን ካልኦት ሚልዮናት ዘመዛበለን ከቢድ ኵናት ካብ ፓኪስታን ተፈልያ ናጽነታ ተጎናጺፋ።

ነታ ካብ ባንግላዊት ኣደን [ካብ ባንግላዴሽ] ኣይሪሻዊ [ኣየርላንዳዊ]ኣቦን ዝተወልደት ድምጻዊት ጆይ ክሮይ ወርሒ መጋቢት ፍሉይ ስምዒት እያ ትፈጥረላ።

"ብመንነተይ ኩርዕቲ እየ ። እዚ ናይ መጀመርታ ተመክሮይ ኣይኮነን። ከም ካልኣይ ወለዶ ባንጋሊ (ባንግላዴሽ) እቲ ህይወት መዓልታዊ እየ ዝነብሮ፤ ንጥፈታተይን ዝዛረበሉ መገድን ብዙሕ እዩ "ክትብል ንሬድዮ ዋን (1) ኒውስ ቢት ሓቢራ ።

"እቲ ኵናት፡ ብወገን እንዳ ኣደይ፡ ብዙሓት ካብ ኣባላት ስድራና ስለዝወሰደ፡ ናብ እንዳ ኣደይ ገጸይ ዛዝየ። ብህይወት ብምህላወይን ብድምጸይን ብሙዚቃን ነቲ ዛንታ ክነግር ብምብቀዐይን ኣዝየ ሕጉስቲ እየ።"

እታ ጓል 22 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብቲ መርበብ ኤሽያ ቢቢሲ፡ ጽንብል ናጽነት 50 ዓመት ባንግላዴሽ ንምብዓል ኣብ ዘዳለዎ ሙዚቃዊ ምርኢት ቤንጋሊ ንፈለማ ግዜ ባህላዊ ምርኢት ኣቕሪባ።

ጀይ ኣብ ቤንጋሊ ቛንቋ ክትመሃር ዘሕለፈቶ ግዜ "ኣዝዩ ኣገዳስን ዓብዪ ዓወትን" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብቤንጋሊ ምርኢት ምቕራባ ከምዘሐጎሳ ትገልጽ።

"ሓንቲ ሃገር ናጽነታ ንምርካብ ክትቃለስ ከላ፡ ህዝባ ነጻ ንምውጻእ ጥራሕ ኣይኮነትን ትቃለስ። ስነ-ጥበባታ፡ ሙዚቃኣ፡ ዛንታኣ፡ ግጥምታታ፡ ድምጻ እውን ነጻ ንኸተውጽእ እያ ዋጋ ትኸፍል።" ትብል።

እታ ቤንጋላዊት መንእሰይ፡ ኣብ ምዕራብ ኣብ ዝርከብ መድረኽ ብቋንቋኣን ተስፍኣን ምርኢት ምቕራባ ንብዙሓት ስነ ጥበበኛታት ከምዘተባብዖምን፡ "ካብቲ ባርዕ ውግእ ሽግ ሓርነት ከም ምጻር" ኰይኑ እዩ ዝስምዓ ።

"ስድራ ቤትና ንሕና [ደቆም] ኣብዚ ዘለናዮ ደረጃ ንክንህሉን። ብባህልና ኽንኮርዕን ከይተሰከፍና ብቛንቋና ኽንዛረብን እዮም ተቓሊሶም" ትብል።

ኵናት ናጽነት ባንግላዴሽ 1971

ምብራቕ ፓኪስታናውያን (ደሓር ባንግላዲሽ ዝዀነት) ንገዛእ ርእሳ ክትመሓደር ምስ ኣድመጸት፡ ምዕራብ ፓኪስታን ግብረ መልሲ ንምሃብ ሰራዊታ ስለዝለኣኸት እዩ እቲ ግጭት ተባሪዑ።

ብኣሽሓት ዝቝጸራ ኣንስቲ ተዓሚጸን፡ ተማሃሮ ዩኒቨርሲትን ፕሮፌሰራትን መጥቃዕቲ ወሪዱዎም። ኣስታት 10 ሚልዮን ዝዀኑ ኣብ ምብራቕ ፓኪስታን ዝነብሩ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ናብ ህንዲ ክሃድሙ ተገዲዶም።

ህንዲ ንህዝቢ ምብራቕ ፓኪስታን ንምድጋፍ ኣብቲ ኵናት ተሳቲፋ። ኣብ መወዳእታ ሃገረ ባንግላዴሽ ነብሳ ከተመሓድር ናጽነታ ተጎናጺፋ።

ቁጽሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት ንጹር ኣይኰነን። ባንግላደሽ፡ እቲ ጃምላዊ ቅትለት ከም ምጽናት ዓሌት ከምእትርዮን ክሳብ ሰለስተ ሚልዮን ሰብ ከምዝሞታን ክትገልጽ እንከላ፡ እቶም ነጻ ዘይሻራውያን መርመርቲ ግን ክሳዕ 500,000 ዝበጽሕ ሞት ከም ዘጋጠመ ገሊጾም ።

"ንክትስማዕ፡ ድምጽኻ ክሳብ እቲ ክኸዶ ዝኽእል ርሕቀት ከተድምጾ ኣለካ"

ጆይ ክሩክስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንጀይ ባህሊ ዓዳ ብሕታዊ ምርጫኣ እዩ፡ ፍሉይ ባህታ ከኣ ይፈጥረላ።

