ን15 ዓመታት ብፋይቶትነት እትናበር ዘላ ኢትዮጵያዊት ጉድእቲ ኣካል

ሩሃማ እብሃል። ኣብ ጎንደር 'ኣርብ ገበያ' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ'የ ተወሊደ።
(*ኣብዚ ዛንታ፡ ስም በዓልቲ ዛንታን ገለ ንመንነታ ከቃልዑ ዝኽእሉ ሓበሬታታትን ተቐይሮም'ዮም)
'ኣርብ ገበያ' ተወሊደ እምበር ኣይዓበኹሉን። ኣነ ምስ ተጠነስኩ ወለደይ ስለ ዝተፋትሑ ኣቦይ ናብ ካልእ ከባቢ ከይዱ።
ኣደይ ግን ገና ጓል ሰለስተ ዓመት ከለኹ ብሞት ተፈልያትኒ። ብሽም ጥራሕ ዝፈልጦ ኣቦይ'ውን ጸኒሑ ከም ዝሞተ ሰሚዐ።
ክሳብ ሸውዓተ ዓመት ዝመልአኒ ኣብ 'ኣርብ ገበያ' ምስ እኖሓጎይ ተቐሚጠ፤ ዳሓር ግን ሓፍቲ እነይ 'ኣነ ከዕብያ' ኢላ ናብ ባህርዳር ኣምጺኣትኒ።
ባህርዳር ብኹሉ ዝሓሸ ነይሩ፤ ትምህርቲ 'ውን ጀሚረ።
ቀዳማይ ክፍሊ ከለኹ ዘጋጠመኒ ነገር ግን ህይወተይ ንዘለኣለም ቀይሩዎ። ዓንቀር ወሪዳትኒ ጉሮሮይ ስለ ዝሓበጠ ናብ ሕክምና ወሲዶምኒ።
ህጻን ስለ ዝነበርኩ ብዙሕ'ኳ እንተዘይዘከርኩዎ፡ እቲ መርፍእ ዝወገአኒ ሓኪም ሰኺሩ ዝነበረ ይመስለኒ ጓል ሓትነይ 'ቀስ እባ በል' ክትብሎ ይዝከረኒ።
ሓንሳብ ምስ ወገአኒ፡ ዓጽመይ ምስ ተንከፈኒ ቀጭ ኢሉ። እቲ መርፍእ ተሰይሩ ኣብ ውሽጢ ከም ዝተረፈ እዩ ዘሕመመኒ።
ኣብቲ ዝወገአኒ ቦታ ጎድጒዱ ካሊእ ሰብነተይ ድማ ሓቢጡ።
ክስጉም ከለኹ እግረይ ክስሕበኒ ጀሚሩ። ክሳብ ሓደ ወርሒ ድሓን ነይሩ ጽቡቕ’ውን ይኸይድ ነይረ፤ ድሕሪኡ ግን የማናይ እግረይ ሓጺሩ።
እቲ መርፍእ ዝተወጋእኩሉ ቦታ ጎድጒዱ ኣጻብዕቲ የእቱ።
ሕዚ'ውን ምድቃስ እንተዘይመችዩኒ የሕምመኒ እዩ፤ እቲ መርፍእ ተሰይሩ ኣብ ውሽጢ ተሪፉ ኢለ እየ ዝኣምን።
ከምዚ ሕጂ ዘለኽዎ ክኸውን እየ ኢላ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን፤ እግረይ እናሓጸረ መሬት ምርጋጽ ኣብዩኒ።
ኣብ ካልኣይ ወርሒ ድማ ናብቲ ሕክምና ኬድና እቲ ሓኪም ኣይረኸብናዮን፤ ክሕዙኒ እዮም ኢሉ ሃዲሙ።
ገሊኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ይብሉ፡ ገሊኦም ድማ ናበይ ከም ዝኸደ ኣይንፈልጥን ኢሎም።
[ነዊሕ ስቕታ]
ኣብቲ እዋን ተመሃሪት ቀዳማይ ክፍሊ ነይረ። ብዙሕ ነገር እየ ስኢነ (ብኽያት ጀሚራ)።
ስድራ የብለይን፤ ካልኣይ ንባዕለይ ማንነተይ ክስእን ከለኹ . . . (ምስ ንብዓታ እናተቓለሰት)
