ቺሊ 'ካብ ኮሮናቫይረስ ነጻ' ዝብል ወረቐት-ምስክር ክትዕድል እያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንግስቲ ቺሊ፡ ካብ ኮቪድ-19 ዝደሓኑ ሰባት ወረቐት-ምስክር ከምዝወሃቦም ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር ፓውላ ዳዛ፡ እዚ ወረቐት-ምስክር፡ ካብ ኮረናቫይረስ ዝሓወዩ ሰባት ናብ ስራሕ ንክምለሱ ዘኽእል ከምዝኾነ እያ ትዛረብ።
ይኹን'ምበር መንግስቲ እታ ሃገር ከተኣታትዎ ተሊሙ ዘሎ፡ ወረቐት-ምስክር፡ ንብዙሓት የካትዕ ኣሎ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ግና፡ ብኮቪድ-19 ተታሒዞም ዝበሩ ሰባት፡ ግን ድማ ብናይ ሰብነቶም ስርዓት ምክልኻል ዝደሓኑ ሰባት፡ ዳግማይ በቲ ቫይረስ ከምዘይልከፉ መረጋገፂ ከምዘየለ ገሊፁ እዩ።
እዚ፡ ወረቐት-ምስክር ምእዳል ድማ፡ ለበዳ እቲ ቫይረስ ከጋድድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ " ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ኮቪድ-19 ዝደሓኑ ሰባት፡ ንኻልኣይ ግዘ ከምዘይልከፉ መረጋገፂ የለን" ዝበለ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እዚ ወረቐት-ምስክር፡ ሰባት ንዝወሃቡ ናይ ጥዕና ማዕዳታት ዕሽሽ ብምባል፡ እቲ ሕማም ንከመሓላልፉ ዝገብር ከምዝኾነ ኣጠንቂቑ ።
ፓውላ ዳዛ ግና ትማሊ ሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ከምንፈልጦ፡ በዚ ቫይረስ ሓሚሙ ዝነበረ ሰብ ፡ ዳግማይ ዝሓመሉ ዕድል ትሑት እዩ" ኢላ።
እቲ ወረቐት-ምስክር፡ እቶም ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓወዩን ናይ ውሸባ ግዘኦም ከምዝወድኡን ዝሕብር'ምበር፡ ንኮቪድ-19 ዝምክትሉ ዓቕሚ ምክልኻል ከምዘለዎም ዘረጋግፅ ከምዘይኮነ ድማ ገሊፃ።
ልዕሊ 13,000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተለኸፉላ ቺሊ፡ ህይወት 189 ሰባት ምስዚ ቫይረስ ብዝተሓሓዝ ጠፊኡ እዩ።
ዛጊድ፡ ብደረጃ ዓለም ኣስታት 200 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም እዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







