ዊልፍሬድ ዛሃ፡ ፖሊስ እንግሊዝ ንወዲ 12 ዓመት ቆልዓ ብዓሌታዊ መልእኽትታቱ ቀይዱ

ዊልፍሬድ ዛሃ ቅድሚ እቲ ጋንትኡ ክሪስታል ፓላስ ምስ ኣስቶንቪላ ብሰንበት ዝነበራ ግጥም'ዩ እቲ ጸርፊ በጺሕዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዊልፍሬድ ዛሃ ቅድሚ እቲ ጋንትኡ ክሪስታል ፓላስ ምስ ኣስቶንቪላ ብሰንበት ዝነበራ ግጥም'ዩ እቲ ጸርፊ በጺሕዎ

ፖሊስ እንግሊዝ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ተጠቒሙ ናብ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ክሪስታል ፓላስ ዊልፍሬድ ዛሃ ዓሌታዊ መልእኽትታት ንዝጽሓፈ ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓለን ምጽራይ ከም ዝጀመረን ኣፍሊጡ።

ዛሃ፡ ቅድሚ እቲ ጋንትኡ ምስ ኣስቶን ቪላ ብሰንበት ዝገበረቶ ጸዋታ ብማሕበራዊ ሚድያ ብዙሕ ዓሌታዊ ጸርፍታት ከም ዝበጽሖ ኣፍሊጡ።

ኣሰልጣኒኡ ሮይ ሃድሰን ነቲ ዝተፈጸመ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ "ዝወረደን ንዑቕን" ክብል ገሊጽዎ።

ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ'ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ዊልፍሬድ ዛሃ ዝተፈጸመ ተግባር "ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ" ክብል ኮኒንዎ'ሎ።

ፖሊስ ዌስት ሚድላንድ ነቲ ጉዳይ ከም ዝከታተሎ ብትዊተር ካብ ዝሕብር ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ነቲ ቖልዓ ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓሎ ኣፍሊጡ እዩ።

"ናብቲ ተጻዋቲ ብተኸታታሊ ዓሌታዊ መልእኽትታት ከም ዝበጽሕዎ ፈሊጥና ኣለና። ምስ ረኣናዮም ከኣ ነቲ ቆልዓ ኣብ ቀይዲ ኣውዒልናዮ ኣለና" ይብል መግለጺ ፖሊስ።

እቲ ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተወሰደ ብምሕባር ከኣ ንዓሌታውነት "ኣይክንጻወሮን" ኢሉ።

ኣሰልጣኒ ሃድሰን በቲ ተግባር ከም ዝተቖጠዐ ብምግላጽ "ነቲ ሓደ ካብ ብሉጻት ተጻወትና ጽቡቕ ንኸይጻወት ክገብሮ እዩ ደልዩ፤ ነዚ ንምግባር ዝመረጾ መገዲ ግን ይቕረ ዘይበሃለሉ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።