ብዙሕ ኣይጸንሐን ሓትነይ ድማ ትመውት። ምስ ጓላ ብሓባር ክንነብር ጸኒሕና ሓዳር ምስ ገበረት ኣማራጺ ይስእን።
ሰብ ንነብሱ ንከድሕን ናብ ጎደና ወጺኡ ይልምን'ዩ። ኣነ ግን እዚ ኣይምነን፤ ካልእ ተሪፉ ናይ ታክሲ'ውን ሰብ ክኸፍለለይ ኣይደልን።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓንቲ መሓኣ ነይራትኒ። ኣበበች ትበሃል (ሽማ ተቐይሩ)። ሕጂ ኣብ ዓዲ ዓረብ እያ ዘላ።
ኣብ ከተማ ባህርዳር ቀበሌ 05 ትነብር ነይራ፤ ናይ ትውልዲ ቦትኣ ግን ካልእ እዩ።
ቤተሰብ ኣለኪ'ዶ? ክብላ ከለኹ 'የብለይን' ትብለኒ።
ምሕዝነትና ቅድሚ ምትራሩ 'ቖሎ ይሸይጥ'የ' ትብለኒ ነይራ።
'በቲ ዝሸጦ ይናበር' ክትበለኒ እንከላ 'ቖሎ ሸይጥኪ የዋጽአኪ? እንትብላ ትስሕቐኒ (ክምስ በለት)።
ወትሩ ናብ ቤት ትምህርቲ ዶንግያ እያ ትመጽእ፤ ይሃርሙዋ ከኣ። 'ንምንታይ ኢኺ ትድቅሲ?' ይብላ። ሓደ መዓልቲ ግን 'ብዙሕ ነገር ኣሎ፤ ምስ ወጻእና ከውግዐኪ'የ' ትብለኒ።
ካብ ቤት ትምህርቲ እናተመለስና 'እንታይ'ዩ እቲ ከውግዓኪ'የ ዝበልክኒ?' ይብላ።
'ከምዚ እየ ዝሰርሕ። ምስ ወዲ ተባዕታይ ይድቅስ፤ ምስ ብዙሓት' ኢላ ብዙሕ ነገር ከተውግዐኒ ከላ ነቢዐ።
'ሩሃማ ቤተሰበይ ከምዚ ከም ዝሰርሕ ኣይፈልጡን’ዮም' ኢላትኒ።
መጀመርታ፡ ዝፈልጠኪ ሰብ፣ ቤተሰብኪ ወይ መምህርኪ እንተመጽአኸ? ኢላ ምስ ሓተትኩዋ፡ 'ከለልየኒ ኣይኽእሉን’ዮም። እቲ መብራህቲ ቀይሕ'ዩ' ብምባል ናብ ገዝኣ ወሲዳ ተርእየኒ።
ኣብ ገዝኣ ሓዲረ'ውን ርእየዮ። ቀይሕ ሕብሪ ኣብ ዝተለኸየ ናይ መብራህቲ ኣምፖል ብቐሊሉ ክተለልያ ከም ዘይትኽእል ኣነ'ውን ተዓዚበዮ።
'ኣነ ምዃነይ ከይፈለጠ ሓደ ጊዜ ምሳና ዝመሃር ቖልዓ ሓቲቱኒ ይፈልጥ'ዩ' ኢላትኒ።
ሽዑ ጥልፊ ሰሪሐ'የ ዝመሓደር ነይረ። ዝጠልፎ ክስእን ከለኹ ድማ ተመሊሰ ንዓኣ የማኽራ።
'ጽባሕ ካልኦት ሰባት ክንኸውን ኢና፤ መዓልቲ ሓሊፉ ኣብ ካልእ ቦታ ከይድና ክንነብር ኢና' ትብለኒ። 'ኣነ እንተሓለፈለይ'ውን ኣይርስዐክን' ትብለኒ።
ድሓር በዓል ሓደ ክፍሊ ገዛ ብ30 ብር ተኻሪያትለይ። መደቀሲ ዓራትን ገለ ኣቑሑ ገዛን'ውን ዓዲጋ ኣማሊኣትለይ።

ኣብታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ምሸት ሓደ ዓብዪ ሰብ ይመጽእ። 'ኣኼባ ስለ ዘለኒ'የ ካብ ኣዲስ ኣበባ መጺአ' ይብለኒ።
