ቢቢሲ ዝሓረየን፡ 100 ጸለውቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና

ቢቢቢ ጸለውቲ ኢሉ ካብ ዝመረጸን ደቂ አንስትዮ

ቢቢሲ ኣብ 2019፡ ኣብ መላእ ዓለም ጽቡቕ ኣርኣያን ጸለውትን ነይረን ኢሉ ናይ ዝሓረየን ደቂ ኣንስትዮ ሽም ዝርዝር ዕላዊ ገይሩ።

ጸለውቲ ደቂ ኣንስትዮ ንምፍላይ ኣብ ዝነበረ መስርሕ፡ እቲ ቀንዲ ረቛሒ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚት ኮይነን ምምራሕ እንተኽኢለን፡ መጻኢ ዘበን እንታይ ክመስል ይኽእል? ዝብል እዩ።

ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓመት ዝርዝር ብሉጻት ጸለውቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሰንኪ ኵናት ዝዓነወት ሶርያ ንምህናጽ ትትልም ካብ ዘላ በዓልቲ ሞያ ስነ ህንጻ፡ ክሳብ ኣብ ዓብዪ ሓላፍነት ናሳ እትርከብ ጓል ኣንስተይቲ ዝሓዘ እዩ።

እተን ኣብቲ ዝርዝር ዝኣተዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሞየአን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዋ ኮይነን፤ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት፡ ህይወት ኣብ እንነብረላ ዓለም እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ግምተን ከቐምጣ ተገይሩ እዩ።

እተን ካብ መላእ ዓለም ብዝተፈላለየ ዓውዲ ጸለውቲ ተባሂለን፡ ብቢቢሲ ዝተሓረያ ደቂ ኣንስትዮ እዘን ዝስዕባ እየን።

ቢቢቢ ጸለውቲ ኢሉ ካብ ዝመረጸን ደቂ አንስትዮ

1) ፕሪሺየስ አዳምስ፣ ኣመሪካዊት፣ ሳዕሳዒት ቅዲ ባሌት( ባሌት ዳንስ)

2) ፓርቪና አሃንገር፣ ንግዝኣት ካሽሚር ወኪላ ኣብ ህንዲ እትወዳደርን ተሓላቂት ሰብኣዊ መሰልን

3) ፒየራ ኣዬሎ፣ ጣሊያናዊት፣ ፖለቲከኛ

4) ጃስሚን ኣክተር፣ ዩኬ/ባንግላዲሽ፣ ተጻዋቲት ክሪኬት

5) ማናል አልዶዋያ፣ ስዑዳዊት ስነ ጥበባዊት

6) ኪሚያ ኣሊዛዴህ፣ ኢራናዊት፣ ቴክዋንዶ ስፖርተኛ

7) ማርዋ ኣል ሳቡኒ፣ ሶሪያዊት፣ በዓልቲ ሞያ ስነ ህንጻ

8) ኣላኑድ ኣልሻሬኪህ፣ ኩዌታዊት፣ ተሓላቒት መሰል ደቂ ኣንስትዮ

9) ሪዳ ኣል ቱቡሊ፣ ሊቢያዊት፣ ተሓላቒት ሰላም

10) ታባታ ኣማራል፣ ብራዚላዊት፣ ፖለቲከኛ

11) ያሊትዛ አፓሪሲዮ፣ ሜክሲካዊት፣ ተዋሳኢትን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰልን

12) ዳያና አሽ፣ ሌባኖሳዊት፣ ተሓላቒት መሰላት ባህሊ

13) ዲና አሸር ስሚዝ፣ እንግሊዛዊት፣ አትሌት

14) ሚሚ አውንግ፣ አሜሪካዊት፣ ሓላፊት ፐሮጀክት ናሳ

15) ኒሻ አዩብ፣ ማሌዢያዊት፣ ተሓላቒት መሰላት ጾታኦም ዝቐየሩ ሰባት

16) ጁዲት ባክሪያ፣ ኡጋንዳዊት፣ ሓረስታይ

17) አያህ ብዲር፣ ሌባኖሳዊት፣ ፈጣሪት ሰራሕ

18) ዳማናንዳ ቢኹኒ፣ ታይላንዳዊት፣ ፈላሲት

19) ማቤል ቢያንኮ፣ ኣርጀንቲናዊት፣ ናይ ሕክምና ዶክተር

20) ራያ ቢድሻሂር፣ ኢራናዊት፣ በዓልቲ ሞያ ትምህርቲ

21) ካቲ ቦማን፣ ኣመሪካዊት፣ ተመራማሪት

22) ሲናድ በርክ፣ ኣየርላንዳዊት፣ ተሓላቒት መሰል ጉዱኣት ኣካል

23) ሊሳ ካምፖ-ኢነግለስቲን፣ ኣመሪካዊት፣ ባልቲ ሞያ ስነ ህይወትን ስነ ምግባርን

24) ስካርሌት ከርትስ፣ እንግሊዛዊት፣ ጸሓፊት

25) ኤላ ዳይሽ፣ እንግሊዛዊት፣ ተመራማሪት ከባቢ ተፈጥሮ

26) ሻራን ዳሊዋል፣ እንግሊዛዊት፣ ጸሓፊትን ስነ ጥባዊትን

27) ሳልዋ ኢድ ናስር፣ ናይጄሪያ/ባህሬን፣ ኣትሌት

28) ራና ኤል ካሉቢ፣ ግብጻዊት፣ ባልቲ ሞያ 'ኣርቴፍሻል ኢንትልጀንስ'

