ቀዳማይ ሚኒስተር ኢስዋቲኒ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ክእለ ድሕሪ ምጽንሕ ሞይቱ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢስዋቲኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኢስዋቲኒ ኣምበሮስ ድላማኒ፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝሞተ መንግስቲ ኢስዋቲኒ ኣፍሊጡ።

መግለጺ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኢስዋቲኒ ከምዝሕብሮ፡ ወዲ 52 ዓመት ዝኾነ ኣምበሮስ ደላሚኒ፡ ኣብቲ ዝእለየሉ ዝነበረ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ሆስፒታል ብሰንበት ከምዝዓረፈ የነጽር።

ኣብቲ መግለጺ መንግስቲ ኢስዋቲኒ፡ ቀጥታዊ ጠንቂ ሞት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እኳ እንተዘይተገለጸ፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣምበሮስ ድካማኒ ቅድሚ ኣርባዕተ ሰሙን ብኮሮናቫይረስ ምስ ተለኸፈ ካብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ከምዝጸነሐ ኣብሪሁ።

ኣምበሮስ ድካማኒ ካብ ጥቕምቲ 2018 ጀሚሩ ናይታ ኣቐዲማ ስዋዚላንድ ትብሃል ዝነብረት ድሕራ ስማ ናብ ኢስዋቲኒ ዝቐየረት ኣፍሪቃዊት ሃገር ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ ክምርሕ ጸኒሑ።

እዛ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣፍሪቃ እትርከብ ብመሬት ዝተኸበበት ሃገር፡ ብንጉስ እትመሓደር ኮይና ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ብዝሒ ህዝቢ ኸኣ ኣለዋ።

ኣብ ሃገረ ኢስዋቲኒ ክሳብ ሎሚ 6768 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ 127 ሰባት ሞይቶም ከምዘለዉ ሚኒሰትሪ ጥዕና እታ ሃገር የረድእ።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣምበሮስ ድካማኒ ብኮሮናይረስ ከምዝተለኸፈ 16 ሕዳር እዩ ተሓቢሩ። እንተኾነ ኣብቲ ግዜ እቲ በቲ ሕማም ድኣ ይለኸፍ’ምበር ዝኾነ ምልክታት እቲ ሕማም ከምዘይነበሮ’ውን ተገሊጹ ነይሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ ሕማሙ በብቑሩብ ስለዝበርተዖ ሓደ ታሕሳስ ሕክምናዊ ክንክን ንምርካብ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝኸደ መንግስቲ ኢስዋቲኒ ገሊጹ። መንግስቲ ኢስዋቲኒ ኪኖ ሞት ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣምበሮስ ምሕባር ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሃበን ዘሎ።

ኣቐዲሙ ኣብ ባንኪ ዝሰርሕ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣምበሮስ ድካማኒ፡ ንጉስ ኢስዋቲኒ ምስዋቲ ሳልሳይ፡ ቀዳማይ ሚኒሰትር ገይሩ ከይመዘዞ እንከሎ ኣብ ፖሎቲካ እዚ ዝብሃል ተፈላጥነት ዘይነበሮ ሰብ እዩ።

ኣብ ኢስዋቲኒ ንጉስ ንኹሎም ሚኒሰትራት ስለዝመዝዝን ንሃገራዊ ባይቶ’ውን ስለዝመርሕን፡ ኣብታ ሃገር ቀዳማይ ሚኒሰትር ድሩት ስልጣን እዩ ዘለዎ።

ወዲ 18 ዓመት እንከሎ፡ ኣብ 1986 ናብ ንግስነት ዝደየበ ንጉስ ምስዋቲ ሳልሳይ፡ ነቲ ወዲ 82 ዓመት እንከሎ ዝሞተ ኣቡኡ ንጉስ ሶብሁዛ ካልኣይ ተኢኡ ኣብ ንግስነት ኢስዋቲኒ ዝነወሐ ዓመታት ዝገበረ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ንጉስ ሓደሽቲ መጋየጺ ዝኾኑ ገዛውትን መካይንን ንኽገዝእ ንህዝቢ ገንዘብ ንኸዋጽእ የገድድ እዩ ብዝብልን ንተቓወምቱ ብሕማቕ ኣገባብ ይሕዝ’ዩ ተባሂሉን ወትሩ ምስተነቐፈ’ዩ።

እቲ ንጉስ፡ ኣብ 2018’ውን ነታ ኣቐዲማ ስዋዚላንድ ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነበረት ሃገር ሽማ ናብ ኢስዋቲኒ ከምዝቐየሮ ይዝከር።

ብመሰረት ባንኪ ዓለም ኣብ 2016 ከምኡ’ውን 2017 ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ልዕሊ 39 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኢስዋቲኒ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት እዩ ዝነብር።