ኩነታተይ ርእዩ 'ስለምንታይ ናብዚ ስራሕ ኣቲኺ?' ኢሉ ምስ ሓተተኒ ኩሉ ነገር ይነግሮ፤ ይሓዝን።
'እዚ ገዛ ክንደይ ተኻሪኽዮ?' ክብለኒ ከሎ '30 ብር' ኢለዮ። ክሓድር ደልዩ'ውን ኪድ ኢለዮ።
ንመሓዛይ ጸዊዑ 'ኪድ ውጻእ ኢላትኒ' ይብላሞ፤ 'ኣይትሰርሕን እንዲኺ?' ትብለኒ።
ሙሉእ ለይቲ እዚ ህይወት ንዓኺ ኣይኸውንን ክብለኒ ሓዲሩ። 'በዚ ህይወትን ብናትኪ ፍርሕን ሕማም'ውን ኣሎ' ኢሉኒ። ምንም ኣይገበርናን።
ንሱ ግን፡ መሓዛይ ዘይነገረትኒ ብዙሕ ነገር'ውን ነጊሩኒ። ብዛዕባ ኤድስ'ኳ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን።
ክኸይድ እንከሎ፡ ኣነ ቴሌፎን ስለ ዘይነበረኒ ናይቲ ዝተኻረኹሉ ገዛ ቑጽሪ ሂበዮ። መጀመርያ 3000 ብር፣ ድሕሪኡ 2000፣ ጸኒሑ ድማ 1500 ብር ልኢኹለይ።
ገዛ ስለ ዝቐየርኩን ናይ ቴሌፎን ኣድራሽኡ ስለ ዘይነበረንን ግን ድሕሪ ግዜ ርክብና ተቛሪጹ።
ጓል 15 ዓመት ኮይነ'የ ናብዚ ህይወት ኣትየ። ሕጂ ጓል 30 ዓመት ኮይነ ኣለኹ። ን15 ዓመታት ኣብዚ ህይወት ጸኒሐ ማለት'ዩ።
ከምዚ ኢለ'ውን ይመሃር ነይረ፤ ካብ 6ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ እናሰራሕኹ እየ ተማሂረ።
መጀመርታ መዓልቲ ምስ ሓደ ፖሊስ'የ ሓዲረ፤ ድላዪ ክገብረኒ ሓዲሩ ግን ገንዘብ'ኳ ኣይኸፈለንን። ጀማሪት ምዃነይ ፈሊጡ'ዩ።
ምስ ኣዕርኽቱ ክዘውር ጸኒሑ ተመሊሱ ክመጽእ ከሎ መጽሓፍ እናንበብኹ ይረኽበኒ። 'ክሓድር'የ?' ክበሊ ከሎ 'ኣይኸውንን' እንትብሎ ዝበረኒ ባዕለይ ይፈልጦ።
ገንዘብ'ውን ኣይሓተትኩዎን፤ ከመይ ከም ዝሕተት'ውን ኣይፈልጥን ነይረ።
ድላዪ ክገብር ሓዲሩ ግን 'ምሸት ክመጽእ'የ ሓራይ' ኢሉ ከም ሰብኣየይ ገዲፉኒ ከይዱ።
ንመሓዛይ ነጊረያ፤ ስሓቐት'ሞ . . . ድሕሪ ሕጂ ገንዘብ ኣቐዲምኪ ተቐበሊ ትብለኒ።
እታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ክሓስባ ከለኹ ኣዝዩ'ዩ ዝዝግንኒ። ከምዚ ከጋጥመኒ ከሎ ነዚ ገዲፈ ካልእ ስራሕ እንተዝሰርሕ ይብል።
ግን ድማ ዝሐሸ ሰብ ክመጽእ ከሎ ኸኣ ትላመድ። ክወጽእ፣ ክገድፎ እንትብል ኣታዊ የብለይን። ስለዚ በዚ ስራሕ ገንዘብ ይረክብ ስለ ዘለኹ እናበልኻ ትለምዶ።
ሕጂ ስለ ዝተላመድኹዎ ዳርጋ ቤተሰብ እየ። ግን ከምዚ ስራሕ ዝኸብድ ሸኽሚ የለን።