29) ማሪያ ፈርናንዳ ኤስፒኖሳ፣ ኤኳዶራዊት፣ ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት

30) ሉሲንዳ ኢቫንስ፣ ደቡብ ኣፍሪቃዊት፣ ተሓላቒት መሰል ደቂ ኣንስትዮ

31) ጄራርድ ፈርናንዴዝ፣ ሲንጋፖራዊት፣ ፈላሲት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሮማ

32) ቤታኒ ፊርዝ፣ እንግሊዛዊት፣ ጉዱእቲ ኣካልን ሓንባሲትን

ቢቢቢ ጸለውቲ ኢሉ ካብ ዝመረጸን ደቂ አንስትዮ

33) ኦውል ፊሸር፣ ኣይስላንዳዊት፣ ጋዜጠኛን ተሓላቒት ጾታዊ መሰላትን

34) ኣሽሊ-ኣን ፍራዘር-ፕራይስ፣ ጃማይካዊት፣ ኣትሌት

35) ዛሪፋ ጋፋሪ፣ ኣፍጋኒስታናዊት፣ ከንቲባ

36) ጃሊላ ሃይደር፣ ፓኪስታናዊት፣ በዓልቲ ሞያ ሕጊ

37) ታይላ ሃሪስ፣ ኣውስትራሊያዊት፣ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግርን ጉስጢትን

38) ሆሊ፣ ኣሜሪካዊት፣ ካብ ጾታዊ ጥቕዓት ዝተረፈት

39) ሁጋን ዌንሲ፣ ቻይናዊት፣ ተጓሳጢት

40) ሉቺታ ሁርታዶ፣ ቬኔዙዌላዊት፣ ኣርቲስት

41) ዩሚ ኢሺካዋ፣ ጃፓናዊት፣ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት

42) አስማ ጄምስ፣ ሴራ ሊዮናዊት፣ ጋዜጠኛን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላትን

