ግንባር ናጽነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ሓድሽ ኣቦወንበር መሪጹ

ምንጪ ስእሊ, ONLF
ግንባር ናጽነት ኦጋዴን (ኦ.ኤን.ኤል.ኤፍ) ፡ ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ ኦጋዴን ኣብ ዘካየዶ ራብዓይ ጉባኤ፡ ሓድሽ ኣቦወንበር መሪጹ።
ሓድሽ ኣቦወንበር እቲ ውድብ ዓብድራሕማን ሞሓመድ ሸኽ መዲ፡ 340 ድምጺ ብምርካብ ዝተዓወተ እንክኸውን፡ መነሓንሕቱ ኣሕመድ ያሲን፡ 251 ድምጺ ረኺቡ።
ፀሓፊ እቲ ጉጅለ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ዓብድራሕማን ሞሓመድ ሸኽ መዲ፡ ድሌት እቲ ውድብ ንምምላእ ዝበዝሕ ግዘኡ ኣወፍዩ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ ግዘ፡ ንባዕሉ ናብ ውድብ ከምዘዕበየ ዘፍለጠ እቲ ግንባር፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ወርሒ ጉንበት ኣብ ዝካየድ መረጻ ብብርኪ ክልል ከምዝወዳደር ኣፍሊጡ።
ኣብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ከተማ ቀብርድሃር ዝተወልደ ዓብድራሕማን ሞሓመድ ሸኽ መዲ፡ ናብ ሞቓድሾ ብምምራሕ ናይ ካልኣይ ብርኪን ኮሌጅን ትምህርቱ ኣብ ሞቓድሾ ተማሂሩ።
ብፍሉይ ትምህርትታት ፊዚክስን ሒሳብን ዘጽነዐ ዓብድራሕማን ሞሓመድ ሸኽ መዲ፡ ብድሕሪ እዚ፡ ብመምህርነት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣገልጊሉ።
ዓብድራሕማን መዲ ንቢበሲ ሶማሌ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ንእስነት ዕድምኡ ካብ 1972 ጀሚሩ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ክቃለስ ጸኒሑ።
ግንባር ናጽነት ኦጋዴን (ኦ.ኤን.ኤል.ኤፍ)፡ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ድሌታቱን ዛዕባታቱን፡ ኣብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ከተማ ኦጋዴን ሓፈሻዊ ጉባኤ እንተሳልጥ፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ንፈለማ እዋን እዩ።
ኣብቲ ጉባኤ ካብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያን ካብ ወጻእን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ልኡኻት እቲ ውድብ ተረኺቦም እዮም።
ልዑል ድጋፍ ህዝቢ ከምዘለዎ ዝግለጽ ግንባር ናጽነት ኦጋዴን (ኦ.ኤን.ኤል.ኤፍ)፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ንምምራሕ ድሉዊ ኮይኑ ከምዝርከብ ይግለጽ።
እቲ ውድብ፡ ንመሰልን ነጻነትን ሲቪላትን፡ ማሕበራዊ ብልጽግናን ከምዝቃለስ ድማ ኣፍሊጡ።
ግንባር ናጽነት ኦጋዴን (ኦ.ኤን.ኤል.ኤፍ)፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዓስኪሩ ብምንባሩ፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ንድሕነተይ ስግኣት ዝኾኑ ሓይልታት ተስፍር ኣላ ብምባል ክትከስስ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ እዩ።
ግንባር ናጽነት ኦጋዴን ካብ 1984 ንደሓር ንመሰል ዓርሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ንምርግጋጽን ሉዓላዊት ሶማሌ ንምምስራትን'ዩ ክቃለስ ጸኒሑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