ተዘራሪቦምካ ኣትዮም፤ ግን ገንዘብ ዓብዩዎም ገንዘብ ክውስኽ'ሞ ብዘይ ኮንደም ንሕደር ዝብሉኻ ኣለው። ሰብ'ውን ብገንዘብ'ዮም ዝገዝኡዎ። ገንዘብ፡ ፈጻሚ ኩሉ ነገር እዩ።
ንሶም ንገንዘቦም ኣሚኖም ብገንዘብ ቀይሮምኻ ክዕድጉኻ ዝደልዩ'ውን ኣለው።
ካልእ ስራሕ ክሰርሕ ይኽእል'የ ኢለ ምስ መሓዛይ ስፌት ክዳውንቲ ተለማሚደ። ምጥላፍ'ውን ይክእል'የ። ግን እቲ ገንዘብ ስለ ዘይብርክተልካ ዓቚረ ናይ ስፌት መኪና ክዕድግ ኣይክኣልኩን።
ክራይ ገዛ 2 ሽሕ ብር'ዩ፤ ኣቐዲመ'ውን እየ ዝኸፍል። ብዙሕ ወጻኢታት ኣለኒ። ብዙሕ ሕጉስቲ እንተዘይኮንኩ'ውን ሕጂ'ውን ንክልተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ ይሓድር እየ።
ሰትዩ፣ ሰኺሩ፣ ቅሒሙ ዝመጽእ ኣሎ፤ ንዓይ ብገንዘብ ክገዝአኒ ይደሊ። ከቢድ'ዩ፤ ክትዛረቦ'ውን ኣጸጋሚ። ዘይሓቱኻ ነገር የለን።
ሎሚ መዓልቲ እንተሰሪሐ፡ እታ ዝረኸብኩዋ ዓቂነ እናተጠቐምኩ ንክልተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ ይድቅስ። ክሰርሕ ኣይደልን።
ኩል ግዜ ጾታዊ ርክብ ምስ በዓል ቤትካ'ውን ይስልቹ'ዩ። ሰብ ግን ፈትዩ ኣይኮነን በዚ ህይወት ዝሓልፍን ዝነብርን።
ጉድእቲ ኣካል ምዃነይ ድማ ካልእ ጸቕጢ ይፈጥረለይ። ሓቲቶምኒ ገገዲፎምኒ ዝኸዱ ኣለው።
'ክስምዐኪ የብሉን'፣ 'ንስኺ ንምንታይ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ትሰርሒ?' ዝብሉኒ ኣለው።
እዚ ስራሕ ጸሊአዮ።

ኩሉ ነገር መትሐዚ መጨበጢ ክስእነሉ ከለኹ ስልጠና ምንጻፍ ጽሩብ እምኒ (ኮብልስቶን) ወሲደ ተቖጺረ ክሰርሕ ጀሚረ።
እቲ ዝቖጸረኒ ማሕበር ክብተን እንከሎ ግን ኣነ'ውን እቲ ስራሕ ደው ኣቢለ።
ተመሊሰ ናብቲ ዝጸላእኹዎ ህይወት ኣትየ። ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ምንጻፍ ጽሩብ እምኒ ምሳይ ዝሰርሕ ዝነበረ ቖልዓ ኣትዩ ንዓይ ምስ ርኣየ፡ ኣማዕቲቡ ተመሊሱ ይኸይድ።
ኣብ ካልእ እዋን ስልኪ ደዊሉ ድሂሉኒ። 'ንምንታይ ኢኺ ኣብዚ ስራሕ ትሰርሒ?' ኢሉኒ 'ሃብታም ስለ ዝኾንኩ' ኢለዮ።
ሕጂ'ውን ሓሓሊፉ ቴሌፎን ደዊሉ 'ኣይገደፍክዮን?፤ በጃኺ ውጽኢ' ይብለኒ። ኣነ'ውን 'ንስኻ ክልተ መኪና ኣለካ። ነታ ሓንቲ ሸይጥካ እቲ ገንዘብ ሃበኒ'ሞ ክሰርሐሉ' ይብሎ።
ስቕ ኢሉ ይስሕቕ። ከቢድ'ዩ በጃኻ!
