ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንኖቤል ተሓፅዮም ዝበሃል ሓቅነት'ዶ ይህልዎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፁ ኣብ ሓፂር ግዜ ድጋፍ ህዝቢ ምርካቦም ጥራሕ ዘይኮነስ ሽልማት ኖቤል ንክረኽቡ'ውን ወፍርታት እናተኻየደ እዩ።
እቲ ሽልማት ክረኽቡ ከምዝግብእ ዝገልፁ ድምፅታት ክስምዑ ጀሚሮም ኣለዉ።
ብፍላይ ምስ ኤርትራ ዝጀመርዎ ሰላማዊ ርክብ "እቲ ሽልማት ይግብኦ" ዝብል ድምፅን ወፍርን ክስማዕ ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።
ኣማኻሪ ሚንትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ዝነበሩ ሀርማን ኮሀን ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ትዊተሮም ሓደ መልእኽቲ ፅሒፎም ነይሮም።
"ኣብ መዋእል ስርሐይ ንመጀመርታ ግዜ ንሓደ ሰብ ናብ ኖቤል ሓፅየ ኣለኹ። ንሱ ድማ ኣብይ ኣሕመድ እዩ። ኣብ ሃገሩ ዴሞክርሲ እንተደኣ ኣረጋጊፁ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝሓሸ ኩነታት ክምለስ'ዩ" ይብል እቲ መልእኽቲ።
ሓያሎ ሰባት ድማ ንሓሳብ ሀርማን ኮሀን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ደጋጊሞም ኣባፂሖምዎ።
ኖቤል ብወፍሪ ይርከብዶ?
ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ይረአ ከምዘሎ እንተኾይኑ ዶክተር ኣብይ ብሕፁይነት ከምዝቐረቡ ኣብ ገሊኡ ድማ ናብ ዓወት ከምዝተፀግዑ ይግለፅ። ንዓወቶም ድምፂ ህዝቢ ክረኽቡ ከምዘለዎም ዝገልፁ መረዳእታት ብሰፊሑ ተዘርጊሐም።
ካብ መርበብ ሓበሬታ (ድሕረ-ገፅ) ሽልማት ኖቤል ዝረኸብናዮ መረዳእታ ከምዝሕብሮ ግን ሕፁያት ዝቐርቡሉ መንገዲ ብቑዓት ብዝበሃሉ ሰባት ምስተመረፁ ጥራሕ እዩ።
እቶም ብቑዓት ወይ ድማ ሕፁያት ከቕርቡ ዝኽእሉ ዝበሃሉ ድማ
- ኣባላት ካቤኔ ወይድማ መራሕቲ ዝኾነት ትኹን ሉኣላዊት ሃገር
- ኣባላት ቤት ፍርዴ ዘ-ሄግ ወይ ከኣ ፕሮፌሰራትን ተሓባበርቲ ፕሮፌሰራትን ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ
- ሽልማት ኖቤል ዝተዓወቱ ውልቀ-ሰባት ከምኡ'ውን ኣባላት ኣካቢት ቦርድ ተዓዋቲ ትካል
- ኣብ ኖርወይ ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል እዯም።
በዚኦም ኣቢሎም ዝቐርቡ ሕፁያት ክህልዉ ከለዉ እዩ ሕጊ ተኸቲሉ ዝበሃል። ዝኾነ ይኹን ሰብ ንገዛእ ርእሱ ሕፁይ ገይሩ ከቕርብ ኣይክእልን።
ኮሚተ ኖቤል ሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዎ ኮይኑ፡ እቶም ኣባላት ድማ ብፓርላማ ኖርወይ ይሽየሙ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብይ ኣሕመድ ተጠቊሞም'ዶ?
ነዚ ሕቶ'ዚ መልሲ ክህብ ዝኽእል ኣካል መን'ዩ? እቲ ኮሚቴ መንነት እቶም ሕፁያትን ንሕፁያት ዘቕርቡ ኣካላትን ብዝምልክት ናብ ሚድያ ይኹን ናብ ሕፁያት ዘቕርቦ መረዳእታ ፈፂሙ ክህሉ ኣይክእልን።
መን ንመን ጠቊሙ? በዓል መን ብኸመይ ተመሪፆም? ዝብሉ መረዳእታታት ዝወፁ እቲ ሽልማት ካብ ዝካየድ ድሕሪ 50 ዓመታት ጥራሕ እዩ።
እዚ ማለት ድማ ኣብይ ኣሕመድ ብመን ሕፁይ ሽልማት ኖቤል ኮይኖም ከምዝቐረቡ ክንፈልጥ ንኽእል ኣብ 2060 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ጥራሕ ይኸውን ኣሎ።
ግዜ ሰሌዳ ኮሚቴ ኖቤል
መስከረም፦ ኮሚቴ ኖቤል ኖርወይ ሕፁያት ንምቕባል ይዳሎ። ሕፁያት ናይ ምቕባል መስርሕ ክሳብ ሽድሽተ ኣዋርሕ ይቕፅል።
ለካቲት፦ ኣብዚ ወርሒ ሕፁያት ናይ ምቕባል መስርሕ ይዛዘም። ቅድሚ 1 ለካቲት ዘይተጠቆሙ ኣካላት ሕፁያት ክኾኑ ኣይክእሉን።
መጋቢት፦ እቲ ኮሚቴ ዝርዝር ሕፁያት የቕርብ። ካብ 20 ክሳብ 30 ሕፁያት ጥራሕ ናብቲ ዝቕፅል መፃረይ ይሰግሩ።
ጥቅምቲ፦ ኣብ መእተዊ ወርሒ ጥቅምቲ ተዓዋቲ ብድምፂ ብልጫ ይምረፅ።
ታሕሳስ፦ 10 ታሕሳስ ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ኣብ ኦስሎ ኖርወይ እቲ ስነ-ስርዓት ሽልማት ይካየድ።
ሰሌዳ ግዜን ኣብይ ኣሕመድን
መስርሕ ሽልማት ኖቤል ክሳብ ሓደ ዓመት ይወስድ። ጥቆማ ዝቕርበሉ እዋን ግን ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዝቕፅል ግዜ እዩ።
እዚ እምበኣር ንናይ ዝመፅእ መስከረም ዘይኮነስ ንናይ 2017 ሓደ ኢሉ ዝጅምር'ዩ።
ሕፁያት ዝቐርቡሉ ግዜ ምስተዓፀወ ናብ ስልጣን ዝመፁ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ፡ ንናይ 2018 ሕፁነይነት ኖቤል ኣብ ሕቶ ክኣቱ ይገብሮ።
ምናልባት ግን እቲ ኮሚቴ ኖቤል ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ሕፁያት ናይ ምውሳኽ ስልጣን ስለዘለዎ ነዚ ተግባራዊ እንተገይሩ፡ ሕፁይ ናይ ምዃን ፀቢብ ዕድል ይህልዎም።
ስለዝኾነ ካብ ዝመፅእ ወርሒ ጀሚሩ ንኣብይ ኣብ ናይ 2019 ሽልማት ኖቤል ንምሕዋስ ካብ ምፍታን ብዝሰገረ፡ ብዝኾነ ይኹን ኣካል ብዝግበር ጎስጓስን ወፍርን ኣብቲ ኮሚቴ ፅዕንቶ ምፍጣር ከምዘይከኣል ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







