ጥዕና፡ ጭንቀት ምስያብ ጸጉሪ ርእሲ ከኸትል ይኽእል'ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተመራመርቲ፡ ጭንቀት ስለምንታይ ንጸጉሪ ናብ ጻዕዳ ከምዝቕይሮን ከጋጥም ከሎ ድማ ሕብሪ ከይለኸኻ ደው ክብል ዝኽእለሉ መገዲን ክንፈልጦ ንኽእል ኢና ኢሎም።
ሕሱም ጭንቀት፡ ንሕብሪ ቖርበትን ጽጉሪ ርእስን ከምዝጎድእ ኣብ ኣንጭዋ ብዝተኻየደ ምርመራ ተረጋጊጹ'ሎ።
በቲ ዝተኻየደ ፈተነ፡ ጸሊም ሕብሪ ጸጉሪ ዝነበራ ኣንጭዋ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ናብ ጻዕዳ ሕብሪ ተቐይራ።
ተመራመርቲ ኣሜሪካን ብራዚልን ከምዝበልዎ፡ እዚ ውጽኢት፡ ነቲ ብሰንኪ ዕድመ ዝመጽእ ምጥፋእ ሕብሪ ጸጉሪ ዝከላኸል መድሓኒት ንምርካብ ተስፋ ዝህብ'ዩ።
ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድሚኦም ሕብሪ ቆርበቶም ዝጽዕድወሉ ኩነታት ይፍጠር።
ካብቲ ብምኽንያት ዕድመን ዘርእን ክኽሰት ዝኽእል ምጽዕዳው ሕብሪ ጸጉሪ ብተወሳኺ፡ ጭንቀት'ውን እጃም ኣለዎ።
እንተኾነ፡ ጭንቀት ንሕብሪ ጸጉሪ ርእሲ ብኸመይ ክቕይር ከምዝኽእል ተመራመርቲ ዝሃብዎ መብርሂ የለን።

ምንጪ ስእሊ, William A Goncalves
ነቲ ጉዳይ ግን ምስቲ ምንጪ ሕብሪ ጸጉርን ቆርበትን ዝኾነ ግድግዳ ዋህዮ ሜላኖሰይት የተሓሕዝዎ።
በቲ ኣብ ኣንጭዋ ዘካየድዎ ፈተነ'ውን ነዚ ከረጋግጹ ከምዝኸኣሉ ይዛረቡ።
"ጭንቀት ንሕብሪ ቆርበትን ጽጉርን ክቕይር ከምዝኽእል ብርግጸኝነት ክንፈልጥ ክኢልና'ለና" ክብል ተመራማሪ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ፕሮፌሰር ያ-ሲ ሱ ተዛሪቡ።
ምቁጽጻር ይከኣል'ዶ?
ብኻልእ ገጽ ኣብ ዝተኻየደ ፈተነ፡ ልዑል ጸቕጢ (ድፍኢት) ደም ዝቆጻጸር መድሓኒት [ኣንቲ-ሃይፐርተንሲቭ] ነታ ኣንጭዋ ብምሃብ ነቲ ዘጋጥም ለውጢ ሕብሪ ክቆጻጸርዎ ክኢሎም'ዮም።
ነታ ኣብ ቃንዛ ዝነበረት ኣንጭዋ ምስ ካልእቲ ኣንጭዋ ብምንጽጻር ከኣ፡ ብሰንኪ ጭንቀት ኣብ ግድግዳ ዋህዮ ጉድኣት ዘኸትል ፕሮቲን ከለልዩ ክኢሎም።
"ኣብ ኣንጭዋ ዝረኸብናዮ ውጽኢት፡ ነቲ ኣብ ሰባት ዝፍጠር ጸገም መፍትሒ ክንረክብ ንእንገብሮ ነዊሕ ጉዕዞ መበገሲ ዝኾነና እዩ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







