ኩባንያ ኣፕል ኣብ ቅነ ልደት 111 ቢልየን ዶላር ዝግመት መሸጣ ኣሳሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኩባንያ ኣፕል፡ ኣብ ቅነ ልደት ብዝተሸጡ ዘመናውያን ምህርታቱ፡ ተወሳኺ ክብረወሰን ሒዙ።
ኣብዚ እዋን ኮሮናቫይረስ፡ ዓማዊሉ ዘመናውያን ፍርያታት ኣፕል ንዝኾኑ፡ ሓደሽቲ ዓይነት ሞባይላት፣ ላፕቶፓትን ኣቑሑን ንምዕዳግ ብምውሓዞም እዩ፡ ኩባንያ ኣፕል ተወሳኺ ክብረወሰን ዝሓዘ መሸጣ፡ ኣመዝጊቡ ዘሎ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2020 ኣብ ናይ መወዳእታ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ፡ ኣፕል ልዕሊ 111 ቢልየን ዳላር ብምሻጥ እዩ፡ ካልእ ልዑል መሸጣ ኣመዝጊቡ ዘሎ ፤ እዚ ከኣ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ 21 ሚእታዊት ዝዛየደ እዩ።
እዚ ኩባንያ ኣፕል ኣመዝጊብዎ ዘሎ ልዑል መሸጣ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብዙሓት ንጥፈታት ብኦንላይን ክኾኑ ፅልዋ ብምሕዳሩን፡ ነዚ ስዒቡ ጠለብ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ስለዝዛየደን እዩ።
ኩባንያ ኣፕል ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ንልዕሊ ሓደ ቢልየን ኣይፎናት ሓዊሱ፡ ብብርኪ ዓለም ልዕሊ 1 ነጥቢ 65 ቢልየን ንጡፋት ፍርያታቱ ቆፂሩ እዩ።
ኣፕል፡ ሓድሽ ስርሓት ሞባይል ኣይፎን 12 ሒዙ ምምጽኡ ስዒቡ፡ ብዙሓት ዓማዊል ናብቲ ኩባንያ ብምምፅኦም፡ ወይ ቅድም ክብል ዝነበሮም ስርሓት ኣፕል ከመሓይሹ ብምውሓዞም፡ እዚ ልዑል መሸጣ ከምዘመዝገበ ተገሊፁ።
እቲ ኩባንያ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንቁጠባ ዓለም ኣብ ዝሃሰየሉ ኣብዚ ግዘ፡ ዕብየት ቻይና በርቲኡ ብምቕፃሉ፡ ጠለብ ምስ 5G ኔትዎርክ ዝሰማማዕ ሞባይላት ክውስኽ ከምዝሓገዞም ገሊፁ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መሸጣ ምህርትታት ኣይፎን፡ ኣብ ሪፐብሊክ ቻይና፡ ሆንግኮንግን ታይዋንን ሓዊሱ፡ 57 ሚእታዊት ዝሓለፈ እንትኾን፡ ኣብ ኣውሮጳ 17 ሚእታዊት፣ ኣብ ኣሜሪካ ድማ፡ 11 ሚእታዊት ፍርያት ኣይፎን ከምዝተሸጡ ተገሊፁ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ፋይናንስ ኣፕል፡ ሉካ ማስትሪ፡ “ፍርያታት ኣፕል ኣብ መላእ ዓለም ፅቡቕ ይሽየጡ ከምዘለዉን፡ ክሳብ ወርሒ መጋቢት’ውን ፅቡቕ ክሽየጥ ከምዘተስፉን” ሓቢሩ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንንጥፈታት በዲሁ፡ ብዙሓት ሴክተራት ብኢኮኖምያዊ ቅልውላው ኣብ ዝሕቆናሉ ግዘ፡ ኣፕል
ኣብ ሰለስተ ወርሒ ጥራሕ፡ ኣስታት 28 ነጥቢ 8 ቢልየን ዶላር ትርፊ ከምዝረኸበን፡ እዚ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ርብዒ ዓመት እንትነፃፀር፡ ብ 29 ሚእታዊት ብልጫ ከምዘለዎን ኣፍሊጡ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







