ዶ/ር ደብረጽዮን፡ 'ትግራይ ንምቕርቃር ይስራሕ ኣሎ' ኢሉ

ደብረጽዮን

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኢድ ምትእትታው ሓይልታት ደገ እናበኣሰ ከምዝኸደ፡ ገለ ሓይልታት ግዳም ምስ መንግስቲ ፌዴራል ኮይኖም ንትግራይ ንምቕርቃር ብዝተፈላለዩ ኩርናዓት ይሰርሑ ከምዘለውን፡ ኣብ ትግራይ ዕግርግር ንምፍጣር ፈንቅል ዝበሃል ጉጅለ ብፍላጥ ከምዝተወደበ ከሲሱ።

ኣብ መንግስታዊ ፌዴራል ሚድያታት ተደጋጋሚ መግለጺታት ዝህቡ፡ ፈንቅል ብዝብል ስም ዝንቀሳቐስ ጉጅለ፡ ኣብ ትግራይ ብተቓውሞን ህዝባዊ ናዕብን መንግስታዊ ለውጢ ንምምጻእ ከምዝሰርሑን ብዝኾነ ይኹን ናይ ግዳም ሓይሊ ከምዘይድገፉን ኣባላቱ ይገልጹ።

"ፈንቅል ብመንግስቲ ኤርትራ ዝድገፍ ጉጅለ እዩ" ዝበለ ዶክተር ደብረጽዮን፡ እቲ ኢድ ኣእታውነት ዝጸንሐ እንተኾነ'ኳ፡ ሕዚ ናብ ተግባር ከምዝወረደ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብዚ ጉዳይ መንግስቲ ኤርትራ ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የለን።

ዶክተር ደብረጽዮን፡ እቲ ፈንቅል ዝበሃል ጉጀል ዝቕበረሉ እምኒ ክፍንቀል እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝገብሮ ነገር የብሉን። " ንህወሓት ዘውርዶ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እዩ" ብማለት ብድምጺ መረጻ ክገብሮ መሰሉ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካልኦት ካብ ደገ ዝኣተዉ ጉጅለታት ከምዘለው'ውን ተዛሪቡ።

ካብቲ ብስም ዝረቑሖ ጉጅለ ፈንቅል ወጻኢ፡ እቶም ጉጅለታት፡ በዓል መን ከምዝኾኑ ኣይገለጸን።

ቅድም ክብል፡ 'ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝመጽእ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ኣይክንርእን ኢና' ምባሉ ብብዙሓት ፖለቲከኛታት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከም ኢድ ምትእትታው ክረአ ጸኒሑ እዩ።

ኣብዚ ሰሙን ድማ፡ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ በጺሑ። ክልቲኦም መራሕቲ 'ኣብ ዞባዊ ጉዳያት' ተዘራሪቦም ካብ ዝብል ወጻኢ ኣብ ምንታይ ዝርዝር ጉዳያት ከምዝዘተዩ ኣይተገለጸን።

ዶክተር ደብረጽየን፡ እቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ 'ገይም ኦቨር' ዝተባህ ወያነን ህዝቢ ትግራይን፡ ንኩናት ዝዕድም ቀጻሊ ምትኹታኽ የጋጥሞ እኳ እንተሎ፡ ኩናትን መስዋእትን እንታይ ምዃኑ ስለዝፈልጥ ተጸሚሙ የሕልፎ ከምዘሎ ብምግላጽ ሕዚ'ውን እንተኾነ፡ ንዝኾነ ዘሎ ኣፈላላይ፡ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካላት ዝሳተፎ ብዘተን ዝርርብን ጥራሕ ክፍታሕ ድሌት ከምዘለዎን ንሱ ጥራይ ከምዘዋጽእን ተዛሪቡ።