ኮሮናቫይረስ ካብ ቤተፈተነ ቻይና ዝወጸ ከምዘይኮነ ንምርግጋጽ ተወሳኺ ስራሕ ከምዝሓትት ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኮሮናቫይረስ ካብ ናይ ቻይና ቤተፈተነ ማለት ላቦራሮቶሪ ዝወጸ ከምዘይኮነ ምሉእ ብምሉእ ንምርግጋጽ ተወሳኺ ስራሕ ከምዝሓትት ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ቫይረስ ካብ ላባራቶሪ ዝሞለቐ’ዩ ዝብል ሓሳብ ዝወሓደ ተክእሎ ዘለዎ'ኳ እንተኾነ ተወሳኺ መርመራን መጽናዕትን ከም ዘድሊ ሓቢሩ።
ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን፡ ቻይና ንውድብ ጥዕና ዓለም እኹል ሰነዳትን ሓበሬታን ትህብ የላን ብምባል ክነቕፋኣ ጸኒሕን እየን፡፡ ቻይና ብወገና ነቲ ኮሮናቫይረስ ካብ ላባራቶሪኣ እዩ ወጺኡ ዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ’ያ ክትነጽጎ ጸኒሓ።
እቲ ብሰሉስ ብውድብ ጥዕና ዓለምን ክኢላታት ቻይናን ዝወጽአ ሓባራዊ መግለጺ፡ እቲ ቫይረስ ካብ ላባራቶሪ’ዩ ወጺኡ ዝብል ሓሳብ ዳርጋ ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ ብምባል፡ ምናልባት እቲ ቫይረስ ካብ መንካዕ ብኻልእ ኣመሓላለፍቲ እንስሳ ናብ ሰብ ሰጊሩ ክኸውን ከምዝክል እዮም ኣብሪሆም።
ቻይና ነቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተውሃበ መግለጺ መልሲ ኣይሃበትሉን ዘላ።
ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ዝሃቦ መግለጺ “እቲ ቫይረስ ፈጺምና ካብ ላባራቶሪ ኣይወጽአን ኢልና ንኽንድምድም ተወሳኺ ዕዮ ወሲድና ፍሉያት ሰብ ሞያ ኣሳቲፍና ምጽራይ ከድልየና እዩ” ኢሉ፡፡
ኮሮናቫይረስ ኣብ መወዳእታ 2019 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዞባ ሁበይ ቻይናዊት ከተማ ውሃን’ዩ ተራእዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኸኣ ዓለምለኻውያን ሰብ ሞያ ጥዕና ብውድብ ጥዕና ዓለም ተማእኪሎም ናብቲ ቦታ ብምኻድ ንኣጀማምራ እቲ ቫይረስ ንምፍላጥ መርመራ ኣካይዶም ነይሮም።
እቲ እቶም ሰብ ሞያ ዘካየድዎ መርመራ ኣብቲ ሰብ መዚ መንግስቲ ቻይና ዘቕርቡሎም ዝነበሩ ቅምሶን መርትዖን እዩ ዝምርኮስ ነይሩ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም’ውን እቶም ናብ ቻይና ዝተልኣኹ ጉጅለ ሰነዳትን ጥረ ሓበሬታታትን ኣብ ምርካብ ይሽገሩ ምንባሮም ብምሕባር ኣብ መጻኢ እኹልን እዋናውን ሓበሬታታት ክወሃብ ተማሕጺኑ።
ንመግለጺ ውድብ ጥዕና ዓለም ተኸቲለን ኣመሪካ፣ ደቡብ ኮርያ፣ ኣውስትራልያን ዓባይ ብርጣንያን ዝርከብአን 13 ሃገራት በቲ ዝወጽእ ጸብጻብ ዘለወን ዘይዕግበት ብምግላጽ፡ ቻይና እኹል ሓበሬታታት ኣብ ምቕራብ ክትተሓባበር ተማሕጺነን ኣለዋ።
እቲ በተን 13 ሃገራት ዝወጽአ ሓባራዊ መግልጺ፡ እቲ ኣብ ከተማ ውሃን ዝተኻየደ መርመራ፡ “ምድንጓይ ዝተርኣየሉን እኹል ቀረብ መሰረታዊ ሰነዳትን ቅምሶን ዘይነበሮን እዩ” ኢለን።
እቲ ቫይረስ ካብ ላባራቶሪ ናይ ቻይና ዝወጽእ እዩ ኢሎም ብተሪር ካብ ዝዛረቡ ዝነበሩ ሓደ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ እዩ።
መራሒ ምርምራዊ ጉጅለ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ፔተር ቤን ኢምባረክ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጉጅልኡ ካብ ቻይናን ካብ ቻይና ወጻእን ፖሎቲካዊ ጸቕጢ ይግበረሎም ምንባሩ ብምሕባር ብሰንኪ እቲ ጸቕጢ ግን ካብ ዝረኸብዎ መርትዖታት ኣብ ጸብጻቦም ዝኾነ ዘትረፍዎ ከምዘየለ ገሊጹ።
ንሱ ብምስዓብ ንሱን ጉጅልኡን እቲ ቫይረስ ካብ ላባራቶሪ’ዩ ወጺኡ ናብ ዘብል መደምደምታ ከምርሖም ዝኽእል መርትዖ ከምዘይረኸቡ ሓቢሩ።
ዶክተር ፔተር ቤን ኢምባረክ፡ ዋላ ድኣ ቻይና ንውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ እቲ ኮሮናቫይረስ ብ3 ጥሪ 2020 ትሓብር እምበር፡ እቲ ቫይረስ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ወይ ወርሒ ሕዳር 2019 ኣቢሉ ኣብ ውሃን ተራእዩ ምንባሩ ከምዘረጋገጺ ሓቢሩ።
መንግስታዊት መደበር ቴሌቪዥን ቻይና ብወገና እቲ ቫይረስ ምስ ደረቕ ዕሹግ መግቢ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽአ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢላ ጸብጻብ ሰሪሓ ነይራ እያ።
ቻይና ኣቐዲማ ተረርቲ ዕጽዋታት ብምእዋጅን ህዝባዊ መርመራ ብምግባርን ነቲ ለበዳ ቀልጢፋ ክትቆጻጸሮ ክኢላ እያ።
ክሳብ ሎሚ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 127 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ልዕሊ 2.7 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







