ውላዳ ኣብ ሽቓቕ ሞይቱ ዝተረኸበ ወላዲት ብቤት ፍርዲ 'ናጻ' ተባሂላ

ኤቭሊን ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ፍርዲ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

ኤልሳቫዶራዊት ጓል 21-ዓመት ኤቭሊን ሀርናንዴዝ፡ 'ንውላድኪ ቀቲልኪ ናብ ሽቓቕ ደርቢኺ' ብዝብል ተኸሲሳ እያ ፍርዳ ክትከታተል ጸኒሓ።

ውላዳ ኣብቲ ክትሓርስ እንከላ ዝነበረትሉ ሽቓቕ እዩ ሞይቱ ተረኺቡ።

ኤቭሊን ጥንስቲ ምዃና ከምዘይትፈልጥን ኣብቲ ዝሓረሰትሉ እዋን፡ ውነኣ ስሒታ ምንባራ ብምግላጽ፡ ነቲ ገበን ከምዘይወዓለቶን ንጽህቲ ከምዝኾነትን እያ ክትገልጽ ጸኒሓ።

ዓቀብቲ ሕጊ፡ 40 ዓመት ክትእሰር ክብየና እኳ እንተሓተቱ፡ ቤት ፍርዲ ግን ብናጻ ኣሰናቢትዋ ኣሎ።

ተሓለቕቲ መሰላት ደቂኣንስትዮ እታ ሃገርን ዓለምለኸ ተጣበቕትን ንከይዲ ፍርዲ ኤቭሊን ብቐረባ ክከታተልዎን ብናጻ ክትልቀቕ ክጉስጉሱ እዮም ጸኒሖም።

ኤልሳቫዶር ኣብ ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ተሪር ሕጊ ካብዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ።

ጥንሲ ምስዳድ ክልኩል ክኸውን ከሎ፡ ገበነኛ ኾይንካ ምስ እትርከብ ድማ ካብ ክልተ ክሳብ ሾመንተ ዓመት ማእሰርቲ እዩ ዘቕጽዕ።

እንተኾነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ክሲ ከምቲ ናይ ኤቭሊን ብገበን ቅትለት እዩ ዝቐርብ። እዚ ድማ ብውሕዱ ማእሰርቲ ሰላሳ ዓመት እዩ ዘቕጽዕ።

"ተመስገን ፈጣሪ ፍትሒ ረኺበ" ኢላ ኤቭሊን ድሕሪ ናይ 33 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ናጻ ምስተባህለት። ድሕሪ'ዚ ትምህርታ ከምእትቕጽልን ትልምታታ ከተሳኽዕ ከምእትሰርሕን እውን ገሊጻ።

ጠበቓኣ "ብታሕጓስ ክፍንጻሕ ኢለ" ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።

እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ኤቭሊን ሄርናንዴዝ 6 ሚያዝያ 2016፡ ኣብ ገዝኣ እናሃለወት ከቢድ ሕማም ከብዲ ከምእተሰመዓን ክትደሚ ከምዝጀመረትን ትዛረብ።

ናብ ሽቓቕ ምስከደት ድማ ውነኣ ስሒታ። ኣዲኣ ናብ ሆስፒታል ወሲዳታ፡ ሓካይም ድማ ከምዝሓረሰት ፈሊጦም።

ሬሳ ውላዳ ኣብ መአከቢ ረሳሕ ፈሳሲ ናይቲ ሽቓቕ ምስተረኽበ ድማ ተኣሲራ።

ኤቭሊን ንጽህቲ ምዃና ብቐጻልነት ክትገልጽ እያ ጸኒሓ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኤቭሊን ንጽህቲ ምዃና ብቐጻልነት ክትገልጽ እያ ጸኒሓ

ኤቭሊን ኣብቲ እዋን ጓል 18 ዓመት ዝነበረት ኮይና፡ ብጭፍራ ወረበላታት ተዓሚጻ እኳ እንተነበረት ምጥንሳ ግን ከምዘይትፈልጥ እያ ትዛረብ።

እቲ ናይ ጥንሲ ስምዒታት፡ ምልክታት ሕማም ከብዲ፡ እቲ ምድማይ እውን ናይ ወርሓዊ ጽግያታ ይመሰላ ከምዝነበረ ትዛረብ።

"ጥንስቲ ምዃነይ እንተዝፈልጥ ነይረ ብኹርዓትን ብታሕጓስን ምወለድክዎ" ኢላ ነይራ።

መጀመርያ ብምስዳድ ጥንሲ ተኸሲሳ ዝነበረት እኳ እንተኾነ፡ ጸኒሑ ግን ብገበን ቅትለት ተኸሲሳ።

ሓምለ 2017፡ ኤቭሊን ጥንስቲ ምዃና ትፈልጥ ነይራ እያ ክብል ቤት ፍርዲ ወሲኑ ዝነበረ ክኸውን ከሎ፡ 30 ዓመት ክትእሰር ተፈሪድዋ ነይሩ።