ኣብ ውሽጢ እዚ ህይወት ኮይንካ ብዙሕ ተጓንፎ ኣሎ።
ሓደ ምሳይ ክሓድር ዝመጽአ ሰብ ጉድእቲ ኣካል ምዃነይ ኣይፈለጠን። መጽሓፍ እናንበብኩ እናሃለኹ ይኣቱ'ሞ ንዘራረብ።
እታ ገዛ ጸባብ'ያ። ድሓር ዓራት ኣንጺፍና ንድቅስ። ምስ ደቀስና ዝኾነ ነገር ደልዩ ክህቦ እንክብል 'እንታይ ማለት? ጉድእቲ ኣካል ዲኺ? ይብለኒ።
'እወ' ምስ በልኩዎ፤ ብድድ ኢሉ 'ገንዘበይ' ይብል። 'ናይ ምንታይ ገንዘብ? ግዘ ኣጥፊእኻ ኢኻ፤ ኣነ ድማ ስራሕ ክሰርሕ'የ ኮፍ ኢለ። መሊኡለይ ወይ ተመቺኡኒ ኣይኮነን' ይብሎ።
በሊ ፖሊስ ጸውዒ ይብለኒ።
ኣነ ከኣ ፖሊስ ጸዊዐ ናብ ፖሊስ ጣብያ ንኸይድ።
ፖሊስ፡ 'ገንዘብ መልሲ ዲኺ ትብላ ዘለኻ?' ይብሎ።
'እወ'።
'ገንዘብካ እንተተመሊሱ ሒዝካ ክትከይድ?'
'እወ'።
'መለለዪ መንነትካ ኣርእየኒ?' ምስበሎ፡ ሃሰሰስ ክብል ናብቲ ሒዙዎ ዝወጽአ ክዳን ኢዱ እንተሰደደ ካብ ገዛይ ሒዙዎ ዝወጽአ ናተይ ፒጃማ እምበር ጃኬቱ ኣይነበረን።
ሓፊሩ። ድሓር 'በቃ እቲ ገንዘብ'ውን ይትረፈኒ ክኸይድ'የ' እንትብሎ ፖሊስ ስሒቑ። ብዝኾነ ዝሰኸረ ሰብ እንታይ ይደሊ፣ እንታይ ይገብር ኣይፈልጥን።

ሕጂ ከኣ፡ ኮሮናቫይረስ መጺኡ። ኣዝዩ ሕማቕ ሕማም።
ንኤድስ ኮንደም ይጥቀም፤ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት በብሰለስተ ወርሒ እየ ዝምርመር።
ኮሮና ግን ከቢድ'ዩ። ስቕ ኢለ ክሰርሕ እንተይለ በቲ ቫይረስ ክልከፍ እየ። ይትረፈኒ እንተኢለ ድማ ክጠሚ'የ።
ስለዚ፡ ብዙሕ እንተዘይኮነ'ውን ይሰርሕ እየ ዘለኹ። ኮሮና ሰብ ምስ ሰብ ኣየራኽብን።
ገዛ ምስ ዘካረዩና ሰባት ይፈላልየና'ዩ ዘሎ።
ንሕና ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ስለ እንራኸብ፡ እቲ ማይ ዝቐደናሕናሉ ናይ ማይ ቡንባ ከይተረፈ ንሳተን እንተነኺአንኦ ስቕ ኢልኩም ከይትትንክፉዎ እናተባህለ ካብ ሰብ ንንጸል ኣለና።
በዚ ምኽንያት ገዛይ ዓጽየ ካብ ሰብ ተፈልየ እየ ዝነብር።
ኩል ግዜ ጥንቃቐ ይገብር እየ። መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፣ ሳኒታይዘር ይጥቀም። ብሃበ ተረኽበ'ውን ናይ ሰብ ኢድ ኣይነክእን።
ዓማዊል ኣለውኒ'ዮም፤ ግን ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ግን ኣይመጽኡን። ሕጂ ዋላ ሓደ ዝሰርሖ የብለይን።
ኣብ ወርሒ 400 ብር እንተረኺበ'ውን ዕድለኛ እየ። ክስእን ከለኹ ሓንቲ መሓዛይ ኣላ፤ ናብኣ ኸይደ ቁሩብ በሊዐ ቡን ሰትየ ይውዕል። ንሳ'ውን ከምኡ።
ክፍሊት ክራይ ገዛ፡ ናይቲ ከባቢ መናእሰይ ካብ ዘለዎም ገንዘብ ኣታኻኺቦም ናይ ሓደ ወርሒ ከፊሎምልና።
ዝሰርሖ ነገር እንተዝረክብ ካብዚ ህይወት ክወጽእ ምደለኹ። ብዙሕ ነገር እየ ዝሓስብ።
ዕቁብ ኣትየ ገለ ገንዘብ ሒዘ ስራሕ እንተዝጅምር ኢለ ይሓስብ'ሞ፤ ግን እቲ ሕብረተሰብ'ውን 'በሊዓ ህልም እንተበለትከ' እዩ ዝብለካ።
ዘተባብዐካ'ውን የለን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







