መገዲ መቐለ-ሳምረ ዓጽዮም ዘለዉ ነበርቲ ሕንጣሎ ሕቶኦም እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, FB
ካብ ከተማ መቐለ ናብ ሳምረ ዝወስድ መገዲ 'ወረዳና ይመለሰልና' ብዝብል ኣብ ከባቢ ደንጎላት፡ ለይትን ቀትርን ንራብዓይ መዓልቲ መንገዲ ዓፅዮም ዘለዉ ነበርቲ ሕንጣሎ፡ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መልሲ ክሳብ ዘይረኸቡ፡ ናብ ገዝኦም ከምዘይምለሱ ንቢቢሲ ገሊፆም።
እዞም ንዝሓለፉ መዓልታት "ፍትሒ ስኢንና" ብዝብል መገዲ ብምዕፃው ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለዉ ነበርቲ፡ ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ኣይተ ደስታ ግርማይ ትማሊ ንመራኸቢ ሓፋሽ እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕተት፡ ምስ ህዝቢ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበጽሐን "ተጋጊና ስለዝበሉ" ድማ መገዲ ክኽፈት ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ።
እንተኾነ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ምስ ኣማሓዳሪ ኣብ ዝኾነ ስምምዕ ከምዘይበጽሑን፡ እቲ ዝተዋህበ መግለጺ ድማ፡ "ሓሶት" ምዃኑን ንቢቢሲ ገሊጾም።
"እቲ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ፡ ዘይተገበረ ተገይሩ እዩ፤ ዘይተሰርሐ ተሰሪሑ እዩ ምባሎም፡ ናይቲ ቅድሚ ሕዚ ዝገበርዎ ሓሰት መቐፀልታ እዩ" ብምባል፡ እቲ ህዝቢ ተቖጢዑ ከምዘሎ ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ 'ወረዳና ይመለሰልና' ዝብል ሕቶ ከምዘለዎም እዮም ዝገልጹ። ፍትሒ ስለዝሰኣና ኢና መንገዲ ዓጺና ዝበሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ "ሕቶና ከይተመለሰ ናብ ገዛ ኣይንምለስን" ኢሎም።
ቅድም ክብል ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ዝነበረ እቲ ከባቢ፡ በቲ ሕዚ ዝጅመር ዘሎ ሓዱሽ ኣወዳድባ፡ ወጀራት ርእሱ ዝኸኣለ ወረዳ ክኸውን'ሎ፤ ትሸዓተ ጣብያታት ዝሓዘ ከባቢ ሕንጣሎ ድማ፡ ናብ ሒዋነ ክሕወስ ከምዝተገበረ ነበርቲ ይዛረቡ።
ነቶም ነበርቲ ካብ ዝወከሉ ኣባላት ኮሚቴ፡ ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ሓደ ነባሪ ሕንጣሎ 'ህዝቢ እቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ክሳብ ቤት-ጽሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ዋላ'ኳ ጥርዓን እንተቕረቡ ምላሽ ከምዘይተውሃቦም' ብምግላጽ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ገሊጾም።
ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲታት፡ ወከልቲ ከባቢ ሕንጣሎ ንኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ደብረጽዮን (ዶ/ር) ንምምዝርራብ ናብ ከተማ መቐለ ከይዶም ከምዝነበሩን፡ ሓላፊ እቲ ቤት ጽሕፈት "ኣየራኽብን" ከምዝበሉዎምን እውን ይገልጹ።
"መገዲ ክንዓጹ ዘገደደና፡ ወረዳና ይመለሰልና ዝብል ሕቶና እዩ። ወረዳ ሕንጣሎ-ወጀራት ነይሩ፡ ወጀራት ተመሊሱሎም እዩ። ሕንጣሎ ግን ንሒዋነ ተሸይጣ። ሽዱሽተ ወርሕና ኣብ ኩሉ በጺሕና፡ ኣብ ወረዳ ኣብ ዞባ ኣብ ኩሎም ናይ ፍትሒ ይኹን ናይ ጸጥታ ኣካላት ኬድና መልሲ ኣይረኸብናን" ይብሉ።
ካልእ ነባራይ እቲ ከባቢ ድማ፡ ክሳብ 1987 ሕንጣሎ ማእከላ ከተማ ደንጎላት ዝገበረት ንኡስ ወረዳ ከምዝነበረትን፡ ሕዚ ግን ሸሞንተ ጣብያታት ሕንጣሎ ተነጺለን ናብ ሳምረ፣ ግጀትን እንደርታን ክኸዳ ከምዝተገበረን ዝተረፋ ድማ፡ ብሽም ወረዳ ሕንጣሎ ማእከለን ሒዋነ ክኸውን ከምዝተወሰነን ገሊጹ።
