ኮሮናቫይረስ፡ ኣሜሪካ ክሳብ በዓል ትንሳኤ ኣብ ዘሎ ግዘ ኮሮናቫይረስ ክትቆጻጸሮ ተስፋ ትገብር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ፡ ኮሮናቫይረስ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብዝኾነ ፍጥነት ይላባዕ ኣሎ ክብል ስግኣቱ ይገልጽ።
ብኣንጻሩ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣሜሪካ ኣብ እዋን ፋሲካ ነዚ ለበዳ ክንቆጻጸሮ ተስፋ ይገብር ይብል።
ትካል ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ ኣሜሪካ ማእከል እዚ ዓለማዊ ለበዳ ክትከውን ትኽእል'ያ ክበል ኣጢንቂቑ'ሎ።
ኣብ ኣሜሪካ ክሳብ ሕጂ 55,000 ሰባት በዚ ቫይረስ ተለኺፎም፤ 800 ድማ ሞይቶም ኣለው።
ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ 18 መዓልታት [12 ሚያዚያ 2020] ናብ ንቡር ክትምለስ እያ ኢሉ።
"ኣብ ቀረባ ግዜ ኩሉ ነገር ክኽፈት ኢና ንደሊ፤ ክሳብ ፋሲካ ኣብ ዘሎ ግዘ እታ ሃገር መሊኣ ክትክፈት እየ ዝደሊ" ክብል ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ፡ እታ ሃገር ቐልጢፋ ናብ ንቡር እንተዘይመሊሳ ግን፡ ኣብ "ከቢድ ውድቀትን ጭንቀትን" ክትጥሕል'ያ ክብል ኣጠንቂቑ። ተዓጽዩ ዘሎ ናይ ንግዲ ትካላት ክኽፈት ከምዘለዎ እውን ገሊጹ።
"ሰብ ክትስእኑ ኢኹም፤ ኣሽሓት ነብሰ ቅትለት ክፍጽሙ'ዮም። ብዙሓት ነገራት ክፍጸሙ ክትርእዩ ኢኹም። ዘይምርግጋእ ክህሉ'ዩ" ኢሉ።
ኒውዮርክን ኮሮናቫይረስን
ብሰሉስ፡ ኣብ ኒውዮርክ ጥራሕ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 25 ሽሕ በጺሑ።
60 ሚእታዊት ኣብ ኣሜሪካ ዝተኸሰተ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ካብዛ ከተማ ዝምንጪ ምዃኑ ድማ መራሒት ሓይሊ ዕማም ኮሮናቫይረስ ምምሕዳር ኣሜሪካ ዶክተር ዲቦራ ብሪክስ ተዛሪባ።
ካብዛ ከተማ ናብ ካልኦት ከባቢታት ዝንቀሳቐስ ሰብ ኩሉ ንኽልተ ሰሙን ነብሱ ክውሽብ ምዒዳ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ኣንድሪው ኩሞ ንዝርጋሓ ኮሮናቫይረስ ክገልጽ እንከሎ፡ "ኣብ መጀመርታ እዚ ለበዳ ከም ናይ ጽዕነት ባቡር ክንቀሳቐስ ርኢና። ሕጂ ግን ብንጥፈት እትጎዓዝ ባቡር ኢና ንርኢ ዘለና፤ ኣብ ኒውዮርክ ዘጋጥም ዘሎ ድማ ናይ ግዘ ጉዳይ'ዩ እምበር ኣብ ካሊፎርኒያን ኢልኖይን ከጋጥም'ዩ" ኢሉ።
መንግስቲ ፌደራል ኣሜሪካ፡ ብኮሮናቫይረስ ንዝተጎድኡ ሰባት ንምሕጋዝ እኹል ሕክምናዊ ናውቲ ከም ዘይልኣኸ ብምግላጽ ድማ ነቒፉ።
ሕከምናዊ ናውቲ ብዝቐልጠፈ እንተዘይተላኢኩ ድማ፡ ኣገልግሎትት ሆስፒታል ኒውዮርክ ኣብ ሓጽር ግዘ ናብ ዝኸፍኣ ደረጃ ከም ዝወርድ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብዚ ሰዓት፡ ሕሙማት ከተንፍስሉ ዝኽእል ሸውዓተ ሸሕ ናይ ሕክምና ማሽናትን መዝሐሊ ኣየር እኳ እንተሃለዋ፡ እቲ ዘድልያ ግን 30 ሽሕ ምዃኑ ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







