ማንችስተር ሲቲ፡ ካብ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ንኽልተ ዓመት ተኣጊዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማንችስተር ሲቲ ንኽልተ ዓመታት ካብ ኩሎም ውድድራት ክለባት ኣውሮጳ ተኣጊዳ።
እታ ክለብ፡ ብማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ዝተቐመጡ ስርዓት ስራሕ ፍቓድ ክለባትን ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ወጻኢ ከየውጻኣ ዝሕሉ ሕጊ ገንዘባዊ ቁጽጽርን ስለዝጠሓሰት እዩ፡ እቲ እግድ ተነቢሩላ ዘሎ።
እቲ ክለባት ቅኑዕን ዝተመጣጣነ ወጻኢ ክህልወን ዘገድድ ሕጊ (financial fair play regulation)፡ ክለባት ክኣትወኦ ዝኽእላ መጠን ዕዳ ውሱን ክኸውንን ንዝውውር ተጻዋቶን ክፍሊት ሰራሕተኛታተን ዝኽውን ገንዘብ ብቐጻሊ ክህልወንን ከምዘለዎ ይገልጽ።
ብተወሳኺ እታ ክለብ ናይ 30 ሚልዮን ዩሮ ዝተቐጸዐት ኮይና፡ ናብ ኣሸማጋሊ ቤት ፍርዲ ኩዕሶ እግሪ ይግባይ ክትብል ትኽእል እያ።
እታ ክለብ ብወገና በቲ ''ኣድሎኣዊ'' ዝበለቶ ውሳነ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ "ሓዚነ እምበር ኣይተገረምኩን" ክትብል ዝገለጸት ኮይና፡ ይግባይ ከምእሓትት ሓቢራ ኣላ።
ምንቅስቓስ ገንዘብ እተን ክለባት ዝቆጻጸር ኣካል ማንችስተር ሲቲ " ካብ 2012 ክሳብ 2016 ብስፖንሰር ዝረኸበቶ ኣታውን ዓይኒ ዋንኣን ኣጋኒና ናብ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ከምዘቕረበትን፡ ምርመራ ንምግባር 'ውን ክትተሓባበር ፍቓደኛ ከምዘይነበረትን" ገሊጹ ኣሉ።
እታ ክለብ ካብቲ ኣብ ፕሪሜር ሊግ ኣኪባቶ ዘላ ነጥቢ 'ውን ከጉድለላ ከምዝኽእል ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ እግድ ንጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ማንችስተር ሲቲ ኣይምልከትን።
ፕረዚደንት ላ ሊጋ፡ ዣቬር ቴባስ "ኣብ መወዳእታ ወሳናይ ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ" ብምባል ንውሳነ ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ንኢዱ።
እቲ ፕረዚደንት ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ እንግሊዛዊት ክለብ ማንችስተር ሲቲን ፈረንሳዊት ክለብ ፓሪስ ሴንት ጀርመይን ቅጽዓት ክውሰድ እናጸወዐ ጸኒሑ ነይሩ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