ድልየት ናይቲ ህዝቢ ድማ ማእከሉ ደንጎላት ዝነበረ ወረዳ ሕንጣሎ ክምለስ እዩ።
ናይ ባዕሎም ወረዳ ክህልዎም ዝደልይሉ ቀንዲ ምኽንያታት ድማ "ነቲ መንግስቲ ዘቐመጦ ረቑሓታት ዘማላእና ኢና፤ በዝሒ ህዝብና ልዕሊ 115 ሽሕ እዩ። ካልኣይ፡ ከምቲ መንግስቲ ዝብሎ ዘሎ እንተነውሐ ካብ 20 ኪሎሜትር ኣብ ዝርሕቕ ቦታ ከይድና ክንግልገል የብልናን እዩ። ሕዚ ግን ልዕሊ 35 ኪሎሜትር ኢና ኬድና እኒሀና። ንሕና ድማ ኣብ ቀረባና ክንግልገል ኣለና፡ ሕቶና ብስራሕቲ ልምዓት ይመለሰልና ኢና ንብል ዘለና" ይብሉ።
"ፍትሒ ስለዝስኣንና ኢና መንገዲ ዓፂናዮ"
ህዝቢ፡ ኣብ ከተማ ደንጎላት፡ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ጀሚሩ ነቲ ዋና መገዲ ብምዕጻው፡ ኣብቲ መገዲ ይውዕልን ይሓድርን ከምዘሎ እቶም ኣባላት ኮሚቴ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
"ናብ ዕዳጋ ዝኸዳ እንስሳ ከይተረፋ ኣብኡ ተገቲረን ውዒለን። ታቦት ሒዝና ኢና ውዒልና፤ ከባቢ 100 ዝኾና መካይን ውዒለን እየን፡ እቲ ናብ ሳምረን ፊናርዋን ዝወስድ መገዲ ስለዝተዓጸወ" ይብሉ ሓደ ካብ ነበርቲ። እቲ ህዝቢ ዝምልከቶም ኣካላት መጺኦም የዘራርቡና እዩ ዝብል።
"መንገዲ ምዕፃው፡ ፍትሓዊ ኣይኮነን፡ ግና ፍትሒ ስለዝስኣንና ኢና መንገዲ ዓፂናዮ። እቲ ህዝቢ ናይ ቀፃሊ ሂወትና መሰረታዊ ነገር ኣብ ዘይኰውን ስለዘውደቕኹምና፡ ናይ ሕዚ ሽግር ይሕሸና ኢሉ እዩ ወሲኑ ዘሎ" ብምባል እቲ ህዝቢ ናይ ምረት ውሳነ ከምዝወሰነ ተዛሪቦም።
እዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ናብ ኣማኻሪ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ተሾመ ደዊልና። ነቲ ብተወከልቲ ዝቐረበ ክሲ ግና ኣይተቐበሎን።
"ሕንጣሎ ወረዳ ተመሊስሎም እዩ፡ ናህቶም ሕቶ፡ ናይ ወረዳ ሕንጣሎ ከተማ፡ ቀፃሊ ቤት-ምኽሪ ዝውስኖ ሕዚ ኣቐዲሞም ዶንጎላት'ዶ ትኹን፡ ሒዋነ ከይትኸውን እዩ ፍርሓቶም። ሒዋነ ድያ ክትኸውን፡ ዶንጎላት ድያ ክትኸውን፡ ናይ ባዕሎም ናይቲ ወረዳ ቤት-ምኽሪ ዝውስኖ እዩ" ብምባል "ንሕና ነዚ ናይ ምውሳን ስልጣን የብልናን" ኢሉ።
ህዝቢ ንኣርባዕተ መዓልቲ ለይትን ቀትርን፡ ፍታሕ ኣብ ዝፅበየሉን፡ መጓዓዝያ ኣብ ዝተቋረፀሉን ኩነታት፡ ንሕቶ ህዝቢ ፀማም እዝኒ ምሃብ ግቡእ ድዩ ክንብል፡ ንኣይተ ተሾመ ሓቲትናዮ።
"ፀማም እዝኒ ኣይተውሃቦምን እኮ፡ ኣብኡ ዝኒሀ ናይቲ ዞባ ምምሕዳር ይረዳዳእ ኣሎ። ናብ ርእሰ ምምሕዳር ድማ ፅቡቕ ሕቶኹም ክነቕርበልኩም፡ ቆፀሮ ኣብ ዝሓዝናልኩም ክነዘራርበኩም ኢልናዮም። ሎሚ መዓልቲ መፂእና፡ ሎሚ መዓልቲ እንተዘይኣቲና እዮም ኢሎም። ርእሰ ምምሕዳር ድማ ብካልእ ስራሕ ተፀሚዱ እናሃለወ፡ ከመይ ገይርና ፕሮግራም ነሰናኽል" ይብል።
ነበርቲ ሕንጣሎ "ናይ ፖለቲካ ኣመሓደርትና መልሲ ሃቡና ኢልናዮም፡ መልሲ ክህቡና ኣይከኣሉን፤ ብፖሊስ ዞባን ወረዳን ድማ ናይ ምፍርራሕ ከይዲ እዩ ዘሎ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣርባዕተ መዓልቲ" ይብሉ።
ኣይተ ተሾመ ግና፡ "ምፍርራሕ በፂሕዎም ኣይበፅሖምን፡ ኣነ ዝፈልጦ ጉዳይ የብለይን፡ ምሳይ ዘተኣሳስር ጉዳይ እውን የብሉን" ክብል መሊሱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ተመሳሳሊ ሕቶ ዘልዓሉ ነበርቲ ዓዲ ነብሪ ኢድ፡ ንዝተወሰኑ ሰዓታት መገዲ ዓጽዮም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።
ህዝቢ ዘልዕሉ ሕቶ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይበፅሐ፡ ብኣጋ ምፍታሕ'ዶ ኣይምሐሸን ንዝብል "ናብ ዝኸፈአ ብርኪ ዘሰጋግር ነገር የብሉን እዚ፡ ምርድዳእ ይግበር ኣሎ እዩ" ዝብል መልሲ ሂቡና።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ክነዘራርቦም ንዝምልከቶም ኣካላት ዞባ ደቡባዊ ምብራቕን፣ ሰሜናዊ ምዕራብን ደዊልና መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