"ድምጻዊት ንኽትከውን ብደርፍን ሙዚቃን ዝጀመረ ነገር ኣይኮነን። እቲ ስምዒት ካብ ዝጅምር ነዊሕ እዩ ገይሩ። እቲ እትሰርሖ ሙዚቃን ደርፍን ከኣ ንሰብኣዊ ዛንታታ ዘንጸባርቕ እዩ። ካብ ባንጋሊ ኣደን ኣይሪሻዊ ኣቦን ምላድ ፍሉይ ትዕድልቲ እዩ። ክልቲኡ ባህልታት ግሩም ዝኾነ ናይ ኣነጋግራ ዛንታ ጥበብ ኣለዎ።

"ቋንቋ ቤንጋሊ፡ ግሩም ዛንታታት ንምንጋርን መድረኽ ትረኻን ኣድናቖትን ንምፍጣር ሓጋዚ እዩ። ብፍላይ ኣሞታትን ሓትነታትን ከመይ ጌርካ መሳጢ ዛንታ ከም ዝነገር ይፈልጣ እየን "ትብል ።

ምስ ቃልሲ ናጽነት ብዝተኣሳሰር መገዲ ጀይ ዝመሰላን ዝተሰማዓን ክትዛረብን ክትገብርን ልባን አእምሮኣን ዝኣዘዛ መገድን ጎደናን ክትስዕብ ምሉእ ናጽነት ተዋሂባ እያ ዓብያ። ንሱ ከኣ ሓይልን ነብሰ ምትእምማንን ፈጢሩላ።

"ዝደለኹዎን ዝተሰማዓንን ነገር ዝገብር ዘለኹ፡ ከምኡ ክገብሩ ዕድል ዘይነበሮም ስድራ ቤት ስለዝነበሩኒ እዩ። ስለዚ እዚ ሕጂ ዘለኹዎ ኩነታት ንዓይ ዓቢ ሓለፋ እዩ። ድምጽኻ ንክስማዕ ከቢድ ቃልስን ጻዕርን ካብ ዘድልዮ ሕብረተሰብ እንተተፈጢርካ መታን ክትስማዕ ድምጽኻ ክንድቲ ክኸዶ ዝኽእል ርሕቀት ንኽበጽሕ ዓው ኢልካ ከተድምጽ ኣለካ። ኣነ ከኣ ከምኡ ክገብረሉ ኣብ ዝኽእለሉ ፍሉይ ቦታ እየ ዘለኹ" ትብል።

እታ ንባንግላዊ ባህሊ እተንጸባርቕ ጆይ በቲ እትሰምዖ ባህላዊ ሙዚቃን ህርመትን ኣለባብሳኣን " ካሪ ካሪ ትሽትቲ ኣለኺ" ዝብል ምስትንዓቕ የጋጥማ ምንባሩ ግን ከኣ ከምዝበደሃቶ ትገልጽ።

Skip Instagram post
ንትሕዝቶ Instagram ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Instagram ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Instagram ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of Instagram post

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተዋህባ ናይ ብሪት ሽልማት ናይ ለሂንጃ ባህላዊ ክዳን ልሕጺ ክትክደን መሪጻ።

"ኣለባብሳይ ንባህሊ ባንግላድሽ ጥራይ ኣይኰነን ዝውክል፣ ንመንነተይን ገዛእ ርእሰይ እዩ ዘመልክት። እግረይ ኣብ ዘንበርኩሉ ዝዀነ ይኹን ቦታ፡ ሰባት፡ ኣነ መን ከም ዝዀንኩን ንመን ከምዝመስልን ከምዝውክልን ክመዳድቡኒ ኣይደልን እየ" ትብል።

"ናብ ናይ ሽልማት ስነ-ስርዓት ክኸይድ እንተኾይነ፡ ንካልእ ሰብ ክመስል ኢለ ናብቲ ቦታ ኣይከይድን እየ። ንነብሰይ ወኪለ እየ ናብቲ ቦታ ዝኸይድ። ባህለይ ከኣ ኣካል መንነተይ እዩ። "

እቲ ስድራ ቤታ ባንግላዴሻዊት ንኽትከውን ዝገበሩዎ መገዲ፡ " ኣብ ምዕራባዊ ሙዚቃ ዓለም ዘይዝውቱር ባህላዊ ክዳን ምልባስ፡ ምስቲ ወለደይ ዝሓለፍዎ ብደሆን ቃልስን ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣዝዩ ንእሽቶ ነገር እዩ" ክትብል ትግልጾ። ሰባት ብዛዕባ መንነቶም ርግጸኛታት neክዀኑ እንተ ሓጊዝዎም ከኣ ጉንዖ እዩ።

"እቶም ብዜገርም ባህላዊ ኣልባሳትካ ክትሕበን ዘይደልዩ ሰባት እንተልዮም፡ ባህላዊ ክብርታት ማዕረ ክንደይ ኣደናቒ ምዃኑ ክንገሮም ኣለዎ።"

"መንነትካን ክትመስሎ እትደልን ነገር ንዓኻ እዩ ክግደፍ ዝግበኦ። ስለዚ መንእሰያት ኣብ ዝዀነ እዋን ቦታን ኣጋጣምን ነቲ ክመስልዎ ዝደልዩ ክመስሉ ይግባእ" ብምባል ዘረድኣ ትድምድም።