43) አራንያ ጆሃር፣ ህንዳዊት፣ ገጣሚት

44) ካትሪና ጆንስተን፣ ኣመሪካዊት፣ ኣንትሮፖሎጂስት

45) ጋዳ ካዶዳ፣ ሱዳናዊት፣ መሃንዲስ

46) ኤሚ ካርል፣ ኣሜሪካዊት፣ ናይ ሥነ ህይወት ኣርቲስት

47) አህላም ኩደር፣ ሱዳናዊት፣ መራሒት ተቓውሞ

48) ፊዮና ኮልቢንገር፣ ጀርመናዊት፣ ተወዳዳሪት ብስክሌት

49) ሂዮሪ ኮን፣ ጃፓናዊት፣ ተወዳዳሪት ግድል ስፖርት ጃፓን

50) አይሳታ ላም፣ ሞሪታኒያዊት፣ በዓልቲ ሞያ ኣናእሽቱ ትካላት ቁጠባ

51) ሱ የንግሊ፣ ደቡብ ኮሪያዊት፣ ሳይኮሎጂስት

52) ፊ ፊ ሊ፣ ኣሜሪካዊት፣ በዓልቲ ሞያ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ

53) ኤሪካ ለስት፣ ስዊዲናዊት፣ በዓልቲ ሞያ ፊልም

54) ሎሪን ማሆ፣ እንግሊዛዊት፣ ካብ ሕማም ካንሰር ዝደሓነት

55) ጁሊ ማካኒ፣ ታንዛኒያዊት፣ ዶክተርን ተመራማሪትን

56) ሊሳ ማንዲማከር፣ ኔዘርላንዳዊት፣ ዲዛይነር

57) ጄሚ ማርጎሊን፣ ኣመሪካዊት፣ ተሓላቒት ለውጢ ከባቢ ኣየር

58) ፍራንሲያ ማርኬዝ፣ ኮሎምቢያዊት፣ በዓልቲ ሞያ ከባቢ ተፈጥሮ

59) ጊና ማርቲን፣ እንግሊዛዊት፣ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰል

60) ሳራ ማርቲንስ ዳ ሲልቫ፣ እንግሊዛዊት፣ ኣማኻሪት ማህጸንን ጥንስን

61) ራጂ ሜዚያን፣ አልጄሪያዊት፣ ድምጻዊት

62) ሱስሚታ ሞሃንቲ፣ ህንዳዊት፣ መሃዚት ስራሕ ህዋ

63) ቤኔዲክት መንዴል፣ ኮንጎ ዲሞክራቲክ፣ በዓልቲ ሞያ ምግቢ

64) ሱባላክሽሚ ናንዲ፣ ህንዳዊት፣ በዓልቲ ሞያ ጾታዊ መዓርነት

65) ትራንግ ንጉየን፣ ቬትናማዊት፣ በዓልቲ ሞያ ሓለዋ ከባቢ

66) ቫን ታይ ንጉየን፣ ቬትናማዊት፣ ዋና ፈጻሚት ስራሕን ተሓላቒት መሰላት ጉዱኣት ኣካልን

67) ናታሻ ኖኤል፣ ህንዳዊት፣ በዓልቲ ሞያ ዮጋ

68) ኣሌክሳንድሪያ ኦካሲዮ-ኮርቴዝ፣ ኣመሪካዊት፣ ኣባል ቤት ምኽሪ

69) ፋሪዳ ኦስማን፣ ግብጻዊት፣ ሓምባሲት

70) ኣሻሪያ ፔሪስ፣ ሲሪ ላንካዊት፣ ዲዛይነር

71) ዳኒት ፔሌግ፣ እስራኤላዊት፣ ዲዛይነር

72) ኦተም ፔልቲየር፣ ካናዳዊት፣ ተሓላቒት መሰል ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ

73) ስዌቲኒያ ፐስፓ ሌስታሪ፣ ኢንዶኔዢያዊት፣ ባልቲ ሞያ ከባቢ ተፈጥሮን ዘዋሪት መኪናን

74) ሜጋን ራፒኖ፣ ኣመሪካዊት፣ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ

75) ኦንጃሊ ራኡፍ፣ እንግሊዛዊት፣ ጸሓፊት

76) ቻርሊን ሬን፣ ቻይናዊት፣ ተሓላቒት መሰል ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ

77) ማሪያ ሬሳ፣ ፊሊፒናዊት፣ ጋዜጠኛ

78) ጃሚላ ሪቤሮ፣ ብራዚላዊት፣ ጸሐፊትን ተሓላቒት መሰል መዓርነትን

79) ጃዋሂር ሮብሌ፣ እንግሊዝ/ሶማሊያዊት

80) ነጃት ሳሊባ፣ ሌባኖሳዊት፣ ናይ ከሚስትሪ ፕሮፌሰር

81) ናንጂራ ሳምቡሊ፣ ኬንያዊት፣ በዓልቲ ሞያ ዲጂታላዊ መዓርነት

82) ዚሃራ ሳየርስ፣ ቱርካዊት፣ ተመራማሪት

83) ሃይፋ ስዲሪ፣ ቱኒዚያዊት፣ መሃዚት ስራሕ

84) ኑር ሼከር፣ ሶሪያዊት፣ በዓልቲ ሞያ ኮምፒውተር ሳይንስ

85) ቦኒታ ሻርማ፣ ኔፓላዊት፣ በዓልቲ ሞያ ምህዞ

86) ቫንዳና ሺቫ፣ ህንዳዊት፣ ባልቲ ሞኣ ከባቢ ተፈጥሮ

87) ፕራጋቲ ሲንግ፣ ህንዳዊት፣ ዶክተር

88) ሉቦቭ ሶቦል፣ ሩሲያዊት፣ በዓልቲ ሞያ ሕጊ

89) ሳማህ ሱቤይ፣ የመናዊት፣ በዓልቲ ሞያ ሕጊ

90) ካሊስታ ሲ፣ ሴኔጋላዊት፣ ጸሓፊት ፊልምን ፕሮዲዩሰርን

91) ቤላ ቶርን፣ ኣሜሪካዊት፣ ተዋሳኢትን ኣዳላዊትን

92) ቬሮኒክ ቱቬኖት፣ ቺሊያዊት፣ ዶክተር

93) ግሬታ ተንበርግ፣ ስዊዲናዊት፣ ተሓላቒት ለውጢ ከባቢ ኣየር

94) ፓውላ ቪላሪያል፣ ሜክሲኳዊት፣ ኮምፒዩተር ፕሮግራመር

95) ኢዳ ቪታሊ፣ ኡራጓያዊት፣ ገጣሚት

96) ፒዩሪቲ ዋኮ፣ ኡጋንዳዊት፣ ዓላሚት ልምዲ ህይወት

97) ማሪሊን ዋሪንግ፣ ኒው ዚላንዳዊት፣ በዓልቲ ሞያ ስነቑጠባን ሓለዋ ከባብን

98) ኤሚ ዌብ፣ አሜሪካዊት፣ ተንባይት መጻኢ ኩነት

99) ሳራ ዌስሊን፣ ፊንላንዳዊት፣ ጋዜጠኛ

100) ጊና ዙርሎ፣ አሜሪካዊት፣ ናይ ሃይማኖት ምህርቲ